settings icon
share icon
ሕቶ

ናይ ጎይታ ጸሎት እንታይ እዩ ከምኡ ድማ ንሕና ኸ ንዓኣ ክንጽልያ ኣሎና ድዩ?

መልሲ


ናይ ጎይታ ጸሎት ማለት እቲ ጎይታ የሱስ ን ደቂ-መዛምርቱ ኣብ ማቴዎስ 6፡ 9-13 ከምኡ’ውን ሉቃስ 11፡2-4 ዝምሃሮም ጸሎት እዩ። ማቴዎስ 6፡ 9-13 ከምዚ ይብል፡ ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኹም ደኣ ጸልዩ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና። ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና። መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፡ እሜን።”። ብዙሓት ሰባት ናይ ጎይታ ጸሎት ቃል ብቃል ንሕና ክንደግሞ ዘሎና ጾሎት ጌሮም ብጌጋ ይርድእዎ። ገለ ሰባት ናይ ጎይታ ጸሎት ከም ናይ ማጂክ ሜላ ጌሮም ይሕዝዎ፡ እዚ ከኣ እቶም ቃላት ባዕሎም ገለ ውሱን ዝኾነ ሓይሊ ወይ ጽልዋ ምስ ኣምላኽ ከምዘለዎም እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ በንጻሩ ይነግረና። እግዚኣብሄር ክንጽሊ ከሎና ኣጸቢቑ ዝያዳ ካብ ኣብ ቃላትና ኣብ ልብና እዩ ዝግደስ። “6 ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ 7 ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ።” (ማቴዎስ 6፡6-7)። ኣብ ጾሎት፡ ንሕና ስቕ ኢልና ዝሸምደድናዮም ቃላት ምዝካር ዘይኮነ፡ ንልብና ኢና ኣብ ኣምላኽ ከነፍስሶ ዘሎና (ፊሊጲ 4፡6-7)።

ናይ ጎይታ ጸሎት ከም ኣብነት፡ ኣገባብ ናይ ከመይ ትጽሊ እዩ ክንርድኦ ዘሎና። እዚ እቲ ናብ ጸሎት ክኸይድ ዘለዎ “ትሕዝቶ” እዩ ዝህበና። “ ኣብ ሰማይ ትነብር ኣቦና” ከኣ ጾሎትና ናበይ ከብል ኣለዎ እዩ ዝምህረና ዘሎ—ናብ ኣቦ። “ ስምካ ይቀደስ” ከኣ ንእግዚኣብሄር ከነምልኽ ከምዘሎናን ከምኡ ድማ ንዑኡ መን ሙዃኑ ከነመስግን እዩ ዝነግረና ዘሎ። “መንግስትኻ ትምጻእ፡ ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ዝብል ሓረግ ድማ ንሕና ንናይ ኣምላኽ መደብ ኣብ ሂወትናን ኣብ ናይ ዓለምን እምበር ንናይ ገዛእ ርእስና መደብ ክንጽሊ ከምዘይብልና የዘኻኽረና። ንሕና ናይ ኣምላኽ ፍቓድ ክፍጸም እምበር ናህና ድሌታት ክፍጸም ኣይኮናን ክንጽሊ ዘሎና። ንኣምላኽ ነቶም ዘድልዩና ነገራት ክንሓትት ንዓባ የተባባዓና እዩ “ ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና።” “ ንሕና በደሎም ከምዝሓደግናሎም በደልና ሕደገልና” ዝብል ድማ ሓጢያትና ናብ ኣምላኽ ክንሳሕን ካብኦም ድማ ክንምለስን ከምኡ ድማ ከምቲ ኣምላኽ ይቕረ ዝበለልና ንኻልኦት ይቕረ ክንብል የዘኻኽረና። እቲ መደምደምታ ናይ ጎይታ ጸሎት፡ “ ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር ኣብ ፈተነ ኣይተእትወና” ድማ ልመና ናይ ሓገዝ ንዓወት ኣብ ልዕሊ ሓጢያትን ከምኡ ድማ ሕቶ ናይ ሓለዋ ካብ መጥቃዕቲ ናይ ሰይጣን እዩ።

ስለዚ፡ ደጊምና፡ ናይ ጎይታ ጸሎት ክንሽምድዶን ናብ ኣምላኽ ክንደግሞን ዘሎና ጸሎት ኣይኮነን። እዚ ኣብነት ናይ ከመይ ጌርና ክንጽሊ ከምዘሎና ጥራይ እዩ። ምሽምዳድ ናይ ጎይታ ጸሎት ዝኾነ ጸገም ኣለዎ ድዩ? ብርግጽ የብሉን! ብናይ ጎይታ ጸሎት ጌርካ ተመሊስካ ናብ ኣምላኽ ምጽላይ ዝኾነ ጌጋ ኣለዎ ድዩ? ልብኻ ኣብ ውሽጢ’ቲ ጸሎት እንተሎን ከምኡ ድማ ነቲ ትብሎ ዘሎኻ ቃላት ማለትካ ኮይኑ እንተዳኣ ትብሎ ኣለኻ ኮንካ የብሉን። ዘክሩ፡ ኣብ ጸሎት፡ ኣምላኽ ዝያዳ ምስ’ኡ ምዝርራብናን ከምኡ’ድማ ካብ ልብና ምዝራብናን እዩ ብዝያዳ ካብ’ቲ ንጥቀመሎም ውሱናት ቃላት ንላዕሊ ዝግደስ። ፊሊጲ 4፡6-7 ከምዝገልጾ “ ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ናይ ጎይታ ጸሎት እንታይ እዩ ከምኡ ድማ ንሕና ኸ ንዓኣ ክንጽልያ ኣሎና ድዩ?
© Copyright Got Questions Ministries