settings icon
share icon
ሕቶ

መንፈስ ቅዱስ መን እዩ?

መልሲ


ስለ መንፈስ ቅዱስ ብዙሕ ዘይቅኑዕ ርድኢታት ኣሎ፡፡ ገለ ንመንፈስ ቅዱስ ከም ሓደ ምትሃታዊ ሓይሊ ይቖጽርዎ፡፡ ካልኦት ከኣ ንመንፈስ ቅዱስ ከም ሓደ ኣምላኽ ንሰዓብቲ ክርስቶስ ዝህቦም ሓይሊ የቋጽርዎ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ይብል፤ መጽሓፍ ቅዱስ ብሕጽር ዝበለ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ምዃኑ ይነግር፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ወሲኹ መንፈስ ቅዱስ መለኮታዊ ኣካል ኮይኑ ኣእምሮ፡ ስምዒትን ፍቓድን ከም ዘለዎ ይነግረና፡፡

መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ምዃኑ ኣብ ብዙሕ ጽሑፋት ብንጹር ተቐሚጡ ንርእዮ፡፡ ንኣብነት ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 5፡3-4፡፡ ኣብዚ ጥቕሲ፡ ጴጥሮስ ንኣናንያ ክግስጾ እንከሎ ንመንፈስ ቅዱስ ስለምንታይ ከም ዝሓሰዎ ድሕሪ ምሕታት፡ ቀጺሉ ንኣምላኽ እምበር ንሰብ ኣይሓሰኻን ክብሎ ንሰምዕ፡፡ ንመንፈስ ቅዱስ ምሕሳው ማለት ንኣምላኽ ምሕሳው ማለት ምዃኑ ንጹር እዩ፡፡ መንፈስ ቅዱስ ባህርያት ኣምላኽ ስለ ዘለዎ ድማ ኣምላኽ ምዃኑ ንፈልጥ፡፡ ንኣብነት፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኩሉ ኣሎ፡ እዚ ኣብ መዝሙር 139፡7-8 ንርእዮ፡ ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ ፡ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሃድም እየ፤ ንሰማይ እንተ ደየብኩ፡ ንስኻ ኣብኡ ኣሎኻ፡ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፡ እነሆ፡ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ፡፡ 1ቆሮንጦስ 2፡10-11 ድማ መንፈስ ቅዱስ ኩሉ ከም ዝፈልጥ ይንገረና፡ እቲ መንፈስ ግና መዓሙቕ ኣምላኽ እኳ ከይተረፈ ንኹሉ ይምርምር እዩ እሞ ንኣና ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ገለጸልና፡፡ እቲ ኣብኡ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኮይኑስ ኣብ ሰብ ዘሎ ነገር ዝፈልጥከ እንታዋይ ሰብ እዩ፤ ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኮይስ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ እኳ ዝፈልጥ የልቦን፡፡

መንፈስ ቅዱስ መለኮታዊ ኣካል ምዃኑ ኣርጊጽና ንፈልጥ ከመይሲ ንሱ ኣእምሮ፡ ስምዒትን ፍቓድን ኣለዎ፡፡ መንፈስ ቅዱስ ይሓስብን ይፈልጥን (1ቆሮንጦስ 2፡10)፡፡ መንፈስ ቅዱስ ይጒሂ (ኤፌሶን 4፡30)፡፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንታና ይልምን (ሮሜ 8፡26-27)፡፡ ከም ፍቓዱ ድማ ይውስን (1ቆሮንጦስ 12፡7-11)፡፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ፡ ሳልሳይ ኣካል ስላሴ፡ ኣምላኽ እዩ፡፡ ከም ኣምላኽ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ከምቲ የሱስ ዝበሎ መጸናንዕን መራሕን እዩ (ዮሃንስ 14፡16,26፤ 15፡26)፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መንፈስ ቅዱስ መን እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries