settings icon
share icon
ሕቶ

ንምንታይ ኰን እዩ ኣምላኽ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ካብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን በበይኑ ዝዀነ? ኣምላኽ ይልወጥ ድዩ?

መልሲ


ብሱሩ እዚ ሕቶ ካብቲ ብሉይን ሓድሽን ኪዳናት ንባህሪ ኣምላኽ ዝገልጽዎ ካብ ዘይምርዳእ ዝመጸ እዩ። ከምዚ ዘመሰለ ሰረታዊ ሓሳብ ዘምጽኡ ሰባት ዝብልዎ ፡ “ኣምላኽ ብሉይ ኪዳን ናይ ቊጥዓ ኣምላኽ እዩ ፡ ኣምላኽ ሓድሽ ኪዳን ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ።” እቲ ክውንነት ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ናይ ቀጻሊ መግለጺ ገዛእ-ርእሱ ንዓና ማለት ብመገዲ ታሪኻዊ ፍጻመታትን ብመገዲ ርክቡ ምስ ሰባት ኣብ ሙሉእ ታሪኽ ዓለምን ስለዝኾነ እዚ ድማ ብዛዕባ ንጽጽር ናይ ብሉይን ሓድሽን ኣምላኽ ግጉይ ርድኢታት ከስዕብ ይኽእል እዩ። ኮይኑ ግና ፡ ንብሉይን ሓድሽን ዘንበበ ሰብ ፡ ኣምላኽ ካብ ሓደ ኪዳን ናብ ካልእ ኪዳን በበይኑ ዘይምዃኑ ንጹር እዩ ፡ ቊጥዓ ኣምላኽን ፍቕሩን ከኣ ኣብ ክልቲኡ ኪዳናት ተገሊጹ ኣሎ ፡፡

ንኣብነት ኣብ መላእ ብሉይ ኪዳን ፡ ኣምላኽ መሓርን ጸጋውን ምዃኑ ፡ ንኲራ ደንጓዪ ብዓል ብዙሕ ሳህልን እምነትን ምዃኑ ተኣዊጁ እዩ (ዘጸኣት 34፡6 ፥ ዘሁልቊ 14፡18 ፥ ዘዳግም 4፡31 ፥ ነህምያ 9፡17 ፥ መዝሙር 86፡5 ,15 ፥ 108፡4 ፥ 145፡8 ፥ ዮኤል 2፡13) ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግና ፡ ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ምሕረትን ዝያዳ ዝተጋህደ ፡ በቲ ኣምላኽ ንሓደ ወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ንዓለም ዘፍቀሮን ብእኡ ዝኣመነ ናይ ዘልኣለም ህይወት ይረክብ እምበር ኣይጠፍእን (ዮሃንስ 3፡16)። ኣብ መላእ ብሉይ ኪዳን ፡ ከምቲ ሓደ ፈቃር ኣቦ ንውሉዱ ዝኣልዮ ከምኡ ድማ ኣምላኽ ንእስራኤል ይኣልዮም ፡፡ ብፍቓዶም ንእኡ ተጻሪሮም ንካልኦት ኣማልኽቲ ምስዝሰግዱ ከኣ ኣምላኽ ይገንሖም ነበረ ፡፡ እንተኾነ ግና፡ ካብቲ ኣምልኾ ጣኦቶም ኣብ ዝምለሱሉ ግዜ የድሕኖም ነበረ። ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ ኣብ ናይ ሓድሽ ኪዳን ክርስትያናት ዝገብሮ ኣቀጻጽዓ ፡፡ ንኣብነት እብራውያን 12፡6 ዝነግረና ፡ እግዚኣብሄር ንዘፍቅሮ ይቐጽዖ ፡ ነቲ ከም ውሉዱ ንዝቕበሎ ዘበለ ይቐጽዖ።

ብተመሳሳሊ መገዲ ፡ ኣብ መላእ ብሉይ ኪዳን ቊጥዓ ኣምላኽን ፍርዱን ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ክፈስስ ከሎ ኢና ንርኢ ፡፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብተመሳሳሊ ቊጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዂሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ(ሮሜ 1፡18)፡፡ስለዚ ብንጹር ፡ ኣምላኽ ብሉይ ኪዳን ካብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ዝተፈልየ ኣይኮነን ፡፡ ኣምላኽ ብባህሪኡ ዘይልወጥ እዩ ፡ ሓደ መዳይ ገጹ ካብቲ ካልእ መዳያቱ ዝያዳ ጎሊሑ ንርእየሉ ክፍሊ ጽሑፋት እኳ እንተሎ ፡ ኣምላኽ ንርእሱ ኣይልወጥን እዩ ፡፡

ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ነንብበሉን ነጽንዓሉን ፡ ኣምላኽ ኣብ ብሉይ ኰነ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ሕደ ምዃኑ ንጹር ይኸውን ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ 66 እንተኾነ እኳ ፡ ኣብ ክልተ (ወይ እውን ሰለስተ) ኣህጉራት ዝተጻሕፉ ንጽል መጻሕፍቲ ፡ብሰለስተ በበይኖም ቋንቋታት ዝተጻሕፈ ፡ልዕሊ 1500 ዓመታት ዝወሰደ ፡ ካብ 40 ዝበዝሑ ደረስቲ ዘለውዎ ፡ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ክሳዕ መወዳእታ ተገራጫውነት ዘይብሉ ውሁድ መጽሓፍ ኰይኑ ጸኒሑ ኣሎ ፡፡ እቲ ፈቃር መሓሪ ፍትሓውን ኣምላኽ ኣብ ኲሉ ዓይነት ኲነታት ምስ ሓጥኣን ከመይ ጌሩ ይራኸብ ምንባሩ ኣብኡ ንርኢ ። ብሓቂ ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኣምላኽ ንደቅሰብ ዝተጻሕፈ ናይ ፍቕሪ ደብዳበ እዩ። ኣምላኽ ንፍጥረቱ ብፍላይ ከኣ ንደቅሰብ ዘለዎ ብሉጽ ፍቕሪ ፡ ኣብቲ ጽሑፍ ርጉጽ ነገር እዩ ፡፡

ኣብ መላእ እቲ መጽሓፍ ኣምላኽ ብፍቕሩን ምሕረቱን ንሰባት ናብ ፍሉይ ሕብረቱ ክጽውዖም ከሎ ኢና ንርኢ። ስለ ዝግብኦም ዘይኮነስ ፡ መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፡ ንኲራ ደንጓዪ ብሳህልን ሓቅን ምሉእ ብምዃኑ ደኣምበር። ኮይኑ ግና ፡ ፈራዲ ኲሎም እቶም ንቃሉ ዘይእዘዙን ንእኡ ከይሰግዱ ዝሕንግዱን ዝኾነ ቅዱስን ጻድቕን ኣምላኽ ምዃኑ እውን ንርኢ ኣሎና ፡ ንሳቶምሲ ኣብ ክንድኡስ ናብ ኣማልኽቲ ገዛእ ርእሶም ደኣ ተመልሱ (ሮሜ ምዕራፍ 1)፡፡

ኣምላኽ ጻድቕን ቅዱስን ባህሪ ስለዘለዎ ፡ ኲሉ እቲ ዝሓለፈን ዘሎን ናይ መጻእን ሓጢኣት ክፍረድ ኣለዎ ፡፡ ኣምላኽ በቲ ዘይውሰን ፍቕሩ ንሓጢኣት ዝኸውን ክፍሊትን መገዲ ዕርቅን ኣዳልዩ ፡ እቲ ሓጥእ ሰብ ካብቲ ቊጥዓኡ ከምልጥ ክኽእል ምእንቲ። እዚ ግሩም ሓቂ ኣብ ከም 1 ዮሃንስ 4፡10 ዘመሰለ ጥቕሲ ንረኽቦ ኢና ፡ " ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር ፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን ፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ ። "ኣብቲ ብሉይ ኩዳን ፡ ኣምላኽ ናይ መስዋእቲ ስርዓት ኣዳልዩ ኔሩ እዩ ፡ ስርየት ሓጢኣት ክግበረሉ ዝኽእል ፡፡ እዚ ናይ መስዋእቲ ስርዓት ግዜያዊ ጥራይ ነበረ ፡ ነቲ ዝመጽእ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ የመልክት ነበረ ፡ ኣብ መስቀል ሞይቱ ምሉእ ስርየት ሓጢኣት ዝገብር። ኣብቲ ብሉይ ኪዳን ዝተነግረሉ መድሓኒ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብምልኣት ተገሊጹ እዩ ፡፡ ኣብቲ ብሉይ ኪዳን ብራኢ ይጥመት ኔሩ ፡እቲ ናይ መወዳእታ መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ ፡ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ምልኣኹ ፡ ምስናይ ምሉእ ክብሩ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ተገሊጹ እዩ። ብሉይን ሓድሽ ኪዳንን ብምድሓን ከለብሙና እዮም ተዋሂቦምና (2 ጢሞ 3፡15) ፡፡ ነቶም ኪዳናት ቅርብ ኢልና ከነጽንዖም ከሎና ፡ ኣምላኽ ከም ምምልላስ ጽላሎት ዘይልወጥ ምዃኑ ርግጽ ነገር እዩ

(ያእቆብ 1፡17) ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ንምንታይ ኰን እዩ ኣምላኽ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ካብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን በበይኑ ዝዀነ? ኣምላኽ ይልወጥ ድዩ?
© Copyright Got Questions Ministries