settings icon
share icon
ሕቶ

ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እንታይ ማለት እዩ?

መልሲ


መጽሓፍ -ቅዱስ ከመይ ጌሩ ንፍቕሪ ገሊጽዎ ኣሎ ንርአ እሞ ፡ ኣምላኽ ፍቕሪ ዝባህሪኡ ምዃኑ ገለ መገድታት ክንርኢ ኢና። ፍቕሪ ዓቃል እያ ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ (1 ቆሮንቶስ 13፡ 4-8) ፡፡ እዚ እዩ ናይ ኣምላኽ መግለጺ ፍቕሪ ፡ ኣምላኽ ፍቕሪ ስለዝዀነ (1ዮሃንስ 4፡8)፡ ከምዚ እዩ ዝመስል ፡፡

ፍቕሪ (ኣምላኽ) ንዝኾነ ሰብ ኣየገድድን እዩ ፡ እቶም ናብኡ ዝመጹ ብፍቕሩ ተሳሒቦም እዮም ዝመጹ ፡፡ ፍቕሪ (ኣምላኽ) ንኲሉ ሕያውነት የርኢ ፡፡ ፍቕሪ (የሱስ) ብዘይ ኣድልዎ ንኲሉ ጽቡቕ እናገበረ ዞረ ፡፡ ፍቕሪ (የሱስ) ብካልኦት ኣይቀንአን ፡ ብዘይ ምጒርምራም ብትሕትና ደኣ ነበረ ፡፡ ፍቕሪ (የሱስ) ኣብ ስጋ ከሎ ብመንነቱ ኣይተጃህረን ፡ ንዝረኸቦ ዘበለ ሓይሉ ከርእዮ እናኸኣለ ከሎ። ፍቕሪ (ኣምላኽ) ምእዛዝ ኣይጠልብን እዩ። ኣምላኽ ካብ ወዱ ምእዛዝ ኣይጠለበን ፡ እንታይ ደኣ ፡ የሱስ ብፍቓዱ ንሰማያዊ ኣቦኡ ተኣዚዝዎ። " ኣነ ንኣቦ ኸም ዘፍቅሮን፡ ከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒውን ከም ዝገብርን፡ ዓለም…ኽትፈልጥ"(ዮሃንስ 14፡31)፡፡ ፍቕሪ (የሱስ) ኲሉ ሳዕ ብዛዕባ ካልኦት እዩ ዝግደስ ፡፡

እቲ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና ዝተነግረና ኣብ ዮሃንስ 3፡16 ይርከብ፡ ዮሃንስ 3፡16 ፡ ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ሮሜ 5፡8 ሕደ ዓይነት መልእኽቲ እያ ትእውጅ ፡ " ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ።" ካብ’ዞ ጥቕስታት ከምንርእዮ እቲ ዝዓበየ ድሌት ኣምላኽ ኣብ’ቲ ናይ ዘልኣለም ቤት፡ ሰማይ ክንሓብሮ እዩ። ነዚ ድማ ስለ ሓጢኣትና ዋጋ ከፊሉ ነቲ መገዲ ከፊቱልና እዩ። ንሱ ዘፍቀረና ከምኡ ክገብር ከም ተግባር ናይ ፍቓዱ መሪጹ። ፍቕሪ ሓዳግ እያ። "ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኪብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ"(1ይ ዮሃንስ 1፡9)።

እምበኣር ፡ ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እንታይ ማለት ኰን እዩ ? ፍቕሪ መለለዪ ባህሪ ኣምላኽ እዩ ። ፍቕሪ ኣውራ ባህርያዊ ገጽ ናይ ኣምላኽ እዩ ፡፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ምስ ቅድስናኡን ጽድቁን ፍትሑን ምስቲ ቊጥዓኡ እውን እንተኾነ ኣይጋጮን እዩ፡፡ኲሎም መለለዪ ባህርያት ኣምላኽ ኣብ ፍጹም ውህደት ኣለዉ። ኲሉ እቲ ኣምላኽ ዝገብሮ ፍቕሪ እዩ ፡ ከምቲ ኲሉ እቲ ንሱ ዝገብሮ ፍትሓዊ ዝዀነ። ኣምላኽ እቲ ፍጹም ምሳሌ ናይ ሓቀኛ ፍቕሪ እዩ። ብዘገርም ፡ ኣምላኽ ነቶም ንወዱ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኦም ጌሮም ዝተቐበልዎ ፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ፡ ከምቲ ናቱ ናይ ምፍቃር ክእለት ሂብዎም እዩ (ዮሃንስ 1፡12 ፥ 1ዮሃንስ 3፡1, 23-24) ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እንታይ ማለት እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries