settings icon
share icon
ሕቶ

ኣምላኽ ሎሚ ይዛረብ?

መልሲ


ኣምላኽ ብዝስማዕ ድምጺ ጌሩ ንሰባት ተዛሪቡ ከምዝፈልጥ መጽሓፍ-ቅዱስ ሰኒድዎ ኣሎ (ዘጸኣት 3፡14 ፥ እያሱ 1፡1 ፥ መሳፍንቲ 6፡18 ፥ 1 ሳሙኤል 3፡11 ፥ 2 ሳሙኤል 2፡1 ፥እዮብ 40፡1 ፥ ኢሳይያስ 7፡3 ፥ ኤርምያስ 1፡7 ፥ ግብሪ ሃዋ 8፡26 , 9፡15) እዚ ቅሩብ ኣብነት እዩ ። ሎሚ እውን እንተኾነ ኣምላኽ ብዝስማዕ ድምጺ ንሰብ ክዛረብ ዘይክእለሉ መጽሓፍ-ቅዱሳዊ ምኽንያት የለን ። ኣምላኽ ዝተዛረበሉ ኣማኢት ግዜታት ኣብ ውሽጢ 4,000 ዓመታት ናይ ዝሓለፈ መዋእላት ከምዝነበረ ክንዝክር ይግባኣና ፡፡ ኣምላኽ ብዝስማዕ ድምጺ ክዛረብ ፍሉይነት ኣለዎ፡መምርሒ ግና ኣይኮነን። ኣብ መጽሓፍ-ቅዱሳዊ ሰነዳት እውን እንተኾነ እቲ ፍጻመታት ድምጺ ኣምላኽ ፡ ብዝስማዕ ድምጺ ድዩ ኔሩ ወይ ውሽጣዊ ድምጺ ጥራይ ወይስ ኣብ ኣእምሮኦም ዝስምዖም ምንባሩ ኲሉ ሳዕ ብሩህ ኣይኮነን ፡፡

ኣምላኽ ሎሚውን ንሰባት ይዛረቦም እዩ ፡፡ መጀመርታ፡ ኣምላኽ ብቃሉ ይዛረበና (2 ጢሞ 3፡16-17)፡ ኢሳይያስ 55፡11 እውን፡ " እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ፡ ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር፡ ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ" ይብለና። መጽሓፍ-ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ቃል እዩ ፡ ኲሉ እቲ ንምድሓንን ንክርስትያናዊ ህይወትን ክንፈልጦ ዘድልየና ኣብኡ ኣሎ ። 2ይ ጴጥሮስ 1፡3 ዝእውጆ ፡ እቲ ብፍልጠት ክብሩን ደግነቱን ዝጸውዓና ኣምላኻዊ ሓይሉ ንህይወትን ንፍርሃት እግዚኣብሄርን ዚኸውን ኵሉ ሂቡና እዩ ፡፡

ኣምላኽ ብፍጻመታት ኣቢሉ እውን ይዛረበና እዩ ፡

እዚ ማለት ከኣ ፡ ንኲነታትና ስርዓት ኣትሒዙ ክመርሓና ይኽእል እዩ ። ከምኡውን ብሕልናና ኣቢሉ ሕማቕን ጽቡቕን ክንመሚ ኣምላኽ የኽእለና (1 ጢሞቴዎስ 1፡5 ፥ 1 ጴጥ 3፡16)፡፡ ሓሳባቱ ክንሓስብ ምእንቲ፡ ንኣእምሮና የሐድሶ ኣሎ (ሮሜ 12፡2)፡፡ ኣምላኽ ብኲነታትና ኣቢሉ ይመርሓናን ይልውጠናን፡ መንፈሳዊ ህይወትና ክንዓቢ የኽእለናን (ያእቆብ1፡5 ፥ እብ 12 ፡ 5-11) ፡፡ 1ይ ጴጥሮስ 6፡7 ዘዘኻኽረና ፡ " እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዅላዕ ንሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ፡ እንተ ኣድለየስ፡ ሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስጕሄኹም፡ ብእኡ ኽትሕጎሱ ኢኹም ፡፡ "

ሓደሓደ ግዜ ኣምላኽ ብዝስማዕ ድምጺ ጌሩ ንገለ ሰባት ክዛረብ ይኽእል እዩ ፡፡ ግን ከኣ ከምቲ ገሌታቶም ዝብልዎ ብዙሕ ሳዕ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ምዃኑ ኣዝዩ የጠራጥር ። ኣብቲ ናይ መጽሓፍ-ቅዱስ እውን እንተኾነ ከም ፍሉይነት እምበር ከም ልሙድ ኣይኮነን ኔሩ ፡፡ ዝኾነ ሰብ ኣምላኽ ተዛሪቡኒ እንተበለ ፡ኲሉሳዕ ነቲ ዝብሎ ዘሎ ምስቲ መጽሓፍ-ቅዱስ ዝብሎ ኣነጻጽሮ ፡፡ ኣምላኽ ሎሚ እንተዝዛረብ ኔሩ ፡ እቲ ቃላቱ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ-ቅዱስ ኢልዎ ዝነበረ ምሉእ ንምሉእ ምተሰማምዐ ኔሩ (2ጢሞቴዎስ 3፡16-17)፡፡ ኣምላኽ ዝጋራጮ ቃላት የብሉን።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኣምላኽ ሎሚ ይዛረብ?
© Copyright Got Questions Ministries