settings icon
share icon
ሕቶ

ፍጹም ሓቂ/ኣድማሳዊ ሓቂ ዝብሃል ነገር ኣሎ ድዩ?

መልሲ


ንፍጹም ሓቂ ወይ ኣድማሳዊ ሓቂ ንምርዳእ፡ ንሓቂ ብምግላጽ ክንጅምር ኣሎና። ሓቂ ብመሰረት መዝገበ ቃላት “ምስ ጭብጢ ወይ ግብሪ ምስምማዕ፡ ሓደ ዝተረጋገጸ ወይ ከም ሓቂ ቅቡል ዝኾነ ሓሳብ እዩ።” ገለ ሰባት ሓቀኛ ክውንነት የሎን፡ እንታይ ድኣ መረዳእታታትን ርእይቶታትን ጥራይ እምበር ይብሉ። ካልኦት ድማ ሓደ ፍጹም ዝኾነ ክውንነት ወይ ሓቂ ክህሉ ኣለዎ ይብሉ።

ሓደ ርእይቶ ድማ ንክውንነት ዝገልጹ ፍጹም ነገራት የለዉን ይብል። እቶም ነዚ ርእይቶ ዝሕዙ ከኣ ኩሉ ነገር ምስ ካልእ ነገር ተዛማዲ እዩ ኢሎም ይኣምኑ፡ ስለዚ ድማ ሓቀኛ ዝኾነ ክውንነት የሎን ይብሉ። በዚ ምኽንያት፡ ጠቕላላ ፍጹም ዝኾነ ሞራል የሎን፡ ሓደ ተግባር ኣወንታ ወይ ኣሉታ፡ ቅኑዕ ወይ ጌጋ እንተኾይኑ ንምውሳን ዝኾነ መወከሲ ስልጣን የሎን። እዚ ኣረኣእያ ናብ “ኩነታዊ ስነምግባር” ይመርሕ፡ እዚ ድማ ቅኑዕን ጌጋን ምስ’ቲ ኩነታት እዩ ዝዛመድ ዝብል እምነት ኣለዎ። ቅኑዕ ወይ ጌጋ የልቦን፡ ስለ’ዚ ድማ ኣብ’ቲ ግዜቲን ኣብ’ቲ ኩነታት እትን ቅኑዕ ዝተሰመዓካ ወይ ዝመስል እዩ ሓቂ። ልክዕ እዩ ኩነታዊ ስነምግባር ናብ ባዕላዊ ውሳኔ ናይ በእምሮን ብቅዲ ኣነባብራን “ዝኾነ ጽቡቕ ኮይኑ ዝተሰምዓካ” ይመርሕ እዩ፡ እዚ ከኣ ኣብ ሕብረተሰብን ኣብ ግለ ሰባትን ኣዕናዊ ሳዕቤን ኣለዎ። እዚ ድሕሪ ዘመናውነት ኮይኑ ንወግዕታት፡ እምነታት፡ ቅዲ-ሂወትን ሓቅን ብማዕረ ቅቡላት እዮም ኢሉ ዝኣምን ሕብረተሰብ ይፈጥር ይብል።

እቲ ካልእ ርእይቶ ድማ እንታይ እዩ ሓቂ፡ እንታዩ’ኸ ሓቂ ዘይኮነ ብርግጽ ፍጹም ዝኾነ ክውንነታትን መምዘኒታትን ኣሎ ይብል። ስለ’ዚ ከኣ፡ ተግባራት በዞም ፍጹማት ዝኾኑ መምዘኒታት ሚዛን እንታይነቶም ተዓቂኖም ቅኑዓት ድዮም ጌጋ ክውሰኑ ይኽእሉ እዮም። ፍጹማት ነገራት፡ እንተዘይሃልዮም ክውንነት ዝብሃል የሎን ሕንፍሽፍሽ ድማ ይስዕብ። ንኣብነት ንሕጊ ስሕበት ንውሰድ። ፍጹም እንተዘይከውን ኔሩ፡ ንሕና ኣብ ሓደ ቦታ ኮፍ ክንብል ኣሎና ድዩ ክንትስእ ክሳብ ንንቀሳቐስ ርግጽ ክንከውን ኣይንኽእልን። ወይ ክልተ ተደመሮ ክልተ ኩሉ ግዜ ኣርባዕተ እንተዘይከውን፡ ውጺኢቱ ኣብ ስልጣኔ ኣዕናዊ ምኾነ ኔሩ። ሕግታት ስነፍልጠትን ፊዚክስን ኣይመድለዩን ንግዲ ድማ ዘይክኣል ምኾነ። እንታይ ዓይነት ሕንፍሽፍሽ ምኾነ! ተመስገን፡ ክልተ ተደመሮ ክልተ ኣርባዕተ እዩ። ፍጹም ሓቂ ኣሎ፡ ከምኡ’ከኣ ክርከብን ክንርደኦን ይክኣል እዩ።

ፍጹም ሓቂ የሎን ዝብል ሙሉእ ሓሳብ ምግባር ከኣ ዘይ ስነሞጎታዊ እዩ። ገና ሎሚ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ንፍጹም ሓቂ ዝክሕድ ባህላዊ ተዛማድነት ይሕዙ ኣለዉ። ነቶም “ፍጹም ሓቂ የሎን” ዝብሉ ዝሕተት ጽቡቕ ሕቶ ከኣ እዚ እዩ፡ “ንስኻ ብዛዕባ’ዚ ፍጹም ርጉጽ ዲኻ?” “እወ” እንተድኣ ኢሎም እዚኦም ፍጹም ዝኾነ መግለጺ ጌሮም ኣለው--እዚ ንባዕሉ ድማ ንህላወ ፍጹማት ነገራት የመልክት እዩ። እዚኣቶም ዝብልዎ ዘለዉ ፍጹም ሓቂ የሎን ዝብል ነገር ድማ እቲ ሓደን እንኮን ፍጹም ዝኾነ ሓቂ እዩ።

ብዘይካ ናይ ባዕሉ ሽግር ናይ ተገራጫውነት ድማ፡ ካልኦት ሓደ ሰብ ፍጹም ወይ ኣድማሳዊ ሓቅታት የለውን ኢሉ ንክኣምን ክስዕሮም ዘለዎም ዝተፈላለዩ ስነሞጎታዊ ጸገማት’ውን ኣለው። ሓደ ከኣ ኩሎም ሰባት ውሱን ፍልጠትን ውሱን ኣእምሮን ኣለዎም ስለ’ዚ ድማ ብስነሞጎት ፍጹም ኣሉታዊ ሙሉእ ሓሳባት ክግብር ኣይክእልን። ሓደ ሰብ ብስነመጎት “ኣምላኽ የሎን” ክብል ኣይክእልን፡ (ዋላ’ኳ ብዙሓት ከምኡ ይገብሩ እንተኾኑ)፡ ምኽንያቱ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሙሉእ ሓሳባት ንምግባር፡ ንሱ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ፍጹም ዝኾነ ኣፍልጦ ናይ ሙሉእ ኣድማስ ክህልዎ ኣለዎ። እዚ ዘይክኣል ስለዝኾነ፡ እቲ ቀንዲ ሓደ ሰብ ብስነ-ሞጎት ክብሎ ዝኽእል ከኣ “በዚ ዘሎኒ ድሩት ፍልጠት፡ ኣነ ኣምላኽ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን እየ።”

ካልእ ጸገም ምኽሓድ ንፍጹም ሓቂ/ኣድማሳዊ ሓቂ ድማ ነቲ ብሕልናና፡ ተሞኩሮናን ነቲ ኣብ ግሁድ ዓለም እንርእዮን ሓቂ እዩ ኢልና እንፈልጦ ክኣምነሉ ዘይምድላይ እዩ። እንተድኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጹም ሓቂ ዘየለ ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእትኡ ድማ ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ቅኑዕ ወይ ጌጋ የሎን። ንዓኻ “ሓቂ” ክኸውን ዝኽእል ንዓይ “ሓቂ” ይኸውን ማለት ኣይኮነን። ዋላ’ኳ ብላዕሊ እዚ ዓይነት ተዛማድነት ዝስሕብ ዝመስል እንተኾነ፡ እዚ ማለት ግን ነፍሲወከፍ ዝነብረሉ ናቱ ሕጊ የውጽእን ቅኑዕ ዝመሰሎ ድማ ይገብርን ማለት እዩ። ፍሉጥ ዘይተርፍ ነገር ድማ ናይ ሓደ ሰብ ርዲኢት ናይ ቅኑዕ ድማ ቀልጢፉ ምስ ናይ ካልእ ሰብ ይጋጮ። እንተድኣ ናይ ትራፊክ መብራህቲ ሸለል ምባል ንዓይ ቅኑዕ ኮይኑ ዋላ ቀይሕ ኣብ ዝኾኖሉ እንታይ የጋጥም። ኣነ ንብዙሕ ሂወት ኣብ ሓደጋ የእትዎ። ወይ ኣነ ምናልባት ካባኻ ምስራቕ ቅኑዕ እዩ ኢለ እንተድኣ ሓሲበ ንስኻ ግን ምናልባት ቅኑዕ ኣይኮነን ኢልካ ትሓስብ። ንጹርዩ መለክዒታትና ድማ ኣብ ናይ ቅኑዕን ጌጋን ኣብ ግጭት ኣለዉ። ፍጹም ሓቂ እንተድኣ ዘይሃልዩ፡ ኩልና ንሕተተሉ መለክዒ ናይ ቅኑዕን ጌጋን እንተዘየለ፡ ስለዚ ንሕና ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ርጉጻት ክንከውን ኣይንኽእልን። ሰባት ድማ ዝደለይዎ --ቅትለት፡ ዓመጽ፡ ስርቂ፡ ሓሶት፡ ምትላል ወዘተ..ክገብሩ ናጻ ክኾኑ እዮም ወለሓደ ሰብ ድማ እዞም ነገራት ጌጋ እዮም ክብል ኣይክእልን እዩ። መንግስቲ ኣይክህሉን እዩ፡ ሕጊ የሎን ከምኡ’ውን ፍትሒ የሎን ምኽንያቱ ሓደ ሰብ እቶም ብዙሓት ኣብ ልዕሊ እቶም ውሑዳት መለኪዒታት ክገብሩን ከተግብርዎን መሰል ኣለዎም ክብል ከማን ኣይክእልን። ዓለም ብዘይ እዞም ፍጹማት ነገራት ክግመት ዝክኣል ኣዝያ ተስካሕክሕ እያ ክትከውን።

ብመንጽር መንፈሳዊ መርገጺ ድማ፡ እዚ ዓይነት ተዛማምድነት ሓደ ሓቀኛ ሃይማኖት ዘይብሉን ቅኑዕ ዝኾነ ርክብ ምስ ኣምላኽ ክርከበሉ ዝኽእል መገዲ ዘይብሉን ሃይማኖታዊ ድንግርግር እዩ ዘምጽእ። ስለ’ዚ ድማ ኩለን ሃይማኖታት ሓሶት እየን ክኾና ምኽንያቱ ኩለን ብዛዕባ ድሕሪ ሂወት ዘሎ ፍጹም ርእይቶ እየን ዝገብራ። ሎሚ ሰባት ክልተ ፈጺመን ዝጻረራ ሃይማኖታት ብማዕረ “ሓቂ” ክኾና ይኽእላ እየን ኢሎም ክኣምኑ ዘይልሙድ ኣይኮነን፡ እዚ ከኣ ዋላ’ውን ክልቲኤን ሃይማኖታት እንኮ መገዲ ሰማይ ምሳይ ኣሎ እንተበላ ወይ ፈጺሙ ኣንጻር ዝኾነ “ሓቅታት” እንተምሃራ። እቶም ኣብ ፍጹም ሓቂ ዘይኣምኑ ሰባት ነዞም ርእይቶታት ሸለል ይብልዎምን ኩለን ሃይማኖታት ማዕረ እየን ከምኡ ድማ ኩሎም መገድታት ድማ ናብ ሰማይ እዮም ዝመርሑ ዝብል ዝያዳ ተጻዋሪ ዝኾነ ኣድማሳውነት ድማ ይሕዙን። እቶም ነዚ ርእየተ ዓለም ዝሕዙ ሰባት ድማ ነቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ የሱስ እዩ “መገድን ሓቅን ሂወትን” ንሱ እዩ ድማ እቲ ናይ መወዳእታ መግለጺ ሓቂን እቲ እንኮ መገዲ ሓደ ሰብ ናብ ሰማይ ዝኣትወሉን ንዝብል ዝኣምኑ ወንጌላውያን ክርስትያናት ብትሪ ይቃወሙዎም (ዮሃንስ 14፡6)።

ምጽውዋር ድማ ዋና ባህሪ ናይ ድሕሪ ዘመናዊ ሕብረተሰብ ዘሎ፡ እቲ እንኮ ፍጹም፡ ኮይኑ ኣሎ፡ ስለዚ ድማ፡ ዘይምጽውዋር ድማ እቲ እንኮ ክፉእ ኮይኑ። ዝኾነ ዶግማዊ እምነት--ብፍላይ ድማ እምነት ኣብ ፍጹም ሓቂ--ከኣ ከም ዘይምጽውዋር እዩ ዝረአ፡ እዚ ድማ ከም’ቲ ናይ መወዳእታ ሓጥያት። እቶም ንፍጹም ሓቂ ዝኽሕዱ ድማ ክሳብ እምነትካ ኣብ ካልኦት ጸቕጢ ክትገብር ዘይፈተንካ ድላይካ ምእማን ቅኑዕ እዩ ክብሉ እዮም። ኮይኑ ግን እዚ ርእይቶ ንባዕሉ ብዛዕባ ቅኑዕን ጌጋን እምነት እዩ ዝኸውን ዘሎ፡ ስለዚ ድማ እቶም ነዚ ርእይቶ ዝሕዙ ዘለው ድማ ፍሉጥ እዩ ኣብ ካልኦት ከስገድድዎ ይፍትኑ እዮም። ንሳቶም ካልኦት ክስዕብዎ ዝተባብዕዎ መለክዒ ናይ ስነምግባር ይሰርዑን በዚ ድማ እቲ ንሶም ይድግፍዎ ኢሎም ዝሓስብዎ ቀንዲ ነገር ይጥሕስዎ--ካልእ ባዕሉ ዝጋጮ መርገጺ። እቶም ከምዚ ዓይነት መርገጺ ዝሕዙ ንተግባራቶም ተሓተትቲ ክኾኑ ኣይደልዩን እዮም። ፍጹም ሓቂ እንተሎ ድማ ፍጹም ዝኾነ መለኪዒ ናይ ቅኑዕን ጌጋን ኣሎ ስለ’ዚ ድማ ንሕና ነዞም መለክዒታት ተሓተትቲ ንኸውን። ሰባት ነዚ ፍጹም ሓቂ ክነጽጉ ከለው ብርግጽ ነዚ ተሓታትነት እዮም ዝነጽጉ ዘለዉ።

ምኽሓድ ፍጹም ሓቂ/ኣድማሳዊ ሓቂን ምስኡ ዝመጽእ ባህላዊ ተዛማድነትን ድማ እቶም ስነሞጎታዊ ሳዕቤን ናይ ሓደ ክልሰ-ሓሳብ ፍልቀት ከም መግለጺ ናይ ሂወት ዝሓዘ ሕበረተሰብ እዮም። እንተድኣ ባህርያዊ ፍልቀት ሓቂ ኮይኑ፡ ብድሕሪኡ ሂወት ትርጉም የብላን ካብኡ ድማ ፍጹም ዝኾነ ሓቂ ወይ ሓሶት የሎን። ካብኡ’ውን ሰብ ከም ዝደለዮ ኮይኑ ይነብርን ንተግባራቱ ድማ ንወልሓደ ተሓታቲ ኣይኮነን። ብዘየገድስ ክሳብ ክንደይ ሓጥኣን ንህልውና ኣምላኽን ፍጹም ሓቅን ይኽሕዱ ሓደ መዓልቲ ግን ኣብ ቅድሚኡ ንፍርዲ ደው ክብሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ይእውጅ “ኣምላኽ ገሊጹሎም እዩ እሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽ እዩ፡ ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ። ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተ፡ ለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ ።” (ሮሜ 1፡19-22)።

ንህላወ ፍጹም ሓቂ ዝኾነ መርትዖ ኣሎ ዶ? እወ፡ መጀመርታ ናይ ሰብ ሕልና እዩ፡ እዚ ከኣ ምሳና ዘሎ “ዝኾነ ነገር” ኮይኑ ዓለም ፍሉጥ ዝኾነ መገዲ ከምዘለዋን ገለ ነገራት ቅኑዓት ገለ ድማ ጌጋ ሙዃኖም ይነግረና። ሕልናና ኣብ ስቓይ፡ ጥሜት፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ቃንዛን ክፍኣትን ዝኾነ ጌጋ ከምዘሎን የረድኣናን ከምኡ ከኣ ፍቕሪ፡ ልግሲ፡ ርህራሄን ሰላምን ድማ ክንቃለሰሎም ዘሎና ኣወንታዊ ነገራት ሙዃኖን የፍልጠና። እዚ ድማ ወትሩ ኣብ ኩሎም ባህልታት ኣድማሳዊ ሓቂ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንግደ ናይ ወዲ-ሰብ ሕልና ኣብ ሮሜ 2፡14-16 ይገልጽ “እቶም ሕጊ ዜብሎም ኣህዛብ፡ ሕሊናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኻላኸለ፡ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ እሞ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ፡ ንሳቶም ሕጊ እንተ ዜብሎም እኳ፡ ንርእሶም ሕጊ እዮም። በታ፡ ከም ወንጌለይ ገይሩ፡ ኣምላኽ ነቲ ምስጢራት ሰብ ብየሱስ ክርስቶስ ዚፈርደላ መዓልቲ ኸምኡ ኪኸውን እዩ።”

እቲ ካልኣይ መርትዖ ናይ ህላወ ፍጹም ሓቂ ድማ ስነ-ፍልጠት እዩ። ስነ-ፍልጠት ብቐሊሉ ንምግላጽ ከኣ፡ ምክትታል ፍልጠትን፡ መጽናዕቲ ናይ’ቲ ንፈልጦን ከምኡ’ውን ዝያዳ ንምፍላጥ ድማ ምሕታትን እዩ። ስለ’ዚ ድማ ኩሎም ስነፍልጠታዊ መጽናዕትታት ድማ ግድን ኣብ’ዚ እምነት ክስረቱ ኣለዎም፡ ንሱ ድማ ኣብ ዓለም ውሁባት ዝኾነ ክውንነታት ኣለው፡ ንሳቶም ድማ ክድህሰሱን ክረጋገጹን ኣለዎም። ብዘይ ፍጹምነት ነገራት፡ እንታይ ዝጽናዕ እሞ ክህሉ እዩ? ሓደ ሰብ ከመይ ኣቢሉ እዩ ስነፍልጠት ንዝረኸቦም ርጉጻት ሙዃኖም ክፈልጥ? ከም ሓቂ፡ እቶም ቀንዲ ሕግታት ስነፍልጠት ድማ ኣብ ህላወ ፍጹም ሓቂ እዮም ተሰሪቶም።

እቲ ሳልሳይ መርትዖ ናይ ህላወ ፍጹም ሓቂ/ኣድማሳዊ ሓቂ ከኣ ሃይማኖት እዩ። ኩሎም ሃይማኖታት ናይ ዓለም ትርጉምን መግለጽን ሂወት ክህቡ ይፍትኑ። እዚኣቶም ልዕሊ ናይ ወድ-ሰብ ናይ ምንባር ድሌት ሓደ ነገር ንምድላይ እዮም ተፈጢሮም። ሰባት ብመገዲ ሃይማኖት፡ ንኣምላኽ ይደልይዎ፡ ንመጻኢ ተስፋ ይገብሩ፡ ሕድገት ሓጥያታት፡ ሰላም ኣብ ማእከል ጸገማትን ንዓሚቕ ሕቶታትና ድማ መልስታት ይደልዩ። ብርግጽ ሃይማኖት፡ ሰብ ልዕሊ ምዕቡል ዝኾነ ዝፈለቐ ፍጥረት ሙዃኑ መርትዖ እዩ። ሃይማኖት መርትዖ ናይ ዝለዓለ ዕላማን ከምኡ’ውን ህላወ ናይ’ቲ ኣብ ልዕሊ ወዲ-ሰብ ድሌት ምፍላጥ ኣምላኽ ዝገበረ ግላዊን ዕላማ ዝመልኦ ፈጣርን እዩ። ብርግጽ ፈጣሪ እንተሎ ድማ፡ ንሱ መለክዒ ናይ ፍጹም ዝኾነ ሓቅን ይኸውንን ከምኡ’ከኣ ነቲ ሓቂ ከቕውም ድማ ስልጣኑ ይኸውን።

ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ ፈጣሪ ኣሎ ከምኡ ድማ ንሱ ብቃሉ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ጌሩ ንሓቁ ገሊጹልና እዩ። ንፍጹም ሓቂ/ኣድማሳዊ ሓቂ ንምፍላጥ ዝክኣል ድማ ብመገዲ ውልቃዊ ዝኾነ ርክብ ምስ’ቲ ሓቂ ኣነ እየ ዝበለ የሱስ ክርስቶስ እዩ። የሱስ እቲ እንኮ ሓቂ፡ እቲ እንኮ መገዲ፡ እቲ እንኮ ሂወትን ከምኡ ድማ እቲ እንኮ መእተዊ ናብ ኣምላኽ ሙዃኑ ኣፍሊጡ (ዮሃንስ 14፡6)። ፍጹም ሓቂ ኣሎ ዝብል ጭብጢ ድማ ናብ’ቲ ሓቂ የመልክተልና እዚ ከኣ፡ ሰማይን ምድርን ዝፈጥረን ከምኡ ድማ ንሱ ብግልና ክንፈልጦ ምእንቲ ብየሱስ ክርስቶስ ጌሩ ገዛእ-ርእሱ ዝገለጸ ልዑል ኣምላኽ ኣሎ። እዚ እዩ እቲ ፍጹም ሓቂ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ፍጹም ሓቂ/ኣድማሳዊ ሓቂ ዝብሃል ነገር ኣሎ ድዩ?
© Copyright Got Questions Ministries