settings icon
share icon
ሕቶ

ኣየነይቲ መዓልቲ እያ እታ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ፡ ቀዳም ዶ ሰንበት ? ክርስትያናት ነታ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ክሕልውዋ ኣለዎም'ዶ?

መልሲ


ብምኽንያት እቲ ኣብ ዘጸኣት 20፡11 ዘሎ ናይ ዕረፍቲ መዓልትን ናይ ፍጥረት ምትእስሳርን፡ "ኣምላኽ ኣብ ኤደን እዩ ነታ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ሰሪዕዋ " ክብሃል ሓሓሊፉ ይስማዕ እዩ። ኣምላኽ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ እንተዓረፈ እኳ (ዘፍጥረት 2፡3) ፡ ናይታ ትመጽእ ዕረፍቲ ሰንበት ጽላሎት ነበረ። ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ቅድሚ ምኻዶም ፡ ብዛዕባ ዕረፍቲ መዓልቲ ዝምልከት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጸብጻብ የልቦን። ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ ሙሴ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ይሕሎ ከምዝነበረ ኣብቲ ቅዱስ ጽሑፍ ከቶ ኣይሰፈረን።

ቃል ኣምላኽ ኣጸቢቚ ዘነጽሮ ፡ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ምሕላው ኣብ ሞንጎ ኣምላኽን እስራኤልን ዝነበረ ፍሉይ ምልክት ምንባሩ እዩ ፡ "ንውሉድ ወለድኦም ንናይ ዘለኣለም ኪዳን ንሰንበት ኬብዕልዋ፡ ደቂ እስራኤል ንሰንበት ይሐልውዋ። እግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ገበረ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዐሪፉ ኣተንፊሱ እዩ እሞ፡ ንሳ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ናይ ዘለኣለም መፈለጥታ እያ።"(ዘጸኣት 31፡16-17)

ኣብ ዘዳግም 5 ፡ ሙሴ እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ነቶም ካልኣይ ወለዶ እስራኤል ዳግማይ ገሊጽሎም እዩ። ኣብ ጥቕሲ 12፡ 14፡ ምሕላው መዓልቲ ዕረፍቲ ድሕሪ ምእዛዙ ፡ ሙሴ እታ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ንሃገረ እስራኤል ዝተዋህበትሉ ምኽንያት ይህብ ፡ "ንስኻ ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸኣ ብጽንዕቲ ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ካብኣ ኸም ዘውጽኣካ ዘክር፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፡ መዓልቲ ሰንበት ክትሕሉ ፡ ኣዘዘካ" (ዘዳግም 5፡15)፡፡

ኣምላኽ ንደቂ እስራኤል ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ምሃቡ ፡ ንፍጥረት ክዝክሩሉ ኢሉ ኣይኰነን ፡ እንታይ ደኣ ናይ ግብጺ ባርነቶምን ናይ ጎይታ ምንጋፍን ምእንቲ ክዝክሩ እዩ ፡፡ ምሕላው መዓልቲ ዕረፍቲ ዝሓቶ ነገራት ነስተብህለሉ ፡ ብ ሕጊ ናይ መዓልቲ ዕረፍቲ ፡ በታ መዓልቲ ዕረፍቲ ካብ ገዝኡ ወጺኡ ክጓዓዝ ኣይፍቀዶን እዩ (ዘጸኣት 16፡29) ፡ ሓዊ ክኣጒድ ኣይክእልን እዩ (ዘጸኣት 35፡3) ፡ ንዝዀነ ሰብ ከስርሕ ኣይክእልን እዩ (ዘዳግም 5፡14)። ሓደ ሰብ ነታ መዓልቲ ዕረፍቲ እንተፍረሳ ብሞት እዩ ዝቕጻዕ

(ዘጸኣት 31፡15 ፥ ዘሁልቊ 15፡32-35)።

መጽናዕቲ ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን ኣርባዕተ ኣገደስቲ ነጥብታት የርእየና ፡ (1) ክርስቶስ ብክብሪ ትንሳኤ ኣብ ዝተራእየሉ ዘበለ ትጥቀስ መዓልቲ ፡ ኲሉ ሳዕ እታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን እያ (ማቴዎስ 28፡1,9 ,10 ፥ ማርቆስ 16፡9 ፥ ሉቃስ 24፡1,13,15 ፥ ዮሃንስ 29፡19, 26)። (2) ካብ ግብሪ ሃዋርያት ኣትሒዝካ ክሳዕ ራእይ ዮሃንስ ፡ እታ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ዝተጠቐሰትሉ እዋናት ፡ እቲ ኣጋጣሚ እውን ስብከት ንኣይሁድ እዩ ኔሩ ፡ እቲ ቦታ ከኣ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ (ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 13---18)። ጳውሎስ፡ ነቶም ኣይሁድ ምእንቲ ክረብሕ ፡ ንኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ኰንኩ (1 ቆሮንቶስ 9፡20) ኢሉ ጽሒፉ። ጳውሎስ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ዝኸደ ንቅዱሳን ከገልግልን ክሃንጽን ኣይኰነን ፡ ነቶም ዝጠፍኡ ክረትዕን ከድሕንን ደኣ እዩ። (3) ጳውሎስ መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ ፡ ድሕሪ ሕጂ ናብ ኣህዛብ ክንከይድ ኢና (ግብሪ ሃዋርያት 18፡6) ፡ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ፍጹም ኣይተረቚሐትን ። ድማ (4) ናብ መዓልቲ ዕረፍቲ ክንዲ ንምለስ፡ እቲ ዝተረፈ ሓድሽ ኪዳን በንጻሩ እዩ ዝእምት ( እንተላይ ንነጥቢ 3 ገዲፍካ ፡ ኣብ ላዕሊ ፡ ኣብ ቆሎሴ 2፡16 ዝርከብ )።

ኣብ ነጥቢ 4 ዝያዳ እንተጠሚትና ፡ ናይ ሓድሽ ኪዳን ኣማኒ ነታ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ክሕልዋ ኣይግደደን እዩ ፡ ሰንበት "መዓልቲ ዕረፍቲ ክርስትያናት" እውን ዘይጽሑፋዊ እዩ ፡፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ፡ እታ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ዝተጠቐሰትሉ ህሞት ፡ ኣብቲ ጳውሎስ ናብ ኣህዛብ ኣቢሉ ከድህብ ዝጀመረሉ ግዜ እዩ ፡፡ ደጊም ብብልዕን መስተን፡ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡ ወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረደልኩም። እዚ ነቲ ዚመጽእ ጽላሎት እዩ፡ እቲ ስጋ ግና ክርስቶስ እዩ (ቆሎሴ 2፡16-17)። ናይ ኣይሁድ ሰንበት ኣብ መስቀል እዩ ደው ኢሉ፡ እዚ ድማ ክርስቶስ "ብኢድ ዝተጻሕፈት ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ካብ ማእከል ኣርሓቖ" (ቆሎሴ 2፡14) ፡፡

እቲ ሓሳብ ልዕሊ ሓደ ግዜ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ተደጊሙ ኣሎ፡ " እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያ፡ እቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን።እቲ ነታ መዓልቲ ዚጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፡ ንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ" (ሮሜ 14፡5-6)። " ሕጂ ደኣ፡ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳውን ንሱ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ኢልኩም ናብቲ ሕማቕን ድኻን ምህሮ ቝልዕነት ከም ብሓድሽ ትምለሱ አሎኹም፡ ከም ብሓድሽውን ካብ መጀመርታ ሒዝኩም ባሮቱ ኽትኰኑ ትደልዩ ኣሎኹም? መዓልትታትን ኣዋርሕን ጊዜታትን ዓመታትን ትሕልዉ አሎኹም "(ገላትያ 4፡9-10) ፡፡

ገለ ሰባት ግና እታ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ካብ ቀዳም ናብ ሰንበት ኣብ 321 ዓም ኮንስታንቲን "ከምዝለወጣ" ይብሉ። ኣበየነይቲ መዓልቲ እዮም እቶም ቀዳሞት ኣመንቲ ንኣምልኾ ዝእከቡ ኔሮም ? በታ ቀዳም መዓልቲ እታ ናይ ኣይሁድ ሰንበት ፡ እቶም ኣመንቲ ንኣኼባታት ሕብረት ወይ ንኣምልኾ ይእከቡ ከምዝነበሩ ዝነግር፡ ኣብ ጽሑፍ ከቶ ኣይተጠቕሰን፡፡ እኳ ደኣ ነታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዝጠቅስ ክፍሊ ጽሑፋት ብንጹር ኣሎ ፡፡ ንኣብነት ፡ ግብሪ ሃዋርያት 20፡7 ከምዝገለጾ ፡ " ብቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ እንጌራ ኽንቈርስ ተኣኪብና ከሎና " ይብል ፡፡ ኣብ 1ቆሮንቶስ 16፡12 ፡ ጳውሎስ ንኣመንቲ ቆሮንቶስ ከፋጥኖም ከሎ ፡ "… ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ ምስኡ የቐምጥ።"ጳውሎስ ነዚ ምውጻእ ገንዘብ ኣብ 2 ቆሮንቶስ 9፡12 ከም "ኣገልግሎት"ይምድቦ ፡ እዚ ዝዋጻእ ምስቲ ናይ ሰንበት ኣምልኾ ጉባኤ ክርስትያናት ዝተተሓሓዘ እዩ። ብታሪኽ ፡ ሰንበት እምበር ቀዳም ኣይኰነን ኔሩ ምእካብ ጉባኤ ክርስትያን፡ እዚ ካብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘመን ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ ፡፡

መዓልቲ ዕረፍቲ ንእስራኤል እያ ተዋሂባ ፡ ንቤተ-ክርስትያን ኣይኮነትን። ክሳብ ሕጂ እውን ኣብ ቀዳም እያ ትውዕል ፡ ኣብ ሰንበት ኣይኰነትን ፡ብፍጹም ኣይተቐየረትን ። እዛ መዓልቲ ዕረፍቲ ክፋል ሕጊ ብሉይ ኪዳን እያ ፡ ክርስትያናት ከኣ ካብዚ ኣርዑት ሕጊ ሓራ እዮም(ገላትያ 4፡1-26፡ሮሜ 6፡14)። ቀዳም ትኹን ሰንበት ብዘየገድስ፡ ምሕላው መዓልቲ ዕረፍቲ ካብ ሓደ ክርስትያን ኣይጥለብን። እታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ፡ ሰንበት ፡ እታ መዓልቲ ጎይታ (ራእይ 1፡10) ነቲ ክርስቶስ ከም ራእሲ ትንሳኤ ዝዀነልና ሓድሽ ፍጥረት እያ ተብዕል። ነቲ ናይ ሙሴ ሕጊ ሰንበት ኣይኰናን ክንስዕብ፡ነቲ ህያው ክርስቶስ ከነገልግል ሓራ ኴንና ኢና። ጳውሎስ ብዛዕባ ሰንበት ምኽባር ነፍስወከፍ ክርስትያን ንብሕቱ ዝውስኖ ጉዳይ ምዃኑ ይዛረብ ፡፡ "እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያ፡ እቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን" (ሮሜ 14፡5)። ንኣምላኽ ኣብ ቀዳም ወይ ኣብ ሰንበት ጥራይ ዘይኰነስ ነንመዓልቲ ኢና ከነምልኾ ዘሎና።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኣየነይቲ መዓልቲ እያ እታ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ፡ ቀዳም ዶ ሰንበት ? ክርስትያናት ነታ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ክሕልውዋ ኣለዎም'ዶ?
© Copyright Got Questions Ministries