settings icon
share icon
ሕቶ

ክርስትያናዊ ርእየት/ኣተሓሳስባ ዓለም እንታይ እዩ?

መልሲ


ሓደ “ርእየት ዓለም” ካብ ንጹር መርገጺ ዝተበገሰ፡ ንሓደ ሰፊሕ እማረ ናይ ዓለም የመልክት። “ክርስትያናዊ ርእየት/ኣተሓሳስባ ዓለም” እምበኣር፡ ካብ ክርስትያናዊ ንጹር መርገጺ ዝተበገሰ፡ ናይ ዓለም ሰፊሕ እማረ እዩ። ኣተሓሳስባ ውልቀ-ሰብ፡ ብዛዕባ ዓለም ዘለዎ፡ ውህደት ኩሎም እምነታቱ ዘርኢ ናቱ “ዓቢዪ ስእሊ” እዩ። ንክውነት ብመገዱ ዘለዎ ርድኢት እዩ። ናይ ሓደ ሰብ፡ ኣረኣእያ/ኣተሓሳስባ እምበኣር፡ ናይ ኩሎም ነንዕለት ዝውስኖም ውሳኔታት ሰረት ምዃኑን፡ ስለዚ ከኣ ኣዝዩ ኣገዳስን ይገብሮ።

ሓንቲ ኣብ ጠረጴዛ ዝተቐመጠት ቱፋሕ ብብዙሓት ሰባት ትርአ ኣላ። ሓደ ናብኣ ዝጥምት ስነ ኣትክልተኛ ሰብ፡ ብናቱ መገዲ ይኸፋፍላ እዩ። ሰኣላይ ድማ ብህየታ ይርእያን ይስእላን። በዓል ድኳን ድማ፡ ከም ንብረት ይርእያን፡ ኣብ ዝርዝር ንብረት ይምዝግባን። ህጻን ድማ ምሳሕ ይረኣዮን ይምገባን። ኣብ ዝኾነ ኩነት እንርእዮ፡ በቲ ብዓብዪ ኣብ ዓለም እንምልከቶ ይጽለው እዩ። ነፍሲ ወከፍ ርእየት-ዓለም፡ ክርስትያናዊን ዘይክርስትያናውን፡ ብውሕዱ በዞም ሰለስተ ሕቶታት ዝተሰነየ እዩ:

1) ካበይ ዝመጻእና ኢና? (ከምኡ’ውን ስለምንታይ ኣብዚ ኣሎና?)

2) ኣብዛ ዓለም እንታይ እዩ እቲ ጸገም?

3) ከመይ ክንፈትሖ ንኽእል?

እቲ ሎሚ ዘሎ፡ ነቶም ሰለስተ ሕቶታት፡ ብከምዚ ዝምልስ፡ ሰፊሕ ርእየት ዓለም ተፈጥሮኣውነት እዩ: 1) ንሕና፣ ብዘይ ፍሉጥ ዕላማ፡ ውጽኢት ዘይስሩዕ፡ ግብርታት ተፈጥሮ ኢና። 2) ከምቲ ዝግብኦ፣ንሕና ንተፈጥሮ ክብሪ ዘይነኽብር ኢና። 3) ብሚዛናዊ ሓለዋ ከባቢን፡ ዕቓበን ነዛ ምድሪ ከንድሕና ንኽእል ኢና። ናይ ተፈጥሮነታዊ ርእየት፡ ከም ተዛምዶ ሞራል/ፍናን፡ ምሉእነት፡ ተኣምኖ ግብሪታት/ፕራግማታዊን፡ ትምንታዊነትን፡ ዝኣመሰሉ፡ ብዙሕ ተዛማዲ ፍልስፍናታት፡ የመንጭዉ።

ክርስትያናዊ ርእየት ከኣ፡ በቲ ካልእ መዳይ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተሞርኲሱ፡ ነዞም ሰለስተ ሕቶታት ዝምልሶ: 1) ንሕና ፍጥረት ኣምላኽ ኮይንና፡ነዛ ዓለም ክንገዝኣን፡ ምስኡ ኣምላኽ ክንሓብርን፡ ዝተመደብና ኢና። (ዘፍጥረት 1:27-28፣ 2:15)። 2) ንሕና ኣንጻር ኣምላኽ ኣቢስናን፡ ነዛ ምልእቲ ዓለም ግዳይ መርገም ዝገበርናን ኢና (ዘፍጥረት 3)። 3) ኣምላኽ ባዕሉ ብመስዋእቲ ወዱ፡ የሱስ ክርስቶስ ገይሩ፡ ንብዘላ ዓለም ኣድሒንዋን፡ (ዘፍጥረት 3:15፣ ሉቃስ 19:10)፣ ሓደ መዓልቲ ድማ፡ ንኩሉ ፍጥረት፡ ናብቲ ናይ ቀደም ዝነበሮ ፍጹም ኩነት ክሕድሶ እዩ። (ኢሳይያስ 65:17-25)። ናይ ክርስትያን ርእየት ናብ ብፍጽምና ሞራል፡ ተኣምራታት፡ ክብርታት ሰብን፡ ተኽእሎ ድሕነትን ክንኣምን ይመርሓና።

ኣገዳሲ ክርሳዕ ዘይግባእ ነገር ከኣ፡ ርእየት፡ ሰፊሕ/ኣጠቓላሊ እዩ። ንነፍሲ ወከፍ ዓውዲ ህይወት፡ ካብ ገንዘብ ክሳብ ሞራልነት፡ ካብ ፖለቲካ ክሳብ ስነ-ጥበብ፡ ዝትንክፍ/ዝድህስስ እዩ። ሓቐኛ ክርስትያውነት ድማ፣ ኣብ ቤተ-ክርስትያን እንጥቀመሎም፡ ካብ እኩብ ሓሳባት ንላዕሊ እዩ። ክርስትያና፡ በቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምህሮ፡ ንባዕሉ ርእየት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሃይማኖታውን” and a “ዓለማውን” ህይወት ኢሉ ፍጹም ኣይፈላለየን፣ ክርስትያናዊ ህይወት፡ እቲ ህይወት ዝበሃል ጥራሕ፡ ኣብኡ ከምዘሎ እዩ። የሱስ ንርእሱ፡ “እቲ መገዲ፡ እቲ ሓቂ፡ እቲ ህይወት፡” ምዃኑ ገለጸን (ዮሃንስ 14:6) ከምኡ ብምግባር ድማ፡ ርእየትና ኮይኑ ኣሎ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ክርስትያናዊ ርእየት/ኣተሓሳስባ ዓለም እንታይ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries