settings icon
share icon
ሕቶ

የሱስ እቲ እንኮ መንገዲ ህይወት ድዩ?

መልሲ


እወ፡ የሱስ እቲ እንኮ መንገዲ ድሕነት ኢዩ፡፡ ከምዚ ዝበለ በይናዊ ኣበሃህላ ንኣእዛን ዘመንና ክኹርዅሕ ይኽእል እዩ፡፡ ይኹን እምበር እቲ እንኮ ሓቂ እዚ ኢዩ፡፡ ብዘይካ የሱስ ክርስቶስ ካልእ መንገዲ ደሕነት ከምዘየልቦ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና፡፡ ኣብ ዮሃንስ 14፡6 ድማ የሱስ ባዕሉ ከምዚ ይብል መንገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ፡፡ ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዝመጽእ የልቦን፡፡ ንሱ ሓደ ካብ ብዙሓት መገድታት ዘይኮነስ እቲ እንኮን ካልኣይ ዘይብሉን መንገዲ እዩ፡፡ ሓደ እኳ፡ ዋላ ውን እቲ ክቡር እየ ዝብል፡ ምሁር እየ ዝብል፡ ዕዉት ወይ ቅዱስ እየ ዝብል ኩሉ፡ እንትርፎ ብኡኡ ብየሱስ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣቦ ዝመጽእ ከቶ የልቦን፡፡

የሱስ እቲ እንኮ መገዲ ገነት ምዃኑ ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉና፡፡ ቀዳማይ፡ የሱስ ብእግዚኣብሄር ዝተሓርየ መድሓኒ እዩ፡ (1ይ ጴጥሮስ 2:4)፡፡ የሱስ እቲ እንኮ ካብ ሰማይ ወሪዱ ናብ ሰማይ ዝዓረገ እዩ (ዮሃንስ 3:13)፡፡ ንሱ እቲ ፍጹም ህይወት ዝነበረ ሰብ ኢዩ፡ (እብራውን 4:15)፡፡ ክርስቶስ እቲ እንኮ ገንሸል ሓጢኣት ኢዩ (1ይ ዮሃንስ 2:2፤ እብራውያን. 10:26)፡፡ ንሱ ንሕግን ንነብያትን ፈጺሙ ዝመልአ እዩ (ማቴዎስ 5:17)፡፡ የሱስ ንሞት ንሓዋሩ ስዒሩ እዩ (እብራውን 2:14–15)፡፡ የሱስ እቲ እንኮ መታዓረቒ እግዚኣብሄርን ሰብን እዩ (1ይ ጢሞቴዎስ 2:5)፡፡ ንሱ እቲ ኣምላኽ ናብ ላዕሊ ዘዕረጎ እንኮ ወዲ ሰብ ኢዩ፡፡

የሱስ ንሱ ባዕሉ ጥራይ መንገዲ ገነት ምዃኑ ካብ ዮሃንስ 14፡6፡ ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ብዙሕ ቦታታትን ተገሊጹ ኢዩ፡፡ ኣብ ማቴዎስ 7፡21-27፡ የሱስ ንባዕሉ ዋና እምነት ምዃኑ ኣቕሪቡ እዩ፡፡ ኣብ ዮሃንስ 6፡63፡ የሱስ፡ ቃሉ ህይወት ከም ዝኾነ ተዛሪቡ፡፡ እቶም ብእኡ ዝኣመኑ ዘልኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ምዃኖመ ቃል ኣትዩ እዩ (ዮውሃንስ: 14–15)፡፡ ንሱ ኣፍ ደገ እተን ሕያዎት ኣባጊዕ ምዃኑ ኣብ ዮሃንስ 10፡7፡ እንጌራ ሂወት ኣብ ዮውሃንስ 6፡35 ከምኡውን ትንሳኤ ኣብ ዮውሃንስ 11፡ 25 ተጻሒፉ ኣሎ፡፡ ነዞም መዓርጋት ይግብኡኒ እዮም ዝበለ ሓደ ካልእ የልቦን፡፡

ሃዋርያት ስለ ሞትን ትንሳኤን ጎይታ የሱስ ሰበኹ፡፡ ጴጥሮስ ንሳንሔድሪን (ሹማምንቲ ኣይሁድ) ክዛረብ እንከሎ ከም ዝበሎ፡ ዮሱስ እቲ እንኮ መገዲ ገነት ምዃኑ ብንጹር ከምዚ ክብል ገሊጹ፡ ብእኡ ክንድሕን ዝግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን፡፡ (ግብረ ሓዋርያት 4:12):: ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣንጾክያ ኣብ ቤት መቕደስ ኣይሁድ ደይቡ ክዛረብ እንከሎ ንምድሓን የሱስ ብኸምዚ ይዛረበሉ፡ እምኣርሲ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብእኡ ሕድገት ሓጢኣት ይንገረኩም ከም ዘሎ፡ ካብቲ ሕጊ ሙሴ ክትጸድቁሉ ዘይከኣለኩም ኩሉ ነገር፡ ነፍሲወከፍ ኣማኒ ብእኡ ከም ዝጸድቕሲ ኣባኻትኩም ፍሉጥ ይኹን፡፡ (ግብረ ሓዋርያት13:38–39):: ዮሃንስ ንመላእ ማሕበር ክርስትያን ኣብ ዝጸሓፎ ድማ ስም ክርስቶስ እንኮ ምኽንያት ምሕረት ሓጥያት ምዃኑ ብኸምዚ ይገልጾ፡ ደቀየ፡ ሓጢኣትኩም ስለ ስሙ ተሓዲጉልኩም እዩ እሞ ይጽሕፈልኩም ኣለኹ፡፡ (1ዮሃንስ 2:12)፡፡ ካብ የሱስ ወጻኢ ሓደ እኳ ካብ ሓጥያት ዘንጽህ የልቦን፡፡

ዘልኣለማዊ ህይወት ኣብ ገነት ክዉን ዝኸውን ብመንገዲ ክርስቶስ ጥራይ ኢዩ፡፡ የሱስ ከምዚ ኢሉ ጸለየ ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምኻንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ክፈልጡ ናይ ዘልኣለም ህይወት እዚኣ እያ፡፡ (ዮሃንስ 17:3)፡፡ ንሕና ነቲ ነጻ ውህበት እግዚኣብሄር ዝኾነ ድሕነት ንምቕባል፡ ናብ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ ክንጥምት ይግብኣና፡፡ የሱስ ዕዳ ሓጥያትና ንምኽፋል ኣብ መስቀል ከም ዝተሰቕለን ከም ዝዓረገን ክንኣምን ይግበኣና፡፡ እዚ ጽድቂ ኣምላኽ ናብ ኩሎም ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዝኣምኑ ይመጽእ (ሮሜ 3:22)፡፡

ሓደ እዋን ከርስቶስ እናመሃረ እንከሎ፡ ብዙሓት ካብ ሰዓብቱ ገዲፎሞ ካልእ መድሓኒ ክትስፈዉ ኣስተብሃለ፡፡ የሱስ ከኣ ነቶም 12 ሃዋርያት ንስኻትኩምከ ክትከዱዶ ትደልዩ ኢኹም፤ ኢሉ ሓተቶም (ዮውሃንስ 6:67):: መልሲ ጴጥሮስ ግና ብጹእ ሓቂ ነበረ፡ ጎይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘልኣለም ህይወት ቃል ኣሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ ኢና፤ (ዮውሃንስ 6:68–69):: እዚ ኣብ ጴጥሮስ ዝሓደረ ብየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ዘልኣለማዊ ህይወት ይርከብ ዝብል ርድኢት ኣብ ኩልና ይሕደር፡፡

ኣብዚ ብዘምበብኩሞዶ ኢኹም ብዛዕባ ክርስቶስ ውሳኔ ዝወሰድኩም? ከምኡ እንተኾይኑ፡ ብኽብረትኩም ስዒቡ ኣብ ዘሎ “ሎሚ መዓልቲ ንክርስቶስ ተቐቢለ።” ዝብለ ክሊክ ግበሩ/ጠውቑ
English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

የሱስ እቲ እንኮ መንገዲ ህይወት ድዩ?
© Copyright Got Questions Ministries