settings icon
share icon
ሕቶ

እንታይ እዩ ናይ መንፈስ-ቅዱስ ጥምቀት?

መልሲ


ናይ መንፈስ-ቅዱስ ጥምቀት ክብሃል ከሎ ፡ ሓደ ኣማኒ ኣብ ህሞት ምድሓኑ ፡ መንፈስ-ቅዱስ ኣብ ክርስቶስን ኣብ ኣካል ክርስቶስ ዝኾኑ ካልኦት ኣመንትን ከሕብሮ ከሎ እዩ ፡፡ ናይ መንፈስ-ቅዱስ ጥምቀት ብዮሃንስ መጥምቕን (ማርቆስ 1፡8)፡ ብየሱስ ቅድሚ ዕርገቱን ተተንብዩ ኔሩ፡ “ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፡ ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም” (ግብሪ ሃዋርያት 1፡5) እዚ ተስፋ እዚ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ እዩ ተፈጺሙ (ግብሪ ሃዋርያት 2፡1-4)፡ ንመጀመርታ ግዜ ከኣ ሰባት ንኩሉ ግዜ ማሕደር መንፈስ-ቅዱስ ኰኑ፡ ሽዑ እያ ቤተ-ክርስትያን ንፈለማ ዝጀመረት ፡፡

ንጥምቀት መንፈስ-ቅዱስ ኣብ ዝምልከት ፡ እቲ ቀንዲ ክፋል ናይ መጽሓፍ-ቅዱስ፡ ቀዳማይ ቆሮንጦስ 12፡12-13 እዩ። ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያን፡ ባሮት ወይስ ጭዋታት እንተዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና (1 ቆሮንቶስ 12፡13)። ኲላትና ብመንፈስ ከምዝተጠመቕና ኣስተብህል። ኲሎም ኣመንቲ ብመንፈስ ቅዱስ ተጠሚቖም እዮም፡ እዚ ከኣ ካብ ምድሓን ተፈልዩ ዘይርአን፡ ንውሑዳት ሰባት ጥራይ ዝኸውን ፍሉይ ተሞኲሮ ኣይኰነን። ሮሜ 6፡1-4 ንመንፈስ ኣምላኽ ፈልዩ ኣይጠቕሶን እዩ ፡ ከም ናይ 1 ቆሮንቶስ ኣበሃህላ ጌሩ ኣማኒ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንዘለዎ መዝነት ግና ይዛረበሉ እዩ። “እምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና? ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ? ያእ ኣይፋልናን። ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና ፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ ኽንነብር? ወይስ ብክርስቶስ የሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና ።”

እዞም ዝስዕቡ ጭብጥታት ኣብ ናይ መንፈስ-ቅዱስ ጥምቀት ዘሎና መረዳእታ ከጽንዑልና ኣገደስቲ እዮም። ቀዳማይ፡ ኲላቶም ተጠሚቖም እዮም እዩ ዝብለና 1 ቆሮንቶስ12፡13፡ ከምቲ ኲላቶም ዝሰትይዎ መንፈስ ዝተዋህቦም (ማሕደር መንፈስ) ፡፡ ካልኣይ ፡ ኣመንቲ ብመንፈስ ክጥመቑ ወይ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጥምቀት ክደልዩ ኣብቲ ቅዱስ ጽሑፍ ኣይተነግሩን። እዚ ከኣ፡ ኩሎም ኣመንቲ ነዚ ተመኲሮሞ ምዃኖም እዩ ዘርኢ። ሳልሳይ፡ ኤፌሶን4፡5 ናይ መንፈስ ቅዱስ ጥምቀት ዘመልክት ይመስል። ከምዚ እንተኾይኑ፡ ናይ መንፈስ ጥምቀት ክውንነት ናይ ነፍስወከፍ ኣማኒ እዩ፡ ከምቲ ሓደ እምነትን ሓደ ኣቦን ዘሎ ፡፡

ኣብ መደምደምታ ፡ ናይ መንፈስ-ቅዱስ ጥምቀት ክልተ ነገራት እዩ ዝፍጽም ፡1) ናብ ኣካል ክርስቶስ የሕብረና፡ 2) ምስ ክርስቶስ ሓቢርና ዝተሰቐልናዮ ክዉን ይገብሮ። ኣብቲ ኣካሉ ምህላው ማለት፡ ናብ ሓድሽ ህይወት ምስኡ ተንሲእና ኢና(ሮሜ 6፡4)። ብመንጽር 1 ቆሮንቶስ 12፡13 እቲ ኣካሉ ከምቲ ዝግባእ ክዓዪ ምእንቲ ፡ መንፈሳዊ ውህበታትና ክንለማመዶ ይግብኣና እዩ ፡፡ ብመንጽር ኤፌሶን 4፡5 ብሓደ መንፈስ ምጥማቕ ፡ ንሓድነት ቤተክርስትያን ኣብ ምዕቃብ ሰረት ኮይኑ የገልግል እዩ። ብመንፈስ ጥምቀት ኣቢልና ንክርስቶስ ኣብ ሞቱን ቀብሩን ትንሳኤኡን ሓቢርናዮስ ፡ ካብቲ ሕዱር ሓይሊ ሓጢኣት ተፈላሊና ፡ ኣብ ሓድሽ ህይወት ክንመላለስ መሰረት የንጽፈልና እዩ (ሮሜ 6፡1-10፡ ቆሎሴ 2፡12)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እንታይ እዩ ናይ መንፈስ-ቅዱስ ጥምቀት?
© Copyright Got Questions Ministries