settings icon
share icon
ሕቶ

ብከመይ እየ መንፈስ ቅዱስ ዝምላእ?

መልሲ


ብመንፈስ ቅዱስ ምምላእ ተረድእ ኣገዳሲት ጥቕሲ ኣብ ዮሃንስ 14፡16 ትርከብ ፡ እቲ መንፈስ ኣብ ኣመንቲ ከምዝሓድርን ፡ እቲ ምሕዳር ድማ ንሓዋሩ ከምዝኸውን እዩ የሱስ ዘተስፉ። እቲ ምሕዳርን እቲ ምምላእን ፍልልይ ከምዘለዎም ምልላይ ኣገዳሲ እዩ፡፡ እቲ መንፈስ ንሓዋሩ ክሓድር ንውሑዳት ዝተመርጹ ኣመንቲ ኣይኰነን ፡ ንኲሎም ኣመንቲ ደኣ እዩ ፡፡ ነዚ መደምደምታ ዝድግፉ ኣብ ጽሑፍ ብዙሓት መወከሲታት ኣለዉ ፡፡ ቀዳማይ ነገር ፡ መንፈስ ቅዱስ ንኲሎም እቶም ብየሱስ ዝኣመኑ ብዘይ ኣፈላላይ ዝወሃብ ህያብ እዩ ፡ ነዚ ድማ ብዘይካ እቲ እምነት ኣብ ክርስቶስ ካልእ ወላሓንቲ ኲነት የብሉን (ዮሃንስ 7፡37-39) ። ካልኣይ ነገር ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ናይ ምድሓን ህሞት እዩ ዝወሃብ (ኤፌሶን 1፡13)። ገላትያ 3፡2 ነዚ ሓቂ የስምረሉ እዩ ፡ ኣብ እዋን ምእማን እዩ እቲ መንፈስ ዝሓትምን ዝሓድርን። ሳልሳይ ነገር ፡ እቲ መንፈስ ንሓዋሩ እዩ ኣብ ኣመንቲ ዝሓድር። መንፈስ ቅዱስ ንኣመንቲ ከም ዕርቡን እዩ ተዋሂቡ ፡ ወይ ከኣ ናይቲ ዝመጽእ ብክርስቶስ ዝረኽብዎ ክብሪ መረጋገጺ እዩ (2 ቆሮንቶስ 1፡ 22 ፥ ኤፌሶን 4፡30)።

እዚ ምስቲ ኣብ ኤፌሶን 5፡18 ዘሎ ብመንፈስ ምምላእ ክነጻጸር ከሎ እዩ ። መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ዝቆጻጸረናን ዝመልኣናን ርእስና ምሉእ ንምሉእ ክንውፊ ይግብኣና እዩ። ከምቲ ኣብ ሮሜ 8፡9 ን ኤፌሶን 1፡13-14 ን ተገሊጹ ዘሎ ፡ ኣብ ነፍስወከፍ ኣማኒ እዩ ዝሓድር ፡ ክጉሂ ግና ይኽእል እዩ (ኤፌሶን 4፡30) ፡ ኣባና ዘሎ ዕዮ ክቕህም ይኽእል እዩ (1ተሰሎንቄ 5፡19)። እዚ ክኸውን እንተፍቂድና ፡ ምልኣት ሓይሊ መንፈስ ኣብ ህይወትና ኣይዓይይን እዩ። ብመንፈስ ምምላእ ፡ ንሱ ኣብ ኲሉ ህይወትና ኣትዩ ክመርሓናን ክቆጻጸረናን ከነፍቅደሉ ይእምት። ሽዑ ሓይሉ ኣባና ይዓዪ እሞ ፡ እቲ ንገብሮ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍረ ዘለዎ ክዀነልና ምእንቲ፡ ብመንፈስ ምምላእ ኣብ ደጋዊ ግብርና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ውሽጣዊ ሓሳባትን ህቃነታትናን ናይ ተግባርና ይዓዪ እዩ። መዝሙር 19፡14 ከምዚ ይብል ፡ " ዎ እግዚኣብሄር፣ ከውሔይን መድሓንየይን፣ ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን ።"

ሓጢኣት እዩ ምምላእ ናይ መንፈስ ቅዱስ ዝዓግት፡ ንኣምላኽ ብምእዛዝ ድማ እዩ ምምላእ ናይ መንፈስ ዝሕሎ። ብመንፈስ ክንምላእ ከምዘሎና ኤፌሶን 5፡18 ይእዝዘና እዩ ፡ ኰይኑ ግዳ ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ክንምላእ ስለዝጸለና ኣይኰንናን ንምላእ። ንኣምላኽ ብምእዛዝና ጥራይ ኢና ነቲ መንፈስ ኣባና ናጻ ኰይኑ ክዓዪ ዝገብሮ። ገና ብሓጢኣት ተበኪልና ስለዘሎና ፡ ኩሉሳዕ ብመንፈስ ምምላእሲ ዘይከኣል እዩ። ክንሓጥእ ከሎና ፡ ብቕጽበት ናብ ኣምላኽ ክንናዘዝ እዩ ዘሎና ፡ ብመንፈስ ክንምላእን ክንምራሕን ከኣ ነቲ ተወፋይነትና ንሓድሶ ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ብከመይ እየ መንፈስ ቅዱስ ዝምላእ?
© Copyright Got Questions Ministries