settings icon
share icon
ሕቶ

እተን ዓሰርተ ትእዛዛት እንታይ እየን?

መልሲ


እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ዝብሃላ እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዋ ኣምላኽ ንሃገረ እስራኤል ድሕሪ ሓጺር ግዜ ካብ ግብጺ ምውጽኦም ዝሃቦም ዓሰርተ ሕግታት እየን። እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ድማ ጹማቕ ናይተ’ን ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘለዋ 613 ትእዛዛት እየን። እተን ናይ መጀመርታ ኣርባዕተ ትእዛዛት ናህና ርክብ ምስ ኣምላኽ እየን ዝዛረባ። እተን ናይ መወዳእታ ሹድሽተ ትእዛዛት ድማ ኣብ ንሓድሕድና ዘለና ርክብ እየን ዝዛረባ። እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘጽኣት 20፡ 1-7 ከምኡ ድማ ኣብ ዘዳግም 5፡6-21 እየን ተጻሒፈን ዘለዋ ከም’ዚ ዝስዕብ ድማ ይብላ፡

1) “ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።” እዚ ትእዛዝ ብዘይካ ንሓደ ሓቀኛ ኣምላኽ ምምላኽ ንዝኾነ ካልእ ጣኦት ምምላኽ ይጻረር። ኩሎም ካልኦት ኣማልኽቲ ድማ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ እዮም።

2) “ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ።” እዚ ትእዛዝ ናይ ኣንጻር ጣኦት ምግባር እዩ፡ እዚ ድማ ርኡይ መግለጺ ናይ ኣምላኽ እዩ። ንሕና ክንሰርሖ ንኽእል ንኣምላኽ ብልክዕ ክገልጽ ዝኽእል ምስሊ የሎን። ንኣምላኽ ዝገልጽ ወይ ዝውክል ጣኦት ምግባር ድማ ንጣኦት ምምላኽ እዩ።

3) “እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል።” እዚ ትእዛዝ ኣንጻር ስም እግዚኣብሄር ብኸንቱ ምልዓል እዩ። ንሕና ናይ ኣምላኽ ስም ኣቕሊልና ክንርእዮ የብልናን። ብኣኽብሮትን ብክብሪ ዘለዎ መገድን ንኣምላኽ ብምጽዋዕ ፍርሃትና ንኣምላኽ ከነርኢ ኣሎና።

4) “መዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክር። ሹድሽተ መዓልቲ ዕየ፡ ተግባርካ ዅሉ ግበር። እታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየ። እግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳን።” እዚ ትእዛዝ ን ሰንበት ንእግዚኣብሄር ዝተፈልየት ፍልይቲ መዓልቲ ክንገብራ ይእዝዝ (ቀዳም፡ ድማ መወዳእታ መዓልቲ ናይ ሰሙን እያ)።

5) “ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።” እዚ ትእዛዝ ወትሩ ንወለዲ ከነኽብር ይእዝዘና።

6) “ኣይትቕተል።” እዚ ትእዛዝ ድማ ኣንጻር ኮነ ኢልካ ሓሲብካ ንሰብ ምቕታል እዩ።

7) “ኣይትዘሙ” እዚ ትእዛዝ ድማ ብዘይካ ምስ ሰበይትኻ ምስ ካልእ ጾታዊ ርክብ ምግባር ይኽልክል።

8) “ኣይትስረቕ።” እዚ ትእዛዝ ድማ ናትካ ዘይኮነ ዝኾነ ነገር ብዘይ ፍቓድ ዋንኡ ምውሳድ ይጻረር።

9) “ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር።” እዚ ትእዛዝ ድማ ኣንጻር ካልእ ሰብ ብሓሶት ምምስካር ይኽልክል። እዚ ትእዛዝ ብቐንዱ ኣንጻር ምሕሳው እዩ።

10) “ቤት ብጻይካ ኣይትተምነ። ሰበይቲ ብጻይካ ግዙኡ፡ ግዝእቱ፡ ብዕራዩ፡ ኣድጉ፡ ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነ።” እዚ ትእዛዝ ከኣ ናትካ ዘይኮነ ዝኾነ ነገር ምድላይ ይኽልክል። ምምናይ ናብ ምፍራስ ሓደ ካብ’ዞም ኣብ ላዕሊ ዘለው ዓሰርተ ትእዛዛት ከም ምቕታል፡ ዝሙትን ስርቅን ክመርሕ ይኽእል እዩ። ሓደ ነገር ምግባር ጌጋ እንተኾይኑ፡ ንዑኡ ንምግባር ምድላይ ድማ ጌጋ እዩ።

ብዙሓት ሰባት ዓሰርተ ትእዛዛት ከም እኩብ ሕግታት ኮይኖም እንተድኣ ሲዒብካዮም ድሕሪ ሞት ናብ መንግስተ ሰማይ ንምእታው ውሕስነት ይህቡኻ ኢሎም ብጌጋ ይርእይዎ። ብመንጽር’ዚ፡ ዕላማ ናይ ዓሰርተ ትእዛዛት ንሰባት ብፍጽምና ነዞም ሕግታት ክእዘዝዎም ከምዘይክእሉ ንክርድእዎ ንምግዳዶምን እዩ (ሮሜ 7፡7-11)፡ ስለዚ ድማ ናይ ኣምላኽ ምሕረትን ጸጋን ይደልዩ። ሽሕ እኳ ኣብ ማቴዎስ 19፡ 16 እቲ ሃብታም መንእሰይ ፈጺመዮ እንተበለ ወልሓደ ሰብ ንዓሰርተ ትእዛዛት ብፍጽምና ክእዘዞም ኣይክእልን (መክብብ 7፡20)። እቶም ዓሰርተ ትእዛዛት ኩልና ከምዝሓጣእና ይገልጹ (ሮሜ 3፡23) ስለ’ዚ ድማ እቲ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ናይ ኣምላኽ ምሕረትን ጸጋን ይደልዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እተን ዓሰርተ ትእዛዛት እንታይ እየን?
© Copyright Got Questions Ministries