settings icon
share icon
ሕቶ

መሰካክር የህዋ/ጅሆቫ መን እዮም ከምኡ ድማ እንታይ እዩ እምነቶም?

መልሲ


እዚ መሰኻክር የህዋ/ጅሆቫ ዝብሃል ኣካል እምነት ኣብ ፐንሳልቫንያ ኣብ 1870 ብሓደ ቻርለስ ተይዝ ራሰል ዝብሃል ዝምራሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ ኮይኑ ተጀሚሩ። ራሰል ንጉጅልኡ እቶም “ናይ ሚለንያል(ሽሕ ዓመት) ናይ ወጋሕታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ” ኢሉ ሰምይዋ ከምኡ ድማ እቶም ንዑኡ ዝስዓብዎ ድማ “ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ” ይብሃሉ ኔሮም። ቻርለስ ቲ/ራሰል “ ናይ ሚለንያ ወጋሕታ፡” ዝብል ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ ክጽሕፍ ጀሚሩ፡ እዚ ከኣ ቅድሚ ሞቱ ኣብ ሹድሽተ ቅጽታት መጻሕፍቲ ዝተዘርገሐ ኮይኑ ነዚ ሕጂ ሒዞሞ ዘለው ንዝበዝሐ ትምህርቲ ስነ-መለኮት ናይ መሰኻክር የህዋ/ጅሆቫ ዝሓዘ ድማ እዩ። እቲ ናይ ወችታወር ናይ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ትራክት ሶሳይትን ድማ ኣብ 1886 እዩ ተመስሪቱ እዚ ድማ ቀልጢፉ እቲ ርእይቶኦም ዝዝርግሕሉ መንኮርኮር ናይ “ሚለንያ ወጋሕታ” ምንቅስቓስ ኮይኑ። ሓደ ሓደ ግዜ ነዞም ኣባላት ጉጅለ ንምንእኣስ “ራስላውይያን” ይብሃሉ እዮም። ድሕሪ ሞት ናይ ራሰል ኣብ 1916፡ ናይ ራሰል ዓርክን ተካእን ዝኾነ ጃጅ ጀይ.ኤፍ ሩዝፎርድ እታ ሻውዓይትን ናይ መወዳእታን ቅጺ ናይ “ሚለንያ ወጋሕታ” “እቲ እተወደአ ሚስጢር” ትብል ተኸታታሊት ኣብ 1917 ጽሒፍዋ። ኣብ’ታ ዓመት እቲኣ እዩ እቲ ውድብ ዝተመቕለ። እቶም ን ሩዝፎርድ ዝስዓቡ ንገዛእ ርእሶም “መሰኻክር የህዋ/ጅሆቫ” ኢሎም ሰምይዮማ።

መሰኻክር የህዋ/ጅሆቫ እንታይ እዮም ዝኣምኑ? ጥብቕ ኢልካ ናቶም ትምህርታዊ/ዶክትሪን መርገጺ ኣብ ከም ዓውድታት ናይ ኣምላኽነት ክርስትቶስ፡ ምድሓን፡ ስላሴ፡ መንፈስ ቅዱስን ዕርቅን ምስ እትምርምሮ ከኣ ኣብ’ዞም ኣርእስትታት ብዘየወላውል መገዲ ኣብ’ቲ ቅቡል ዝኾነ ክርስትያናዊ መርገጺ ኣይሕዙን። መሰኻክር የህዋ/ጅሆቫ የሱስ እቲ ዝለዓለ ፍጡር ሚካኤል ሊቀ-መላእክት እዩ ኢሎም ይኣምኑ። እዚ ምስ የሱስ ኣምላኽ ሙዃኑ ዝገልጹ ብዙሕ ጽሑፋት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ይጋጮ (ዮሃንስ 1፡1፡ 14፡ 8፡58፡ 10፡30)። መሰኻክር የህዋ/ጅሆቫ ምድሓን ብሕውስዋስ ናይ እምነት፡ ጽቡቕ ግብሪን ምእዛዝን እዩ ዝርከብ ኢሎም ይኣምኑ። እዚ ምስ’ቲ ምድሓን ብ ጸጋ ብእምነት ከምዝርከብ ዝገልጹ ማእለያ ዘይብሎም ብዙሓት ጽሑፋት ይጋጮ (ዮሃንስ 3፡16፡ ኤፌሶን 2፡8-9፡ ቲቶስ 3፡5)። መሰኻክር የህዋ/ጅሆቫ የሱስ ፍጡር እዩ ብምባል ንመንፈስ ቅዱስ ድማ ብቐንዱ ሂወት ዘይብሉ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ ኢሎም ብምእማን ንትምህርቲ ስላሴ ይነጽጉ። መሰኻክር የህዋ/ጅሆቫ ናይ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ዝገበሮ ዕርቂ ይነጽጉን ንክልሰ-ሓሳብ በጃነት ይሕዙ እዚ ማለት ናይ የሱስ ሞት ንናይ ኣዳም ሓጥያት ዝተኸፍለ ራንሰም/በጃ ክፍሊት እዩ ይብሉ።

መሰኻክር የህዋ/ጅሆቫ ከመይ ኣቢሎም እዮም ነዞም ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርትታት ቅቡላት ዝገብርዎም? መጀመርታ ንሶም ቤተ ክርስትያን ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ብዙሕ ዘመናት ኣባላሽያቶ እያ ኢሎም ይኣምኑ፡ ስለ’ዚ ድማ ንሳቶም ባዕላቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ’ቲ ሓድሽ ትርጉም ዓለም/New World Translation ዝብሃል ዳግም ተርጒሞም። እቲ ወች ታወርን ትራክት ሶሳይትን ንናቶም ናይ ሓሶት ትምህርቲ ከምዝሰማማዕ ንምግባር ኣብ ክንዲ ንትምህርቶም ኣብ’ቲ ልክዕ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ምስራት ንጽሑፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ለዊጦሞ። መሰኻክር የህዋ/ጅሆቫ ዝያዳ ብዙሕ ምስ ትምህርቶም ዘይሰማማዕ ጽሑፋት ክረኽቡ ከለው ሓድሽ ትርጉም ዓለም/New World Translation ብብዙሕ ሕታማት ሓሊፉ እዩ።

ዎች ታወር እምነቱን ትምህርቱን ኣብ’ቲ መቦቆላዊን ዝሰፈሐን ትምህርታት ናይ ቻርለስ ተዝ ራሰል፡ ጃጅ ጆሰፍ ፍራንክሊን ሩዝፎርድን ተካእትቶምን ይሙርኮስ። እቲ መራሒ ኣካል ናይ ዎች ታወርን ናይ ትራክት ሶሳይትን ጥራይ እዩ እቲ እንኮ ኣካል ኣብ’ቲ እምነት መጽሓፍ ክትርጉም ስልጣን ከምዘለዎ ዝዛረብ። ብካልእ ኣበሃህላ፡ እቲ መራሒ ኣካል ብዛዕባ ዝኮነ ጽሑፍ ናይ መጽሓፍ ዝብሎ እዩ ከም ናይ መወዳእታ ዝረአን ግላዊ ሓሳባት ድማ ብትሪ ኣይፍቀድን እዩ። እዚ ቀጥታ ምስ ናይ ጳውሎስ መግናሕቲ ንጢሜጢዎስ (ንዓና’ውን ከምኡ) ይጻረር፡ ብኣምላኽ ቅቡል ንሙዃን ምጽናዕ፡ ስለዚ ድማ ንቃል ኣምላኽ ትኽክል ጌርና ክንሕዞ እንከለና ክንሓፍር ኣይግባእን። እዚ ኣብ 2 ጢሜጢዎስ 2፡15 ዝርከብ መግናሕቲ ከኣ ንጹር መምርሒ ካብ ኣምላኽ ናብ ነፍሲወከፍ ውሉዱ ከም’ቶም ነቲ ዝምሃርዎ ዝነበሩ ምስ’ቲ ቃል ዝሰማማዕ እንተኾይኑ ንጽሑፋት ዝምርምሩ ዝነበሩ ኣምነቲ ሰብ በሪያ ክኾኑ እዩ።

ምናልባት ካብ መሰኻክር የህዋ/ጅሆቫ ንላዕሊ መልእኽቶም ኣብ ምዝርጋሕ እሙን ዝኾነ ሃይማኖታዊ ጉጅለ የሎን። ዘይጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን፡ እቲ መልእኽቲ ምዝባዕ ዝመልኦ፡ ስሕተትን ናይ ሓሶት ትምህርትን እዩ። ኣምላኽ ንየዒንቲ ናይ መሰኻክር የህዋ/ጅሆቫ ናብ’ቲ ሓቂ ወንጌልን ናብ’ቲ ናይ ሓቂ ትምህርቲ ቃል ኣምላኽን ይኽፈት።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መሰካክር የህዋ/ጅሆቫ መን እዮም ከምኡ ድማ እንታይ እዩ እምነቶም?
© Copyright Got Questions Ministries