settings icon
share icon
ሕቶ

መንገዲ ድሕነት ሮሜ እንታይ እዩ?

መልሲ


መንገዲ ድሕነት ሮሜ ማለት ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ዝተወስደ ንብስራት ወንጌል ዝኸውን ኣገላልጻ እዩ፡፡ ምድሓን ስለምንታይ የድልየና፡ ኣምላኽ ከመይ ምድሓን ከም ዝቐረበ፡ ድሕነት ብኸመይ ከም እንረክብን ውጽኢት ድሕነት እንታይ ምዃኑን ንምርዳእ ዝኸውን ሓያል ኣገላልጻ፡፡

ቀዳመይቲ ጥቕሲ መንገዲ ድሕነት ሮሜ ኸኣ ሮሜ 3፡23 እያ፡ ኩሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም፡፡ ኩልና ሓጢእና ኢና፡፡ ኩልና ኣብ ኣምላኽ ዝጽላእ ፈጺምና ኢና፡፡ ንጹህ ሰብ የልቦን፡፡ ሮሜ 3፡10-18 ድማ ሓጢኣት ኣብ ህይወትና እንታይ ከም ዝመስል ዘርዚሩ የርእየና፡፡ እታ ካልኣይቲ ጥቕሲ ሮሜ 6፡22-23 ድማ ውጽኢት ሓጢኣት ትነግረና፡ ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጎይታና ናይ ዘልኣለም ህይወት እዩ፡፡ መቕጻዕዕቲ ሓጢኣትና ሞት እዩ፡፡ ስጋዊ ሞት ጥራይ ዘይኮነ ዘልኣለማዊ ሞት፡፡

እታ ሳልሰይቲ ጥቕሲ ከኣ ካብቲ ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ ዝተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ኾይኑ ኣሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘልኣለም ህይወት እዩ ዝብል ጥቕሲ 6፡23 ትለዓል፡፡ ኣብ ሮሜ 5፡8 ከምዚ ተኣዊጁ ኣሎ፡ ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ነታ ፍቕሩ በዚ ኣርኣየና፡፡ የሱስ ክርስቶስ ምእንታና ሞተ፡፡ ሞት የሱስ ንዋጋ ሓጢኣትና ከፈለ፡፡ ትንሳኤ ክርስቶስ ድማ ኣምላኽ ንሞት ክርስቶስ ከም ክፍሊት ሓጢኣትና ከም ዝቖጸሮ የረጋግጽ፡፡

እታ ራብዓይቲ ጥቕሲ ድማ ሮሜ 10፡9 እያ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጎይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምውታን ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ ክትድሕን ኢኻ፡፡ ብሳላ እቲ የሱስ ምእንታና ዝሞቶ፡ ነቲ ሞቱ ከም ክፍሊት ሓጢኣትና ቆጺርና ኣብኡ ኣሚንና ንድሕን፡፡ ሮሜ 10፡13 ደጊሙ ከምዚ ይብል፡ ነፍሲወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዝጽውዕ ዘበለ ክድሕን እዩ፡፡ የሱስ ንመቕጻዕቲ ሓጢኣትና ከፊሉ ካብ ዘልኣለወማዊ ሞት ምእንቲ ከድሕነና ምእንታና ሞተ፡፡ እቲ ምሕረት ሓጢኣት ዝኾነ ድሕነት ድማ ንኹሉ ንየሱስ ክርስቶስ ከም ጎይታኡን መድሓኒኡን ዝኣመነ ዘበለ ይውሃብ፡፡

እታ ናይ መወዳእታ ጥቕሲ መንገዲ ድሕነት ሮሜ ኸኣ ንውጽኢት ድሕነት ተርእየና፡፡ ሮሜ 5፡1 ከምዚ ዝብል ግሩም መልእኽቲ ትህበና፡ እምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጎይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና፡፡ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ምስ ኣምላኽ ሰላም ይህልወና፡፡ ሮሜ 8፡1 ከምዚ ትምህረና፡ እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ኩነኔ የብሎምን፡፡ ብሳላ እቲ የሱስ ምእንታና ዝሞቶ ደጊም ብሰሪ ሓጢኣትና ኣይንኹነንን፡፡ ኣብ መጨረሽታ ኸኣ እዚ ዝስዕብ ክቡር ተስፋ ኣምላኽ ኣብ ሮሜ 8፡38-39 ተዋሂቡና ኣሎ፡ ሞት ኮነ ህይወት፡ መላእኽቲ ኾኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ኮነ ዝመጽእ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ኮነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተኾነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጎይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ክፈልየና ከም ዘይኮነሉ ኣርጊጸ ኣለኹ እሞ በዚ ኹሉ በቲ ዘፍቅረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና፡፡ ፡፡

እዚ መንገዲ ድሕነት ሮሜ ክትስዕቦ ትደሊዶ፤ እምበኣር ነዚ ዝስዕብ ጸሎት ናብ ኣምላኽ ኣቕርብ፡፡ በዚ ጸሎት ኣቢልካ ከኣ ንድሕነትካ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ከም እትውከል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እትእውጀሉ እዩ፡፡ እቲ ቓላት ንባዕሉ ዘድሕነካ ኣይኮነን፡፡ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ምእማንን ምውካልን ጥራይ እዩ ዘድሕን፡፡ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሓጢአ እየ እሞ መቕጻዕቲ ይግብኣኒ እዩ፡፡ ይኹን እምበር የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ንዓይ ዝግባእ መቕጻዕቲ ወሲዱለይ እዩ እሞ፡ ንዕኡ ኣሚነ ክድሕን ይኽእል እየ፡፡ ብረድኤትካ ኸኣ ንድሕነተይ ኣባኻ ይኣምን ኣለኹ፡፡ ስለ እቲ ዓብዪን ግሩምና ጸጋኻን ምሕረትካን ስለ እቲ ዝሃብካዮ ዘልኣልማዊ ህይወትን ተመስገን፡፡ ኣሜን፡፡

ኣብዚ ብዘምበብኩሞዶ ኢኹም ብዛዕባ ክርስቶስ ውሳኔ ዝወሰድኩም? ከምኡ እንተኾይኑ፡ ብኽብረትኩም ስዒቡ ኣብ ዘሎ “ሎሚ መዓልቲ ንክርስቶስ ተቐቢለ።” ዝብለ ክሊክ ግበሩ/ጠውቑ
English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መንገዲ ድሕነት ሮሜ እንታይ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries