settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ስላሴ እንታይ ይብል?

መልሲ


ትምህርቲ ስላሴ ኣብ ክርስትያናዊ ርድኢት እቲ ዝኸበደ ኣርእስቲ ዝኸውን ስላሴ ብእኹል ክግለጸሉ ዝኽእል መንገዲ ስለ ዘየልቦ እዩ፡፡ ሰብ ዘበለ ንትምህርቲ ስላሴ ክገልጾስ ይትርፍ ንርእሲኡ ብምልኣት ክርድኦ ኣይክእልን እዩ፡፡ ኣምላኽ ካባና ኣዝዩ ይዓቢ፡ ስለዚ ኸኣ ብምልኣት ክንርድኦ ኣይከኣለናን እዩ፡፡ እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ኣምላኽ ከም ዝኾነ፡ የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ከምኡ ድማ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ከም ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና፡፡ ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዝኾነ ድማ ይምህረና፡፡ ስለ ርክብ ናይቶም ሰለስተ ኣካላት ስላሴ ገለ ነገራት ንፈልጥ ኢና ግናኸ ኣብ መወዳእታስ ኣእምሮ ሰብ ነዚ ክሕዞ ኣይክእልን፡፡ እዚ ግና ትምህርቲ ስላሴ ሓቂ ኣይኮነን ወይ ኣብ መጽሓፍ ዝተመርኮሰ ትምህርቲ ኣይኮነን ንምባል ኣይኮነን፡፡

ስላሴ ማለት ኣምላኽ ሰለስተ ኣካላት ኣለዎ ወይ ኣምላኽ ኣብ ሰለስተ ኣካላት ይኸውን ማለት እዩ፡፡ እዚ ግና ሰለስተ ኣማልኽቲ ኣለዉ ማለት ኣይኮነን፡፡ ስላሴ ዝብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የልቦን፡፡ እቲ ስላሴ ዝብል ቃል ነቲ ስሉስ ኣምላኽ፡ ሰለስተ ዘልኣለማውያን ኣካላት ኣለዉ ንምባል ዝቐረበ ቃል እዩ፡፡ እቲ ሓሳብ ወይ ትምህርቲ ስላሴ ግና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ስላሴ ዝብሎ ስዒቡ ይቐርብ፡

1) ሓደ ኣምላኽ እዩ (ዘዳግም 6፡4፤ 1ቆሮንጦስ 8፡4፤ ገላትያ 3፡20፤ 1ጢሞቴዎስ 2፡5)፡፡

2) ኣብ ስላሴ ሰለስተ ኣካላት ኣለዉ (ዘፍጥረት 1፡1፤ 3፡22፤ 11፡7፤ ኢሳይያስ 6፡8፤ 48፡16፤ 61፡1፤ ማቴዎስ 3፡16-17፤ 28፡19፤ 2ቆሮንጦስ 13፡14)፡፡ ኣብ ዘፍጥረት 1፡1፤ እቲ ኣምላኽ ዝብል ናይ እብራይስጢ ቓል ንሓደ ጥራይ ዘይኮነ ንብዙሓት ዘመልክት ቃል እዩ፡፡ ኣብ ዘፍጥረት 1፡26፤ 3፡22፤ 11፡7፤ ኢሳይያስ 6፡8 ድማ ንሕና ዘስምዕ ቃላት ኣሎ፡፡ ኣብ ቋንቋ እብራይስጢ ድማ እዚ ብግልጺ ንሓደ ዘይኮነስ ንልዕሊ ክልተ ዝገልጽ ቃል እዩ፡፡ እዚ ንትምህርቲ ስላሴ ብቕሉዕ ዘረድእ እኳ እንተዘይኮነ ኣብ ኣምላኽ ብዙሕነት ከም ዘሎ የርኢ፡፡ ናብ ትምህርቲ ስላሴ ዘእትወና እዩ፡፡

ኣብ ኢሳይያስ 48፡16ን 61፡1ን ድማ ወዲ ንኣቦን መንፈስ ቅዱስን እናመልከተ ይዛረብ፡፡ ኢሳይያስ 61፡1 ምስ ሉቃስ 4፡14-19 ምስ ዝነጻጸር ከኣ ወዲ ይዛረብ ከም ዘሎ ብሩህ እዩ፡፡ ማቴዎስ 3፡16-17 ብዛዕባ ጥምቀት የሱስ ይዛረብ፡፡ ኣብዚ ጽሑፍ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ኣብ እግዚኣብሄር ወልድ (የሱስ) ክዓልብ እንከሎ እግዚኣብሄር ኣቦ ድማ ብእግዚኣብሄር ወልድ ክሕጎስ እንከሎ ንርኢ፡፡ ማቴዎስ 28፡19ን 2ቆሮንጦስ 13፡14ን ሰለስተ ኣካላት ከም ዝኾኑ ይነግሩና፡፡

3) ኣብ ካልኦት ጽሑፋት ድማ ሰለስተ ኣካላት ስላሴ ብንጹር ተፈላልዮም ተገሊጾም ኣለዉ፡፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ኣምላኽን እግዚኣብሄርን ተባሂሉ ተፈላልዩ ኣሎ (ዘፍጥረት 19፡24፤ ሆሴእ 1፡4)፡፡ እግዚኣብሄር ወዲ ኣለዎ (መዝሙር 2፡7፤ ምሳሌ 30፡2-4)፡፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ እግዚኣብሄር ተፈልዩ (ዘሁልቁ 27፡18) ካብ ኣምላኽ ድማ ተፈልዩ (መዝሙር 51፡10-12) ክጽዋዕ ንረኽቦ፡፡ እግዚኣብሄር ወልድ ድማ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ተፈልዩ ይጥቀስ (መዝሙር 45፡16-17)፡፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከኣ የሱስ ደጋፊ (መንፈስ ቅዱስ) ንኽስደደሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣቦ ክጽሊ እንከሎ (ዮሃንስ 14፡16-17) ንርኢ፡፡ እዚ ድማ የሱስ ንርእሱ ከም ኣቦ ወይ ከም መንፈስ ቅዱስ ከም ዘይቆጸረ የርእየና፡፡ የሱስ ምስ ኣቦ ክዛረብ እንከሎ ዝነግሩና ካልኦት ጽሑፋት ድማ ነስተብህለሎም፡፡ የሱስ ምስ ርእሱ ድዩ ዝዛረብ ዘሎ፤ ኣይፋልን፡ ምስ ካልእ ኣካል ስላሴ ማለት ምስ እግዚኣብሄር ኣቦ እዩ ዝዛረብ ዘሎ፡፡

4) ሰለስቶኦም ኣካላት ስላሴ ኣምላኽ እዮም፡፡ እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ኣምላኽ እዩ (ዮሃንስ 6፡27፤ ሮሜ 1፡7፤ 1ጴጥሮስ 1፡2)፡፡ እግዚኣብሄር ወልድ (የሱስ ክርስቶስ)፡ ኣምላኽ እዩ (ዮሃንስ 1፡1.14፤ ሮሜ 9፡5፤ ቆሎሴ 2፡9፤ እብራውያን 1፡8፤ 1ዮሃንስ 5፡20)፡፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ፡ ኣምላኽ እዩ (ግብሪ ሃዋርያት 5፡3-4፤ 1ቆሮንጦስ 3፡16)፡፡

5) ኣብ ስላሴ ደርቢ ወይ ድማ ልዕልን ትሕትን ኣሎ፡፡ መንፈስ ቅዱስ ንኣቦን ንወድን ይትሕት፡ ወዲ ድማ ንኣቦ ይትሕት፡፡ እዚ ዘልኣለማዊ መለኮታዊ ርክብ ኮይኑ ንኣምላኽነት እቶም ኣካላት ዘንእስ ኣይኮነን፡፡ ኣብዚ ኸኣ እቲ ድሩት ኣእምሮና ነቲ ደረት ኣልቦ ኣምላኽ ይስሕቶ ወይ ኣይሕዞን፡፡ ንወዲ ብዝምልከት ኣብ ሉቃስ 22፡42፤ ዮሃንስ 5፡36፤ ዮሃንስ 20፡21፤ 1ዮሃንስ 4፡14 ተመልከት፡፡ ንመንፈስ ቅዱስ ብዝምልከት ከኣ ኣብ ዮሃንስ 14፡16፤ 14፡26፤ 15፡26 ብፍላይ ከኣ ኣብ ዮሃንስ 16፡13-14 ረአ፡፡

6) ኩሎም ኣካላት ስላሴ ዐዕዮኦም ኣለዎም፡፡ ኣቦ ምንጪ ኹሉ ኣድማስ (1ቆሮንጦስ 8፡6፤ ራእይ 4፡11)፡ ምንጪ መለኮታዊ ምግላጽ (ራእይ 1፡1)፡ ምንጪ ድሕነት (ዮሃንስ 3፡16-17)፡ ምንጪ ናይቲ የሱስ ሰብ ኮይኑ ዝፈጸሞ ኹሉ (ዮሃንስ 5፡17፤ 14፡10) እዩ፡፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ነዚ ኹሉ ክውን ይገብሮ፡፡

እግዚብሄር ወልድ ድማ ነቲ እግዚኣብሄር ኣቦ ክፍጸም ዝደልዮ ኩሉ ዝፍጽም ልኡኽ እዩ፡ ንሳቶም ከኣ፡ ምፍጣርን ምጽናዕ ኣድማስ (1ቆሮንጦስ 8፡6፤ ቆሎሴ 1፡16-17)፤ ምፍጻም መለኮታዊ ምግላጽ (ዮሃንስ 1፡1፤ 16፡12፡16፤ ማቴዎስ 11፡27፤ ራእይ 1፡1)፡ ምፍጻም ድሕነት (2ቆሮንጦስ 5፡19፤ ማቴዎስ 1፡21፤ ዮሃንስ 4፡42)፡፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ነዚ ኹሉ ብልኡኹ ብእግኣብሄር ወልድ ይፍጽሞ፡፡

መንፈስ ቅዱስ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ነዞም ዝስዕቡ ዝፍጽመሉ ልኡኽ እዩ፡ ምፍጣርን ምጽናዕን ኣድማስ (ዘፍጥረት 1፡2፤ እዮብ 26፡13፤ መዝሙር 104፡ 30)፤ ምፍጻም መለኮታዊ ምግላጽ (ዮሃንስ 16፡12-15፤ ኤፌሶን 3፡5፤ 2ጴጥሮስ 1፡21)፤ ምፍጻም ድሕነት (ዮሃንስ 3፡6፤ ቲቶስ 3፡5፤ 1ጴጥሮስ 1፡2)፡ ምፍጻም ዕዮ ክርስቶስ (ኢሳይያስ 61፡1፤ ግብሪ ሃዋርያት 10፡38)፡፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣቦ ነዚ ኹሉ ነገራት ብእግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ይፍጽሞ፡፡

ንስላሴ ብዝቐለለ መንገዲ ንምቕራብ ኮነ ብምሳሌ ንምርኣይ ብዙሕ ይፍተን እዩ፡፡ ግናኸ ኩሉ እቲ ምሳሌታትን መርኣያታትን ንስላሴ ብምልኣት ከርኢ ኣይከኣለን፡፡ ንኣብነት ንስላሴ ብምስሊ እንቋቑሖ (ወይ ፍረ ቱፋሕ) ይቐርብ፡፡ ይኹን እምበር እቲ ብጫ፡ ጻዕዳ ፈሳስን ጻዕዳ ሽፋንን ናይቲ እንቋቑሖ ክፋላት እንቋቑሖ እምበር ንባዕሎም እንቋቑሖ ኣይኮኑን፡፡ ኣብቲ ፍረ ቱፋሕ ድማ ከምኡ፡፡ እግዚኣብሄር ኣቦ፡ እግዚኣብሄር ወልድ፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ኩሎም ኣምላኽ እምበር ኣካላት ኣምላኽ ኣይኮኑን፡፡ ብማይ ዝቐርብ ምስላ ይሓይሽ፡፡ ማይ ብፈሳሲ፡ ብሃፋ ብበረድ ይቀያየር እምበር ማይ እዩ፡፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ኣቦ፡ እግዚኣብሄር ወልድ፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ፡ ዓይነታት ወይ ቅርጽታት ኣምላኽ ዘይኮኑ ኣምላኽ እዮም፡፡ ስለዚ፡ እዚ ምሳሌታት ንስላሴ ከቕርብ ዝኽእል ይኹን እምበር እቲ ምሳሌታት ብምልኣት ቅኑዕ ኣይኮነን፡፡ እቲ ደረት ኣልቦ ኣምላኽ ብድሩት ምስሊ ኣይውከልን እዩ፡፡

ትምህርቲ ስላሴ ኣብ ታሪኽ ማሕበር ኣምላኽ ብዙሕ ክትዕን ፍልልይን ፈጢሩ እዩ፡፡ እቶም ሕመረታውያን ነገራት ስላሴ ኣብ ቃል ኣምላኽ ቀሪቦም ክነሶም ገለ ካብቶም ጎድናውያን ነገራት ግና ብግልጺ ኣይተጻሕፉን፡፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ኣምላኽ እዩ፡ እግዚኣብሄር ወልድ ኣምላኽ እዩ፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ እዩ፡ ሓደ ኣምላኽ እዩ፡፡ እዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ስላሴ እዩ፡፡ ካብኡ ንላዕሊ ግና እቲ ነገር ኣካታዕን ዘየገድስን እዩ፡፡ ብድሩት ኣእምሮና ንስላሴ ብምልኣት ንምግላጹ ካብ ምህቃን ኣብ ዕብየቱን ካልእ ባህርያቱን ምትኳር ይበልጽ፡፡ ሓሳብ እግዚኣብሄር ዝፈልጥ መን እዩ፤ ወይስ መን እዩ ዘማኽሮ፤ መንከ እዩ ቐደም ገለ ዝሃቦ እሞ ዝፍደዮ፡፡ (ሮሜ 11፡33-34)፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ስላሴ እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries