settings icon
share icon
ሕቶ

የሱስ ወዲ ኣምላኽ እዩ እንታይ ማለት ኰን እዩ?

መልሲ


የሱስ ከምቲ ብስጋ ኣቦ ዘለዎ ውሉድ ኣይኮነን። ኣምላኽ ናይ መውስቦ ወዲ የብሉን። ኣምላኽ ምስ ማርያም ተዋሲቡስ ካብኣ ወዲ ኣይፈረየን። የሱስ ወዲ ኣምላኽ እዩ ማለት ብስጋ ዝተገልጸ ኣምላኽ ምዃኑ እዩ ዘስምዕ (ዮሃንስ 1፡1,14) ። የሱስ ወዲ ኣምላኽ ዝኾነ፡ ኣብ ማርያም ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ስለዝተጠንሰ እዩ። ሉቃስ 1፡35 ከምዚ ኢሉ ይእውጅ ፡ እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ " መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ "።

ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ኣይሁድ ምስቀረበ ፡ እቲ ሊቀ ካህናት ንየሱስ ሓተቶ ፡ "ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ ክትነግረና፡ በቲ ህያው ኣምላኽ ኤምሕለካ አሎኹ፡ " (ማቴ 26፡63) ፡፡ የሱስ ከኣ፡ " ንስኻኳ በልካ። ድሕሪ ሕጂ ግና ወዲ ሰብ፡ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእዩ ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ፡በሎ (ማቴዎስ 26፡64 ) ። መራሕቲ ኣይሁድ ትጻረፍ ኣሎኻ እናበሉ ከሰስዎ ( ማቴዎስ 26፡65-66)። ድሒሩ ኣብ ቅድሚ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ቀሪቦም ኣይሁድ ፡ "ንሕና ሕጊ አሎና፡ ንሱ ንርእሱ ወዲ ኣምላኽ ገይሩ እዩ እሞ፡ ከም ሕግና ኺመውት ይግብኦ እዩ፡ ኢሎም መለሱሉ (ዮሃንስ 19፡7)። ንምንታይ ኰን እዩ ወዲ ኣምላኽ እየ ስለዝበለ፡ከም ጸርፊ ተወሲዱስ ፍርዲ ሞት ዝተገብኦ? እቶም መራሕቲ ኣይሁድ ነቲ ወዲ ኣምላኽ ዝብል ብትኽክል ተረዲኦሞ ኔሮም። ወዲ ኣምላኽ ምዃን ምስ ኣምላኽ ሓደ ባህሪ ምዃን ማለት እዩ። ወዲ ኣምላኽ ካብ ኣምላኽ እዩ። ምስ ኣምላኽ ሓደ ባህሪ እየ ምባል ንመራሕቲ ኣይሁድ ጸርፊ እዩ ፡ ስለዚ ንየሱስ ሞት በየኑሉ ፡ እዚ ድማ ምስ ዘሌዋውያን 24፡15 ኣተሓሒዞም እዮም። እብራውያን 1፡3 ነዚ ብጣዕሚ እዩ ኣነጺሩ ዝገልጾ፡ “ንሱ ናይ ክብሪ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህሪኡን እዩ።”

ካልእ ኣብነት ከኣ ኣብ ዮሃንስ 17፡12 ክርከብ ይከኣል እዩ ፡ ኣብቲ ይሁዳ ከም ወዲ ጥፍኣት ዝተጸውዓሉ። ዮሃንስ 6፡71 ዝነግረና ይሁዳ ወዲ ስምኦን እዩ ፡፡ ዮሃንስ 17፡12 ንይሁዳ ከም ወዲ ጥፍኣት ዝገለጾ እንታይ ማለቱ ኰን እዩ ? እቲ ጥፍኣት ዝብል ቃል ዕንወት ፡ ዖና ፡ ብልሽት ማለት እዩ። ይሁዳ ቃል ብቓሉ ወዲ ጥፍኣት ኣይነበረን ፡ ኣብ ህይወቱ ዝተራእየ ናይ መንነቱ ባህርያት ደኣምበር። ይሁዳ መግለጺ ጥፍኣት ደኣ እዩ። ብተመሳሳሊ ፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ወዲ ኣምላኽ ከኣ ኣምላኽ እዩ። የሱስ ብስጋ ዝተጋህደ ኣምላኽ እዩ (ዮሃንስ 1፡1,14)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

የሱስ ወዲ ኣምላኽ እዩ እንታይ ማለት ኰን እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries