settings icon
share icon
ሕቶ

ክርስትያናት ናብ ሓኪም ክኸዱ ይግባእ ዶ?

መልሲ


ገለ ክርስትያናት ኣለው ሕክምናዊ ሓገዝ ምድላይ ከም ኣብ ኣምላኽ እምነት ዘይምህላው እዩ ዘርኢ ኢሎም ዝኣምኑ። ኣብ ምንቅስቓስ ቃል-እምነት፡ ኣብ ሓኪም ምርኣይ ከም እምነት ምጥፋእ እዩ ዝውሰድን እዚ ድማ ኣምላኽ ንዓኻ ካብ ምፍዋስ ይዓግትን። ኣብ ከም ክርስትያን ሳይንስ ዝኣመሰለ ጉጅለታት፡ ሓደ ሓደ ግዜ ምድላይ ሓገዝ ሓካይም ከም ዕንቅፋት ምጥቃም እቲ ገዛእ ርእስና ክንፍውስ ኣምላኽ ዝሃበና መንፈሳዊ ጽዓት እዩ ዝረአ። ስነሞጎት ናይ’ዞም ኣረኣእያታት ከኣ ብዙሕ ይጎድሎ። መኪናኻ እንተድኣ ተሴራ ኮይና፡ ናብ መካኒክ ዲኻ ትወስዳ ወይስ ኣምላኽ ታኣምራት ክገብርን ክዕርያን ኢኻ ትጽበ? ኣብ ገዛኻ ዘሎ ትቦ እንተድኣ ነቲዑ፡ ንኣምላኽ ዲኻ ከግጥመልካ ትጽበ ወይስ ዘግጥም ድራውሊኮ ኢኻ ትጽውዕ? ኣምላኽ ከም’ቲ ንኣካላትና ዝፍውስ መኪና ምዕራይ ወይ ምግጣም ትቦ ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ታኣምራት ክገብር ይኽእልን ይገብርን እዩ ዝብል ሓቂ ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ ክንዲ ንክሕግዙና ፍልጠትን ክእለትን ዘለዎም ሰባት ምንዳይ ታኣምራት ክንጽበ ኣሎና ማለት ኣይኮነን።

ሓካይም ዳርጋ ደርዘን ዝኸውን ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶ ኣለው። ሓደ ሰብ ናብ ሓኪም ክኸይድ ከምዘይብሉ እታ እንኮ ካብ ዓውደ ጽሑፍ ወጻኢ እትውሰድ ጽሕፍቲ ድማ 2 ዜና መዋእል 16፡12 እያ። “ኣሳ ኸኣ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመት መንግስቱ ኣእጋሩ ሐመመ፡ እቲ ሕማሙ ኣዝዩ ብርቱዕ ኰነ። በቲ ሕማሙ ግና ንሓኪማት እምበር፡ ንእግዚኣብሄር ኣይደለዮን።” እቲ ጉዳይ ኣሳ ንሓካይም ምውካሱ ኣይኮነን እንታይ ደኣ “ካብ እግዚኣብሄር ሓገዝ ኣይደለየን”፡ ዋላ’ውን ናብ ሓኪም ክንከይድ ከሎና፡ ናህና ኩሉ እምነትና ኣብ ኣምላኽ እምበር ኣብ ሓኪም ክኸውን የብሉን።

ብዙሓት ጥቕስታት ኣለው ምጥቃም “ሕክምናዊ ፍወሳታት” ዝዛረቡ፡ ከም ምጥቃም ባንደጃት ወይ ፋሻታት (ኢሰያስ 1፡6)፡ ዘይቲ (ያዕቆብ 5፡14)፡ ዘይትን ወይንን (ሉቃስ 10፡34)፡ ኣቑጽልቲ (ህዝቂኤል 47፡12)፡ ወይኒ (1 ጢሜጢዎስ 5፡23)፡ ከምኡ’ውን ቦማታ፡ ብፍላይ “ፈውሲ ናይ ጊልዓድ” (ኤርሚያስ 8፡22)። ብተወሳኺ፡ ጸሓፊ ናይ ግብረሃዋርያትን ወንጌል ሉቃስን ከኣ ብ ጳውሎስ “ፍቁር ሓኪም” ተባሂሉ ተጠቒሱ ኣሎ (ቆሎሴ 4፡14)።

ማርቆስ 5፡25-30 ድማ ዛንታ ናይ ሓንቲ ዘየቋርጽ ደም ምፍሳስ ዝነበራ ሰበይቲ እዩ ዝምልከት፡ ዋላ’ኳ ናብ ብዙሓት ሓካይም እንተኸደትን ኩሉ ገንዘባ እንተወደአትን እዞም ሓካይም ነዚ ጸገማ ክፍውስዎ ኣይክኣሉን። ናብ የሱስ ብምምጻእ ጫፍ ናይ ክዳኑ እንተተንክየ ክፍወስ እየ ኢላ ሓሲባ ነቲ ጫፍ እቲ ክዳን ተንክያቶ ሓውያ ድማ። የሱስ ነቶም ፈሪሳውያን ንምንታይ ምስ ሓጥኣን ግዜ ይወስድ ኣሎ ክምልሰሎም እንከሎ ከም’ዚ ኢልዎም፡ “ንሓኪም ሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣየድልይዎን” (ማቴዎስ 9፡12)። ካብዞም ጥቕስታት ሓደ ሰብ ነዞም ዝስዕቡ መምርሒታት ክውጽእ ይኽእል።

1) ሓካይም ኣምላኽ ኣይኮኑን ከምኡ ድማ ክውሰዱ የብሎምን። ሓደ ሓደ ግዜ ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም፡ ኮይኑ ግን ኣብ ካልእ ግዜ ክገብርዎ ዝኽእሉ ምውሳድ ገንዘብ ጥራይ እዩ ዝኸውን ።

2) ሓካይም ምንዳይን “ምድራዊ” ፈውስታት ምጥቃምን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኩልኩል ኣይኮነን። ከም ሓቂ፡ ሕክምናዊ ፍወሳታት ብጽቡቕ ዓይኒ እዮም ዝርኣዩ።

3) ኣብ ዝኾነ ኣካላዊ ጸገም ናይ ኣምላኽ ኢድ ምድላይ ግቡእ እዩ (ይዕቆብ 4፡2፡ 5፡13)። ንሱ በቲ ንሕና ኩሉግዜ ንደልዮ ክምልስ ቃል ኣይኣቱን እዩ (ኢሰያስ 55፡8-9)፡ ኮይኑ ግን ኩሉ ንሱ ዝገብሮ ብፍቕሪን ንዓና ብዝበለጸ ብዘርብሕን ከምዝኾኑ ርግጸኛታት ኢና (መዝሙር 145፡8-9)።

ስለዚ፡ ክርስትያናት ናብ ሓኪም ክኸዱ ይግባእ ድዩ? ኣምላኽ ከም በላሕቲ ፍጡራት እዩ ፈጢሩና ከምኡድማ መድሃኒታት ክንሰርሕን ኣካላትና ከመይ ጌርና ንሕክምን ክእለት ሂቡና እዩ። ነዚ ፍልጠትን ከምኡድማ ክእለት ናይ ምሕካም ኣካላት ምጥቃም ሽግር የብሉን። ሓካይም ከም መሳርሒ ንናይ ኣምላኽ ፈውስን ምጥዓይን ዘምጽኡ ኮይኖም፡ ከም ናይ ኣምላኽ ህያብ ክረኣዩ ይኽእሉ እዮም። ብተመሳሳሊ ድማ፡ ጠቕላላ ናህና እምነትን ትውክልትን ኣብ ኣምላኽ እምበር ኣብ ሓካይምን መድሃኒታትን ክኸውን የብሉን። ከም ኩሎም ከበድቲ ውሳኔታት፡ ነቲ ምስ ሓተትናዮ ጥበብ ክህበና ቃል ዝኣተወልና ኣምላኽ ክንደልዮ ይግብኣና (ያዕቆብ 1፡5)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ክርስትያናት ናብ ሓኪም ክኸዱ ይግባእ ዶ?
© Copyright Got Questions Ministries