settings icon
share icon
ሕቶ

ክርስትና እንታይ እዩ፡ ክርስትያን እንታይ ይኣምኑ?

መልሲ


1ቆሮንጦስ 15፡1-4 ከምዚ ይብል፡ ኣሕይዋተየ፡ ንኸንቱ ኣሚንኩም እንተ ዘይኮንኩምሲ፡ ከምቲ ኣነ ዝሰበኽክዎ ጌርኩም ሒዝኩምዎ እንተ ኣሊኹምሲ፡ እቲ ዝሰበኽኩልኩምን እተቐበልኩምዎን ኣብኡ ጸኒዕኩም ዘለኹምን ብእኡውን እትድሕንሉን ወንጌል ኤፍልጠኩም ኣለኹ፡፡ እቲ ኣነ እተቐበልክዎ ቕድሚ ኹሉ ነጊረኩም እየ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዝብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ተቐብረ ኸኣ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዝብልዎ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስአ፡፡

ብሓጺሩ እዚ ሕመረት እምነት ክርስትና እዩ፡፡ ክርስትና፡ ካብ ካልእ ሃይማኖታትን እምነታትን ተፈልዩ፡ ብዛዕባ ርክብ ምስ ኣምላኽ እምበር ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ስርዓትን ልምድን ኣይኮነን፡፡ ክርስትና ማለት ከምዝን ከምትን ግበር ወይ ኣይትግበር ዘይኮነስ ብዛዕባ ምስ ኣምላኽ ጠቢቕካ ምጒዓዝ እዩ፡፡ እዚ ክርስትና ዝብሎ ርክብ ብሳላ ዕዮ የሱስ ክርስቶስን ኣገልግሎት መንፈስ ቅዱስን እዩ፡፡

ክርስትያን ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ኣምላኽ ዝተንፈሶ (ዘውስኦ) ቓል ይቕበልዎ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎን ዝምህሮን ድማ ዝለዓለ ስልጣን ከም ዘለዎ ይኣምኑ (2ጢሞቴዎስ 3፡16፤ 2ጴጥሮስ 1፡20-21)፡፡ ክርስትያን ኣብ ሓደ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰለስተ ኣካላት ዝኾነ ማለት እግዚኣብሄር ኣቦ፡ እግዚኣብሄር ወልድ (የሱስ ክርስቶስ)፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ይኣምኑ፡፡

ክርስትያን፡ ሰብ ምስ ኣምላኽ ንኽነብር ከም ዝተፈጥረ ግናኸ ሰብ ብሰሪ ሓጢኣቱ ካብ ኣምላኽ ከም ዝተፈልየ ይኣምኑ (ሮሜ 3፡23፤ 5፡12)፡፡ ክርስትያን፡ የሱስ ክርስቶስ ምሉእ ኣምላኽን ምሉእ ሰብን ኮይኑ ኣብዛ ዓለም ከም ዝመጸን (ፊልጲ 2፡6-11) ኣብ መስቀል ከም ዝሞተን ይኣምኑ፡፡ ክርስትያን፡ ክርስቶስ ድሕሪ ሞቱ ከም ዝተቐብረ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ከም ዝተንስአ፡ ሕጂ ድማ ኣብ የማን ኣቦ ኮይኑ ምእንቲ ኣመንቲ ከም ዘማልድን ይኣምኑ (እብራውያን 7፡25)፡፡ ክርስትና፡ ሞት ክርስቶስ ኣብ መስቀል ንኹሉ እቲ ሰብ ዝዕደዮ መቕጻዕቲ ብምልኣት ክኸፍሎን ነቲ ዝተበትከ ርክብ ኣምላኽን ሰብን ብምልኣት ከሐድሶን ምሉእ ብቕዓት ከም ዘለዎ ይእውጅ (እብራውያን 9፡11-14፤ 10፡10፤ ሮሜ 5፡8፤ 6፡23)፡፡

ሰብ ንኽድሕን ምሉእ እምነቱን ትውክልቱን ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝፈጸሞ ዕዮ ከንብር ኣለዎ፡፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ ንዕዳ ሓጢኣት ክኸፍል ኣብ ክንዲ ሰብ ከም ዝሞተን ዝተንስአን ምስ ዝኣምን ድሮ ድሒኑ ኣሎ፡፡ ሰብ ምእንቲ ክድሕን ክገብሮ ወይ ክፍጽሞ ዘለዎ ሓንቲ እኳ የልቦን፡፡ ኩሉ ክንገብሮ እንኽእል ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምሉእ ተቐባልነት ሃልይዎ ከሐጉሶ ኣይክእልን እዩ ከመይሲ ኩልና ድሮ ሓጥኣን ኢና (ኢሳይያስ 53፡6፤ 64፡6-7)፡፡ ተወሳኺ ክግበር ዝኽእል የልቦን ከመይሲ ክርስቶስ ንኹሉ እቲ ዕዮ ፈጺምዎ እዩ፡፡ ኣብ መስቀል ኮይኑ ተፈጸመ በለ (ዮሃንስ 19፡30)፡ እዚ ማለት ድማ ኩሉ ዕዮ ድሕነት ብምልኣት ተፈጺሙ እዩ፡፡

ከምቲ ድሕነት ንምርካብ ክንገብሮ እንኽእል ዘየልቦ ድማ ሓደ ሰብ ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝዓየዮ ምስ ኣመነ፡ እቲ ዕዮ ድሮ ስለ ዝተፈጸመ፡ እቲ ሰብ ድሕነቱ ከጥፍእ ኣይክእልን እዩ፡፡ ድሕነትሲ ከቶ ካብቲ ድሕነት ዝቕበል ሰብ ኣይኮነትን፡፡ ዮሃንስ 10፡27-29 ከምዚ ይብል፡ እተን ኣባጊዐይ ግና ድምጸይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ የለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ፡፡ ኣነ ኸኣ ህይወት ዘልኣለም እህበን፡ ንዘልኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይውን ዝምንዝዐን የልቦን፡፡ እቲ ንኣታተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኩሉ ይዓቢ እዩ፡ ካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ክምንዝዐን ዝኽእል የልቦን፡፡

ገሊኣቶም ግና እሞ ሓንሳእ ድሕነት ካብ ረኸብኩ፡ ድላየይ ገይረ ድሕነተይ ኣይስእንን እየ እናበሉ ብፍቓድ ርእሶም ከም ፍታዎም ክኸዱ ዝኽእሉ ይመስሎም፡፡ ድሕነት ማለት ግን ካብቲ ኣረጊት ሓጥእ ፍጥረት ሓራ ወጺእካ ምስ ኣምላኽ ብሓርነት ምንባር እዩ፡፡ ቅድም ባራዩ ሓጢኣት ነበርና፡ ሕጂ ግና ግዙኣት ክርስቶስ ኢና (ሮሜ 6፡15-22)፡፡ ኣመንቲ ኣብ ዓለም ክሳዕ ዝሃለዉ ኸኣ ብሓጢኣት ክጽገሙን ኣንጻር ሓጢኣት ቀጻሊ ክጋደሉን እዮም፡፡ ይኹን እምበር ክርስትያን ንቓል ኣምላኽ ብምጽናዕን ኣብ ህይወቶም ብምግባርን ከምኡ ድማ ንመንፈስ ቅዱስ ብምግዛእን ብምእዛዝንኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ክዕወቱ ይኽእሉ እዮም፡፡

ስለዚ፡ ብዙሓት ሃይማኖታት ንሰብ ክገብሮ ዝግብኦን ዘይግብኦን ክመልእ ዝጠልብ ይኹና እምበር ክርስትና ግን ክርስቶስ ንዕዳ ሓጢኣትና ንምኽፋል ምእንታና ኣብ መስቀል ከምዝሞተ ምእማን እዩ፡፡ ዕዳ ሓጢኣትና ካብ ተኸፍለ ድማ ምስ ኣምላኽ ክንነብር ንኽእል ኢና፡፡ ኣብ ልዕሊ ሓጥእ ባህርይና ክንዕወትን ብምእዛዝ ድማ ምስ ኣምላኽ ንነብር፡፡ እዚ እዩ እቲ ሓቀኛ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ክርስትና፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ክርስትና እንታይ እዩ፡ ክርስትያን እንታይ ይኣምኑ?
© Copyright Got Questions Ministries