settings icon
share icon
ሕቶ

ሞርሞናውነት ናይ ሓሶት ኣምልኾት ድዩ? ሞርሞናውያን ኣንታይ ይኣምኑ?

መልሲ


ሃይማኖት ሞርሞን (ሞርሞናውነት) ኣምንቱ ድማ ሞርሞናውያንን ናይ ድሕሮት መዓልትታት ቅዱሳን (Latter Day Saints) (LDS) ዝብሃሉ፡ ብ ጆሴፍ ስሚዝ ዝብሃል ሰብ ቅድሚ ክልተ ሚኢቲ ዓመት እዩ ተመስሪቱ። ንሱ ካብ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ግላዊ ምብጻሕ ከምዝረኸበ ይዛረብን ንሶም ከኣ ኩለን ቤተ ክርስትያናትን ንተግባራተን ከምዝፈንፈንወን ተዛሪቦሙኒ ይብል። ካብኡ ጆሴፍ ስሚዝ ሓድሽ ሃይማኖት ክጅምር ተበጊሱን ንሳ ድማ እታ “እንኮ ሓቐኛ በተኽርስትያን ኣብ ምድሪ” ትብሃል። ኣብ ሞርሞናውነት ዘሎ ጸገም ድማ ንሱ ን መጽሓፍ ቅዱስ ይጋጨዎ፡ የማሓይሾን የስፍሖን። ክርስትያናት መጽሓፍ ቅዱስ ሓቀኛን እኹልን ኣይኮነን ክብሉ ምኽንያት የብሎምን። ኣብ ኣምላኽ ብሓቂ ምእማንን ምውካልን ማለት ድማ ኣብ ቃሉን ኣብ ኩሎም መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶምን ጽሑፋት ምእማን እዩ፡ እዚ ማለት ድማ ካብኡ እዩ መጺኡ ማለት እዩ (2 ጢሜጤዎስ 3፡16)።

ሞርሞናውያን ኣርባዕተ ምንጪታት ኣለው መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶም ቃላት ኢሎም ይኣምኑ፡ 1) መጽሓፍ ቅዱስ “ክሳብ ብትኽክል ዝተተርጎመ”። እቶም ብትኽክል ዘይተተርጎሙ ጥቕስታት ድማ ወትሩ ንጹራት ኮይኖም ከምዘይተገብሩ ይቑጸሩ። 2) መጽሓፍ ሞርሞን፡ እዚ ድማ ብ ስሚዝ ተተርጒሙ ኣብ 1830 ድማ ተሓቲሙ። ስሚዝ እዚ “እቲ ዋና ትኽክል መጽሓፍ” ኣብ ዓለም ይብሎን ሓደ ሰብ ድማ ናብ ኣምላኽ “ብካልእ መጽሓፍ ዘይኮነ ነዞም መረዳእታታት ብምስዓብ ክቐርብ ይኽእል ይብል።” 3) ዶክትሪንን/ዶግማታትን ኪዳናትን፡ እዚ ንእኩባት ዘመናዊ ምግላጻት ብዛዕባ “ዝተሓደሰት ቤተ ክርስትያን የሱስ ክርስቶስ” ዝሓዘ እዩ። 4) ናይ’ቲ ዓቢ ዋጋ ሉል፡ እዚ ብሞርሞናውያን ነቶም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጠፍኡ ዶክትሪናትን/ዶግማታትን ትምህርትታትን ከም መብርሂ እዩ ዝቑጸርን ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኣፈጣጥራ መሬት ናይ ባዕሉ ሓበሬታ ይውስኽ።

ሞርሞናውያን ብዛዕባ ኣምላኽ እዚ ዝስዕብ ይኣምኑ፡ ንሱ ወትሩ እቲ ዝለዓለ ኣካል ናይ ኣድማስ ኣይነበረን፡ ኮይኑ ግን ንሱ ነዚ ደረጃ ብጽድቂ ብምንባርን ብናይ ቀጻሊ ቃልስን ነዚ በጺሕዎ። ንሳቶም እግዚኣብሄር ኣቦ ከም ሰብ ዝድህሰስ “ኣካለ ስጋን ዓጽምን” ኣለዎ ኢሎም ይኣምኑ። ዋላ’ኳ ብ ዘመናውያን ናይ ሞርሞን መራሕቲ እንተተሓድገ፡ ብሪግሃም ያንግ ንኣዳም ኣምላኽን ከምኡ’ድማ ኣቦ የሱስ ክርስቶስ እዩ ኔሩ ኢሉ ሚሂሩ። ብመንጽሪ እዚ ክርስትያናት ብዛዕባ ኣምላኽ ነዚ እዮም ዝፈልጡ ንሱ ድማ ሓደ ሓቀኛ ኣምላኽ ኣሎ (ዘዳግም 6፡4፡ ኢሰያስ 43፡10፡ 44፡6-8)፡ ንሱ ኩሉ ግዜ ኣሎን ክህሉን እዩ (ዘዳግም 33፡27፡ መዝሙር 90፡2፡ 1ጢሜጢዎስ 1፡17) ከምኡድማ ኣይተፈጥረን ንሱ ግን ፈጣሪ እዩ (ዘፍጥረት 1፡ መዝሙር 24፡1፡ ኢሰያስ 37፡16)። ንሱ ፍጹም እዩ ከምኡ ድማ ዝኾነ ማዕሪኡ ዝኾነ ድማ የልቦን (መዝሙር 86፡8፡ ኢሰያስ 40፡25)። እግዚኣብሄር ኣቦ ሰብ ኣይኮነን፡ ፈጺሙ ውን ኣይነበረን (ዘሁሉቅ 23፡19፡ 1 ሳሙኤል 15፡29፡ ሆሴእ 11፡9)። ንሱ መንፈስ እዩ (ዮሃንስ 4፡24)፡ መንፈስ ድማ ካብ ስጋን ዓጽምን ኣይስራሕን እዩ (ሉቃስ 24፡39)።

ሞርሞናውያን ድሓር ዘሎ ሂወት ዝተፈላለየ ደረጃታት ወይ ግዝኣታት ኣሎዎ ኢሎም ይኣምኑ፡ እዚ ድማ ጠፈራዊ ግዝኣት፡ መሬታዊ ግዝኣት፡ ኮኾባዊ/ተለስትያል ግዝኣትን ናይ ግዳም ጸልማትን እዮም። ሰብ ኣበይ ይዛዝም ድማ ኣብ ምንታይ ይኣምንን ኣብ’ዛ ሂወት ድማ እንታይ ይገብርን ይሙርኮስ። በምንጽር እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ሞት ናብ ሰማይ ወይ ናብ ጋሃነም ንኸይድ እዩ ዝብለና እዚ ድማ ብመሰረት ኣብ የሱስ ክርስቶስ ከም ጎይታናን መድሓኒናን እምነት ኔሩና ዶ ኣይነበረናን እዩ። ካብ ኣካላትና ምውጻእ ማለት ድማ፡ ከም ኣመንቲ ምስ ጎይታ ኢና ንኸውን (2 ቆሮንጦስ 5፡6-8)። ዘይኣመንቲ ናብ ጋሃነም ወይ ናብ ቦታ ምዉታን እዮም ዝኸዱ (ሉቃስ 16፡22-23)። የሱስ ካልኣይ ግዜ ክመጽእ ከሎ፡ ሓድሽ ሰብነት ክንውሃብ ኢዩ (1 ቆሮንጦስ 15፡50-54)። ንኣመንቲ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክህሉ እዩ (ራኢ ዮሃንስ 21፡1)። ድሕሪ ሞት ካልኣይ ዕድል ናይ ምድሓን የሎን (እብራውያን 9፡27)።

ናይ ሞርሞን መራሕቲ ናይ የሱስ ልደት ውጺኢት ኣካላዊ ዝምድና ናይ እግዚኣብሄር ኣቦን ማርያምን እዩ ኢሎም ይምህሩ። ሞርሞናውያን የሱስ ኣምላኽ/ god እዩ፡ ዝኾነ ሰብ ድማ ኣምላኽ/ god ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም ይኣምኑ። ሞርሞናውነት ምድሓን ብድምር ናይ እምነትን ጽቡቕ ግብርን ክርከብ ይክኣል ኢሎም ይምህሩ። በንጻር እዚ፡ ክርስትያናት ኣብ ታሪኽ፡ ናይ ኣምላኽ ደረጃ ክበጽሕ ዝኽእል የሎን ኢሎም ይምህሩ--ንሱ ጥራይ እዩ ቅዱስ (1 ሳሙኤል 2፡2)። ኣብ ናይ ኣምላኽ ትርኢት ቅዱሳን ክንከውን ንኽእል ብእምነት ብኡኡ እዩ (1 ቆሮንጦስ 1፡2)። የሱስ ጥራይ እዩ ቦኽሪ ወዲ ኣምላኽ (ዮሃንስ 3፡16)፡ ንሱ ጥራይ እዩ ብዘይ ሓጥያት ክነብር ዝኽኣለ፡ ኢንታ ዘይብሉ ሂወትን ሕጂ ድማ እቲ ዝልዓለ ቦታ ክብሪ ኣብ ሰማይ ዘለዎን (እብራውያን 7፡26)። የሱስን ኣምላኽን ብመሰረቱ ሓደ እዮም፡ የሱስ ቅድሚ ብኣካል ምውላዱ እቲ እንኮ ህሉው ዝነበረ እዩ (ዮሃንስ 1፡1-8፡ 8፡56)። የሱስ ገዛእ-ርእሱ ንዓና ንመስዋእቲ ሂቡ፡ ኣምላኽ ንዑኡ ካብ ምውታት ኣተንሲእዎን ከምኡ ድማ ሓደ መዓልቲ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ የሱስ ክርስቶስ ጎይታ እዩ ኢሉ ክእመን እዩ (ፊሊጲ 2፡6-11)። የሱስ ብግብርና ናብ ሰማይ ክንኣቱ ከምዘይንኽእልን ስለዚ ድማ ብእምነት ብኡኡ ጥራይ ከም ዝክኣል ይነግረና (ማቴዎስ 19፡26)። ንሕና ናይ ሓጥያትና ዘልኣለማዊ መቕጻዕቲ ይግብኣና፡ ግናኸ ናይ ኣምላኽ ዘልኣለማዊ ፍቕርን ጸጋን ምውጽኢ መገዲ ኸፊቱልና። “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።” (ሮሜ 6፡23)።

ብንጹር፡ ብሓደ መገዲ ጥራይ እዩ ዘሎ ምድሓን ዝርከብ፡ እዚ ድማ ንኣምላኽን ንወዱ የሱስን ብምፍላጥ እዩ (ዮሃንስ 17፡3)። እዚ ብግብሪ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ብእምነት እዩ (ሮሜ 1፡17፡ 3፡28)። ነዚ ህያብ ድማ ብዘየገድስ መን ኢና ወይ እንታይ ጌርና ክንቅበሎ ኢና (ሮሜ 3፡22)። “ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።” (ግብረሃዋርያት 4፡12)።

ዋላ’ኳ ሞርሞናውያን ምሕዝነታውያን ፈቃራትን ለዋሃትን ሰባት እንተኾኑ፡ ንባህሪ ኣምላኽ፡ ሰብነት የሱስ ክርስቶስን መገዲ ድሕነተን ብዝጠዊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሲሒቶም ኣለው።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ሞርሞናውነት ናይ ሓሶት ኣምልኾት ድዩ? ሞርሞናውያን ኣንታይ ይኣምኑ?
© Copyright Got Questions Ministries