settings icon
share icon
ሕቶ

የሱስ ካብ ሞቱ ክሳዕ ትንሳኤኡ ዘለዋ ሰለስተ መዓልታት ኣበይ ነበረ?

መልሲ


1ጴጥሮስ 3፡18-19 ከምዚ ይብል፡ ክርስቶስ ድማ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ከቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ በምነፈስ ግና ህያው ኮነ፡፡ ብእኡ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ሰበኸሎም፡፡ እቲ ብመንፈስ ዝብል ንመንፈስ ክርስቶስ ዘመልክት እዩ፡፡ እቲ ምንጽጻር ኣብ መንጎ ስግኡን መንፈሱን እምበር ንስጋ ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን ኣይኮነን፡፡ ስጋ ክርስቶስ ሞይቱ ይኹን እምበር መንፈሱስ ህያው ነበረ፡፡

1ጴጥሮስ 3፡18-22 ኣብ ስቅያት ክርስቶስን (ፍቕዲ 18) ምኽባሩን (ፍቕዲ 22) ንዘሎ ርክብ ይገልጽ፡፡ ኣብ መንጎ እዚ ኽልተ እንታይ ከም ዝተገብረ ዘርዚሩ ዝነግር ድማ ጴጥሮስ ጥራይ እዩ፡፡ ኣብ ፍቕዲ 19 ከኣ ነቶም ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ መናፍስቲ ሰበኸሎም ይብለና፡፡ ግናኸ እቲ ሰበኸሎም ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ከምቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘሎ ካልእ ስብከታት ኣይኮነን፡፡ እቲ ጴጥሮስ ሰበኸሎም ዝብሎ ዘሎ ንምእዋጅ እዩ ዘስምዕ፡፡ የሱስ ኣብ መስቀል ተሰቀየን ሞተን፡፡ መንፈሱ ግና ህያው ነበረ እሞ ንኣቦ እዩ ዘማዕቆቦ (ሉቃስ 23፡46)፡፡ ብመሰረት መልእኽቲ ጴጥሮስ ከኣ የሱስ ካብ ሞቱ ክሳዕ ትንሳኤኡ ኣብ ዘሎ ግዜ ነቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ብፍሉይ ኣወጀሎም፡፡

ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከኣ እቲ መናፍስቲ ዝብል ቃል ንመላእኽትን ኣጋንንትን እምበር ንሰብ ዘመልክትን ኣይኮነን፡፡ ኣብ 1ጴጥሮስ 3፡20 ጴጥሮስ ንሰባት ከም ነፍሳት ይጽውዖም፡፡ ብተወሳኺ የሱስ ንሲኦል ከም ዝበጽሐ ዝነግረና ካልእ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ የልቦን፡፡ ግብሪ ሃዋርያት 2፡31 ከኣ ነፍሲ የሱስ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ ይነግና፡፡ እቲ ኣብዚ ዘሎ ሲኦል ከኣ ምስቲ ሰብ ተፈሪዱ ዝኸዶ ሲኦል ዘይኮነስ ብሓፈሻ ነቲ ሰብ ምስ ሞተ ክሳዕ መዓልቲ ትንሳኤ ዝጸንሓሉ ቦታ ዘመልክት እዩ፡፡ ራእዪ ዮሃንስ 20፡11-15 ድማ ነዚ ፍልልይ የነጽረልና፡፡ እቲ ቀላይ ሓዊ ናይ መወዳእታን ቀዋምን ስፍራ ናይቶም ዝጠፍኡ ፍሩዳት እዩ ክኸውን እንከሎ ሲኦል ግና መጽንሒ ቦታ ናይቶም ዝጠፍኡን ቅዱሳን ብሉይ ኪዳንን እዩ፡፡

ጐይታና ንነፍሱ ወይ መንፈሱ ኣብ ኣቦ ኣማዕቁቡ ብስጋ ሞይቱ ናብ ገነት ኣተወ (ሉቃስ 23፡43)፡፡ ካብ ሞቱ ክሳዕ ትንሳኤኡ ኣብ ዘሎ ግዜ ኸኣ የሱስ ንመናፍስቲ ኣወጅሎም (እዚኣቶም እቶም ኣብ ይሁዳ 1፡6 ዘለዉ ዝወደቑ መላእኽቲ ክኾኑ ይኽእሉ)፡፡ እዞም መናፍስቲ ተባሂሎም ዘለዉ ምስ ማይ ኣይሂ ተኣሳሲሮም ኣለዉ (1ጴጥሮስ 3፡20)፡፡ የሱስ ነዞም ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ እንታይ ከም ዝኣወጀሎም ጴጥሮስ ኣይነግረናን እዩ፡፡ ይኹን እምበር መላእኽቲ ክድሕኑ ስለ ዘይክእሉ (እብራውያን 2፡16) ኣዋጅ ወንጌል ክኸውን ኣይክእልን፡፡ ምናልባት ግና ኣብ ልዕሊ ሰይጣንን ሰዓብቱን ከም ዝተዓወተ ኣዊጅሎም ክኸውን ይኽእል (1ጴጥሮስ 3፡22፤ ቆሎሴ 2፡15)፡፡ ኣብ ኤፌሶን 4፡8-10 ከኣ የሱስ ካብ ሞቱ ክሳዕ ትንሳኤኡ እንታይ ከም ዝገበረ የአንፍተልና፡፡ ኣብዚ ጳውሎስ ንመዝሙር 68፡18 ብምጥቃስ ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ፡ ምርኮ ማረኸ ይብል (ኤፌሶን 4፡8)፡፡ የሱስ ንኹሎም እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ድሑናት ኣኪቡ ናብቲ ዘልኣለማዊ ስፍርኦም ከም ዝወሰዶም ዘአንፍተልና እዩ፡፡

እዚ ኹሉ ድማ ክርስቶስ ኣብተን ሰለስተ መዓልታት እንታይ ከም ዝገበረ መጽሓፍ ቅዱስ መሊኡ ከም ዘየነጸረልና ንምሕባር እዩ፡፡ እቲ በጺሕናዮ ዘሎና ግና የሱስ ነቶም ዝሞቱ ቅዱሳን ከም ዘጸናንዖምን ናብቲ ዘልኣለማዊ ስፍርኦም ከም ዝወሰዶምን ከምኡ ድማ ዓወቱ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ መላእኽቲ ከም ዝኣወጀን እዩ፡፡ እቲ ኣርጊጽና ክንፈልጦ እንኽእል ድማ የሱስ ካልኣይ ዕድል ምድሓን ከም ዘይሃበ ከመይሲ ድሕሪ ሞት ፍርዲ ጥራይ እምበር ካልኣይ ዕድል ምድሓን የልቦን (እብራውያን 9፡27)፡፡ ኣብ ሲኦል ደጊሙ ኣይተሰቀየን፡ ዕዮ ምድሓንሲ ኣብ መስቀል እዩ ተፈጺሙ (ዮሃንስ 19፡30)፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

የሱስ ካብ ሞቱ ክሳዕ ትንሳኤኡ ዘለዋ ሰለስተ መዓልታት ኣበይ ነበረ?
© Copyright Got Questions Ministries