settings icon
share icon
ሕቶ

ስለምንታይ እዮም ኣይሁድን ኣዕራብን/ኣስላምን ንሓድሕዶም ዝጻልኡ?

መልሲ


መጀመርታ ኩሎም ኣዕራብ ኣስላም ከምዘይኮኑን ከምኡ ድማ ኩሎም ኣስላም ድማ ኣዕራብ ከምዘይኮኑን ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ዝበዝሑ ኣዕራብ ኣስላም እኳ እንተኾኑ፡ ብዙሓት ኣስላም ዘይኮኑ ኣዕራብ ድማ ኣለዉ። ብተወሳኺ፡ ካብ ዓረብ ኮይኖም ኣስላም ዝኾኑ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ኣዕራብ ዘይኮኑ ኣስላም ኣብ ከም ኢንዶነዥያን ማለዥያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣለው። ካልኣይ ድማ፡ ኩሎም ኣዕራብ ን ኣይሁድ ኣይጸልእዎምን እዮም፡ ኩሎም ኣስላም ውን ንኣይሁድ ዘይጸልእዎም ምዃኖም፡ ከምኡ ድማ ኩሎም ኣይሁድ ን ኣዕራብን ኣስላምን ከምዘይጸልእዎም ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ንሰባት ብልምዲ ምጽዋዕ ከነወግድ ኣሎና። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ግን፡ ኣዕራብን ኣስላምን ናይ ኣይሁድ ጽልእን ዘይምእማንን ኣለዎም ኣይሁድ ውን ከምኡ ማለት’ዩ።

ነዚ ጽልኢ’ዚ ርኡይ ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መግለጺ ኣሎ እንተኾይኑ፡ ኩሉ እዚ ተመሊሱ ናብ ኣብርሃም እዩ ዝኸይድ። ኣይሁድ ደቂ ይስሃቕ ወዲ ኣብርሃም እዮም። ኣዕራብ ድማ ደቂ እስማዒል ወዲ ኣብርሃም እዮም። እስማዒል ወዲ እታ ባርያ ሰበይቲ ክኸውን እንከሎ (ዘፍጥረት 16፡ 1-16) ይስሃቕ ድማ እቲ ንበረኸት ኣብርሃም ዝወርስ ወዲ ተስፋ እዩ(ዘፍጥረት 21፡1-3)፡ ፍሉጥ እዩ ኣብ ሞንጎ እቶም ክልተ ውሉድ ጽልኢ ከምዝህሉ። ከም ውጺኢቱ ናይ እስማዒል ንይስሓቕ ምልጋጽ ድማ (ዘፍጥረት 21፡9)፡ ሳራ ንኣብርሃም ንኣጋርን እስማዒልን ከውጽኦም ተዛሪባቶ (ዘፍጥረት 21፡11-21)። ዳርጋ፡ እዚ ዝያዳ ምንዓቅ ናይ እስማዒል ኣብ ልዕሊ ይስሓቕ ኣምጺኡ። መልኣኽ ድማ ን ኣጋር እስማዒል “ኢዱ ናብ ልዕሊ ዅሉ፡ ኢድ ኵሉ ድማ ናብ ልዕሊኡ ኽትከውን እያ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣሕዋቱ ኸኣ ኪነብር እዩ” ኢሉ ትንቢት ነጊርዋ (ዘፍጥረት 16፡11-12)።

ዝበዝሑ ኣዕራብ ዝስዕብዎ ሃማኖት ምስልምና ድማ ነዚ ጽልኢ ዝያዳ ኣዕሚቕዎ። ቁርኣን ድማ ዳርጋ ንሓድሕዱ ዝጋጮ መምርሒታት ንኣስላም ብዛዕባ ኣይሁድ ይህብ። ኣብ ሓደ ነጥቢ ኣስላም ን ኣይሁድ ከም ኣሕዋት ክርእይዎም ይምህር፡ ኣብ ካልእ ነጥቢ ድማ ኣስላም ነቶም ናብ ምስልምና ምቕያር ዝኣበዩ ኣይሁድ ከጥቅዑ ይእዝዝ። ብተወሳኺ ቁርኣን ኣየናይ ወዲ ኣብርሃም እዩ ብሓቂ ወዲ ተስፋ ዝኾነ ምግርጫው የእትው። መጽሓፍ እብራውያን ኢሳቕ ሙዃኑ ይዛረብ። ቁርኣን ድማ እስማዒል ሙዃኑ ይዛረብ። ቁርኣን ኣብርሃም ን ይስሓቕ ዘይኮነ ንእስማዒል እዩ ዳርጋ ንእግዚኣብሄር ሰዊኢሉ ኢሉ ይምህር ( ምስ ዘፍጥረት ምዕራፍ 22 ዝጋጮ)። እቲ መን እዩ ወዲ ተስፋ ኔሩ ዝብል ክትዕ ድማ ሎሚ ነቲ ጽልኢ የበርክት እዩ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ናይ ጥንቲ ሱር ናይ ምረት ኣብ ሞንጎ ይስሓቕን እስማዒልን ነቲ ኩሉ ጽልኢ ኣብ ሞንጎ ኣይሁድን ኣዕራብን ኣይገልጽን እዩ። ከም ሓቂ፡ ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ ታሪኽ ናይ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣይሁድን ኣዕራብን ኣብ ንሓድሕዶም ኣብ ተዛማዲ ሰላምን ፍልልይን ይነብሩ ኔሮም። እቲ ዋና ጠንቂ ናይ’ዚ ጽልኢ ድማ ዘመናዊ መበገሲ ኣለዎ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት እጃም መሬት ናይ እስራኤል ን ህዝቢ ኣይሁድ ሂቡ፡ እቲ መሬት ድማ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ብቀንዱ ኣዕራብ (ፍልስጤማውያን) እዮም ሰፊሮሞ ኔሮም። ዝበዝሑ ኣዕራብ ብትሪ ኣንጻር ነቲ መሬት ዝሓዘት ሃገረ እስራኤል ተቓዊሞም። ሃገራት ዓረብ ድማ ተሓባቢረን ካብ’ቲ መሬት ንምውጽኣ ንምፍታን ኣንጻር እስራኤል መጥቃዕቲ ፈጺመን እንተኾነ ግን ተሳዒረን። ካብ ቀደም ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ጎሮባብታ ኣዕራብን ዓቢ ጽልኢ ኔሩ እዩ። እስራኤል ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ መሬት ብዓበይቲ ሃገራት ከም ዮርዳኖስ፡ ሶርያ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኢራቕን ግብጽን ተኸቢባ ትነብር። ብመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ንምዝራብ ናህና ርእይቶ ከኣ እስራኤል ከም ሃገር ኣብ’ቲ ኣምላኽ፡ንወዲ-ውዱ ንኣብርሃም ንዘርኢ ያዕቆብ ዝሃቦ ኣብ መሬታ ክትነብር መሰል ኣለዋ። ብተመሳሳሊ ድማ፡ እስራኤል ከኣ ነተን ጎረባብታ ኣዕራብ ሰላም ክትደልን ከምኡ ድማ ኣኽብሮት ከተርእን ናህና ተሪር እምነት እዩ። መዝሙር 112፡6 “ንየሩሳሌም ሰላም ለምኑላ፣ እቶም ዜፍቅሩኺ ኺለምዑ እዮም።”

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ስለምንታይ እዮም ኣይሁድን ኣዕራብን/ኣስላምን ንሓድሕዶም ዝጻልኡ?
© Copyright Got Questions Ministries