settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕሽር እንታይ ይብል?

መልሲ


ብዙሓት ክርስትያን ብጉዳይ ዕሽር ይዋጠሩ እዮም፡፡ ኣብ ገለ ማሕበራት ከኣ ጉዳይ ሞባእ ወይ ዕሽር እምብዛ ይጽቀጠሉ፡፡ ብኻልእ ወገን ድማ ብዙሓት ክርስትያን ነቲ ንኣምላኽካ ኣቕርብ ወይ ሃብ ዝብል ማዕዳ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይእዝዘዎን ኣለዉ፡፡ ዕሽር ወይ ሞባእ ንሓጎስን በረኸትን ክኸውን ዝተሰርዐ እዩ፡፡ ኣብ እዋንና ከምኡ ዘይምዃኑ ግና ዘሕዝን እዩ፡፡

ዕሽር ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተሰርዐ እዩ፡፡ እስራኤላውያን ዓሰርተ ሚእታዊት ናይቲ ዘፍረይዎ እኽሊ ወይ ዘፍረይዎ እንስሳ ናብ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ከቕርቡ ዝእዝዝ ሕጊ ኣሎ (ዘሌዋውያን 27፡30፤ ዘሁልቁ 18፡26፤ ዘዳግም 14፡24፤ 2ዜና መዋእል 31፡5)፡፡ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ግና እቲ ሕጊ ብሉይ ኪዳን ሰለስተ ዓይነት ዕሽር ከቕርቡ ይእዝዝ፡፡ ሓደ ዕሽር ንሌዋውያን፡ ሓደ ዕሽር ኣብ ቤት መቕደስን በዓላትን ዝውዕል፡ ሳልሳይ ዕሽር ድማ ንድኻታት ዝውሃብ፡፡ እዚ ኹሉ ተደሚሩ ድማ 23.3 ሚእታዊት ናይቲ እቶት ይኸውን፡፡ ገለ ወገናት ከኣ እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተሰርዐ ዕሽር ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ስርዓት መስዋእቲ ንኽፍጽሙ ክሕግዞም ተባሂሉ ዝተሰርዐ ቀረጽ እዩ ይብሉ፡፡

ሓድሽ ኪዳን ግና ክርስትያን ብሕጊ ዝቕይዶም ስርዓት ዕሽር ኣይኣዘዘን ወይ ኣይደገፈን፡፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ እቲ ውህበት ወይ ምሃብ ከከም ኣታዊ ክኸውን እምበር ብሚእታዊት ተተሚኑ ካብ ኣታዊ ክቐርብ ኣለዎ ኣይበለን (1ቆሮንጦስ 16፡2)፡፡ ገለ ወገናት ከኣ ኣብ ብሉይ ኪዳን ተመርኵሶም ነፍሲወከፍ ክርስትያን እንተወሓደ ዕሽር ኣታዊኡ ከቕርብ ይጠልቡ፡፡

ሓድሽ ኪዳን ስለ ኣገዳስነትን ጠቕምን ሞባእ ወይ ምሃብ ይዛረብ እዩ፡፡ ከምቲ ዝከኣለና ወይ ከከም ዓቕምና ክንህብ ይግብኣና፡፡ እዚ ማለት ከኣ ልዕሊ ዓሰርተ ሚእታዊት ወይ ትሕቲኡ ክኸውን ይኽእል፡፡ ኣብ ዓቕሚ ናይቲ ክርስትያንን ከከም ኣድላይነት ናይታ ስጋ ክርስቶስ ዝኾነት ማሕበርን ይውሰን፡፡ ነፍሲወከፍ ክርስትያን ኣብ ዕሽር ንምስታፍ ኮነ ክንደይ ክህብ ከም ዝግባእ ንኽፈልጥ ጥበብ ካብ ኣምላኽ ይለምን (ያእቆብ 1፡5)፡፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ ኩሉ ዕሽርን ሞባእን ብንጹህ ሃቐና፡ ንኣምልኾ ኣምላኽን ንኣገልግሎት ስጋ ክርስቶስን ክቐርብ ኣለዎ፡፡ ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዝፈቱ እሞ ነፍሲወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኮነስ ከምቲ ብልቡ ዝሕልኖ ይሃብ (2ቆሮንጦስ 9፡7)፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕሽር እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries