settings icon
share icon
ሕቶ

ድሕሪ ሞት እንታይ ይስዕብ?

መልሲ


ኣብ እምነት ክርስትና ድሕሪ ሞት እንታይ ኣሎ ወይ እንታይ ይስዕብ ኣብ ዝብል ጉዳይ ብዙሕ ክትዕን ምድንጋራትን ኣሎ፡፡ ገሊኣቶም ድሕሪ ሞት ስዒቡ ክሳዕ እታ ሰብ ናብ ገነትን ሲኦልን ዝፍረደላ ዓባይ መዓልቲ ፍርዲ ድቃስ እዩ ዘሎ ይብሉ፡፡ ካልኦት ድማ ሰብ ልክዕ ኣብታ ዝሞተላ ህሞት ፍርዱ ተቐቢሉ ናብቲ ዘልኣለማዊ ቦትኡ ይኸይድ ይብሉ፡፡ ካልኦት ከኣ ሰባት ምስ ሞቱ እታ ነፍሶም/መንፈሶም ኣብ ግዝያዊ ገነትን ወይ ሲኦል ንመዓልቲ ትንሳኤ፡ መወዳእታ ፍርድ ተጸብያ ናብቲ ዘልኣለማዊ ቦትኣ ትኸይድ ይብሉ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል?

ብቐዳምነት፡ እቶም ብየሱስ ክርስቶስ ዝኣመኑ ድሕሮ ምሟቶም እታ ነፍሶም/መንፈሶም ናብ ገነት ከም እትኸይድ፡ እዚ ከኣ ንክርስቶስ ከም መድሓኒኦም ስለ ዝኣመንዎ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና (ዮሃንስ 3፡16,18,36)፡፡ ንኣመንቲ ሞት ማለት ካብ ስጋ ግዒዝካ ምስ ጎይታ ምንባር እዩ (2ቆሮንጦስ 5፡6-8፤ ፊልጲ 1፡23)፡፡ ይኹን እምበር ከምቲ 1ቆሮንጦስ 15፡50-54ን 1ተሰሎንቄ 4፡13-17ን ዘሎ ኣመንቲ ብስጋ ከም ዝትንስኡን ዝኸበረ ስጋ ከም ዝለብሱን ንፈልጥ፡፡ ኣመንቲ ድሕሪ ሞቶም ናብ ክርስቶስ ዝኸዱ እንተ ኾይኖም ግና እዚ ትንሳኤ እንታይ እዩ፤ ድሕሮ ሞቶም እታ ነፍሶም/መንፈሶም ምስ ክርስቶስ ትጸንሕ እሞ እቲ ስጋኦም ግና ኣብ መቓብር ደቂሱ ይጽበ፡፡ ኣብ መዓልቲ ትንሳኤ ኸኣ እቲ ስጋኦም ተንሲኡ ስጋ ክብሪ ብምልባስ ምስታ ነፍሲ/መንፈስ ይጽንበር፡፡ እዚ ዝተጸንበረ ስጋን ነፍስን ድማ ኣብቲ ሓድሽ ሰማይን ምድርን ንዘልኣለም ይነብር (ራእዪ ዮሃንስ 21-22)፡፡

ብኻልኣይ ከኣ እቶም ንክርስቶስ ከም መድሓኒኦም ዘይተቐበልዎ እቲ ሞት ስጋ ዘልኣለማዊ መቕጻዕቲ ማለት እዩ፡፡ ከምቶም ኣመንቲ ድሕሪ ሞሟቶም ክሳዕ እታ ዘልኣለማዊ ቦትኦም ዝሕዙላ መዓልቲ ትንሳኤን መዓልቲ ፍርድን ኣብ ሓደ መጻንሒ ይተሓዙ፡፡ ሉቃስ 16፡22-23 ብዛዕባ ሓደ ድሕሪ ሞቱ ኣብ ስቓይ ዝተደርበየ ሃብታም ሰብኣይ ይዛረብ፡፡ ራእይ ዮሃንስ 20፡11-15 ድማ ኩሎም እቶም ዘይኣመኑ ተንሲኦም ንፍርዲ ናብቲ ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋን ቀሪቦም ናብቲ ቀላይ ሓቂ ክድርበዩ እንከለዉ የርእየና፡፡ እምበኣርከስ እቶም ዘይኣመኑ ድሕሮ ሞሟቶም ናብ ግዝያዊ ቦታ ፍርድን ኩነኔን እምበር ብቐጥታ ናብ ሲኦል ወይ ቀላይ ሓቂ ከም ዘይድርበዩ ንፈልጥ፡፡ እቶም ዘይኣመኑ ብቐጥታ ናብ ቀላይ ሓቂ ዘይድርበዩ ምዃኖም ፍሉጥ ኮይኑ እቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ብጽሒቶም ብርግጽ ዝኸፍአ እዩ፡፡ እቲ ሃብታም ሰብኣይ፡ በዚ ሃልሃልታዚ ይስቀ ኣለኹ እናበለ የእዊ ነበረ(ሉቃስ 16፡24)፡፡

ስለዚ፡ ሰብ ድሕሪ ሞቱ ኣብ ግዝያዊ ገነት ወይ ሲኦል ይጸንሕ፡፡ ድሕሪ እዚ ግዝያዊ መጻንሒ ግና እቲ ዕጭኡ ኣብ መዓልቲ ትንሳኤን ፍርድን ኣይቅየርን እዩ፡፡ ድሕቲ ትንሳኤ ናብቲ ዝተዳለወሉ ዘልኣለማዊ ቦታ ምኻድ ጥራይ እዩ፡፡ እቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ናብቲ ሓድሽ ሰማይን ምድርን ይኣትዉ (ራእይ 21፡1)፡፡ እቶም ብክርስቶስ ዘይኣመኑ ድማ ኣብቲ ቀላይ ሓዊ ይድርበዩ (ራእይ 20፡11-15)፡፡ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ብምእማንን ወይ ብዘይምእማን ኣቢሉ ድማ እዚ እቲ ናይ መወዳእታ ቦታ ኩሎም ሰባት ይኸውን (ማቴዎስ 25፡46፤ ዮሃንስ 3፡36)፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ድሕሪ ሞት እንታይ ይስዕብ?
© Copyright Got Questions Ministries