settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ እንታይ ይብል?

መልሲ


መጽሓፍ ቅዱስ ብፍሉይ ንጉዳይ ምንጻል ጥንሲ ኣይተዛረበሉን። እንተኾነ ግን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ኣጠማምታ ኣብ ምንጻል ጥንሲ ብምልኣት ዘነጽሩ ብርክት ዝበሉ ትምህርትታት ኣለው። ኤርሚያስ 1፡5 ኣምላኽ ቅድሚ ኣብ ማህጸን ምህናጹ ንዓና ይፈልጠና ይብል። መዝሙር 139፡13-16 ድማ ናይ ኣምላኽ ንጡፍ ተራ ኣብ ምፍጣርናን ምስራሕናን ይዛረብ። ዘጽኣት 21፡22-25 ድማ ኣብ ማህጸን ዘሎ ቆልዓ ክመውት ዝገበረ ሰብ ከም’ቲ ናይ ሰብ ዝቐተለ ሓደ ዓይነት መቕጻዕቲ ማለት ሞት ይሕግግ። እዚ ብንጹር ከምዘመልክቶ ድማ ኣምላኽ ኣብ ማህጸን ንዘሎ ቆልዓ ከም እኹል ሰብ ከምዝርእዮ እዩ። ንክርስትያን፡ ምንጻል ጥንሲ ጉዳይ ምርጫ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ጉዳይ ሂወትን ሞትን ናይ’ቲ ብምስሊ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ እዩ (ኦሪት ዘፍጥረት 1፡26-27፡ 9፡6)።

እቲ ቀዳማይ ኩሉግዜ ኣንጻር ክርስትያናዊ መርገጺ ኣብ ናይ ምንጻል ጥንሲ ዝልዓል ክትዕ ድማ “ብዛዕባ ጉዳያት ጾታዊ ዓመጽን ወይ ወሲብ ምስ ቤተሰብን ከ ከመይ እዩ?” ከምቲ ካብ ጾታዊ ዓምጽን ወይ ካብ ቤተሰብን ዝመጽእ ጥንሲ ዘሰምብድ ዝኸውን፡ ከምኡ ከኣ ቅትለት ናይ ህጻን ከምኡ ድዩ እቲ መልሲ? ክልተ ጌጋታት ሓቂ ኣየምጽኡን እዮም። እዚ ውጺኢት ጾታዊ ዓመጽ/ወሲብ ናይ ቤተሰብ ዝኾነ ቆልዓ ድማ ንቆልዓ ዘይብሎም ፈቃራት ስድራ ብ ምርዓም ክውሃብ ይክኣል ወይ ድማ እቲ ቆልዓ በዲኡ/ኣ ክዓቢ ይኽእል። ደጊምና፡ እቲ ቆልዓ ጠቕላላ ናጻ እዩ ስለ’ዚ ድማ ብክፉእ ተግባራት ናይ ኣቡኡ ክቕጻዕ የብሉን።

እቲ ካልኣይ ኣንጻር ክርስትያናዊ መርገጺ ኣብ ናይ ምንጻል ጥንሲ ዝልዓል ክትዕ ድማ “ ሂወት ናይ’ታ ኣደ ኣብ ሓደጋ ምስ ዝኣቱ’ኸ እንታይ ይኹን?” ከም ሓቂ፡ ኣብ ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ እዚኣ እታ ቀንዲ ዝኸበደት ሕቶ እያ። መጀመርያ፡ እዚ ኩነታት መበገሲ ምኽንያት ናይ ትሕቲ ሓደ-ዕስሪት ናይ ሓደ ሚኢታዊት ኣብ ዓለም ሎሚ ዝግበር ዘሎ ምንጻል ጥንስታት ሙዃኑ ንዘክር። ንክጥዕመን ኢለን ጥንሲ ዝንጽላ ካብተን ንገዛእ ርእሰን ንከድሕና ዝንጽላ ደቂ ኣንስትዮ ኣዝየን ይበዝሓ። ካልኣይ፡ ኣምላኽ ድማ ኣምላኽ ታኣምራታት ሙዃኑ ንዘክር። ሽሕ’ኳ ኩሎም ሕክምናዊ ኣሉታታት ኣንጻር’ዚ ነገር’ዚ እንተኾኑ፡ ንሱ ግን ሂወት ናይ ኣደን ህጻንን ከድሕን ይኽእል እዩ። ኣብ መጨረሽታ፡ እዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ኣምላኽን እዩ ክውሰን ዝኽእል። ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት ዝሓልፉ መጻምዲ እንታይ ክገብሩ ከምዝግበኦም ጥበብ ክህቦም ናብ እግዚኣብሄር ክጽልዩ ይግባእ (ያዕቆብ 1፡5)

ልዕሊ 95 ሚኢታዊት ናይ ዝፍጸሙ ምንጻል ጥንስታት ድማ ናይ’ተን ናይ ቆልዓ ድልየት ዘይብለን ደቀንስትዮ ዘሳትፍ ጥራይ እዩ። ትሕቲ 5 ሚኢታዊት ናይ ምንጻል ጥንስታት ድማ ብምኽንያት ዓመጽ፡ ወሲብ ምስ ዘመድ ወይ ድማ ናይ ኣደ ጥዕና ኣብ ሓደጋ ምስ ዝርከብ እዩ። ዋላ’ውን ኣብ’ቲ ዝያዳ ኣጸጋሚ 5 ሚኢታዊት ናይ ኣጋጣሚታት፡ ምንጻል ጥንሲ ናይ መጀመርታ ኣማራጺ ክኸውን የብሉን። ሂወት ናይ ኣብ ማህጸን ዘሎ ሰብ ንክውለድ ክፍቀደሉ/ላ ኩሉ ዝክኣል ዘበለ ፈተነ ክግበረሉ ይግባእ።

እቶም ምንጻል ጥንሲ ዝገበሩ ድማ፡ ሓጥያት ናይ ምንጻል ጥንሲ ከም ዝኾኑ ካልኦት ሓጥያታት ዘይሕደግ ኣይኮነን። ብእምነት ናይ ክርስቶስ፡ ኩሎም ሓጥያታት ክሕደጉ ይክኣል እዩ (ዮሃንስ 3፡16፡ ሮሜ 8፡1፡ ቆሎሴ 1፡14)። ምንጻል ጥንሲ ዝገበረት ጓል ኣንስተይቲ፡ ወይ’ውን ነዚ ዝገበረ ሓኪም-- ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኩሎም ክሕደገሎም ይክኣል እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries