settings icon
share icon
ሕቶ

ክርስትያን ንሕጊ ብሉይ ኪዳን ክእዘዝዎ ይግባእዶ?

መልሲ


ነዚ ነገር ንምርዳእ እቲ ቐንዲ ክፍለጥ ዝግብኦ፡ ሕጊ ብሉይ ኪዳን ንህዝቢ እስራኤል እምበር ንክርስትያን ከም ዘይተዋህበ ምፍላጥ እዩ፡፡ ገለ ካብቶም ሕግታት ከኣ እስራኤላውያን ንኣምላኽ ከመይ ዝእዘዝዎን ብምእዛዞም ድማ ከመይ የሐጒስዎን ዝነግሩ እዮም፡ ንኣብነት፡ ዓሰርተ ትእዛዛት፡፡ ካልኦታት ሕግታት ከኣ እስራኤላውያን ንኣምላኽ ብኸመይ የምልኽዎን ንሓጢኣቶም ብኸመይ ይዕረቑን ዝነግሩ እዮም፡ ንኣብነት፡ ስርዓት መስዋእቲ ምቕራብ፡፡ ካልኦት ሕግታት ድማ ንእስራኤላውያን ካብ ካልኦት ኣህዛብ ክፍለዩ ዘኽእሎም እዩ፡ ንኣብነት፡ ኣመጋግባን ኣለባብሳን፡፡ ካብ ሕግታት ብሉይ ኪዳን ንክርስትያን ዝቕይድ ወይ ዝገዝእ የልቦን፡፡ የሱስ ኣብ መስቀል ምስ ሞተ፡ ንኹሉ ሕጊ ብሉይ ኪዳን መፈጸምታ ገይርሉ እዩ (ሮሜ 10፡4፤ ገላትያ 3፤23-25፤ ኤፌሶን 2፡15)፡፡

ንሕጊ ብሉይ ኪዳን ተኪኡ ድማ ሕጊ ክርስቶስ መጸ (ገላትያ 6፡2)፡፡ እዚ ኸኣ እቲ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ … ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ ዝብል ትእዛዝ እዩ (ማቴዎስ 22፡37-39)፡፡ እዘን ክልተ ትእዛዛት ምስ እንመልአን ኩሉ እቲ ክርስቶስ ዝኣዘዞ ፈጺምና ኣሎና፡ ኣብዘን ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ ኣሎ (ማቴዎስ 22፡40)፡፡ እዚ ማለት ግን ሕጊ ብሉይ ኪዳን ሕጂ ኣየድልን ማለት ኣይኮነን፡፡ መብዛሕትኡ ትእዛዛት ብሉይ ኪዳን ኣብ ንኣምላኽካ ኣፍቅርን ንብጻይካ ኣፍቅርን ተባሂሉ ዝምደብ እዩ፡፡ ሕጊ ብሉይ ኪዳን ከመይ ንኣምላኽ ተፍቅሮን ንብጻይካ ምፍቃር ድማ እንታይ ምዃኑን ንምፍላጥ ዝሕብር እዩ፡፡ ብተመሳሳሊ ኸኣ ሕጊ ብሉይ ኪዳን ንክርስትያን ይምልከቶም ወይ ይገዝኦም እዩ ምባል ቅኑዕ ኣይኮነን፡፡ ሕጊ ብሉይ ኪዳን ሓደ ጥሙር ሕጊ እዩ (ያእቆብ 2፡10)፡፡ ኩሉ ሓቢሩ ይተርፍ ወይ ኩሉ ሓቢሩ ይገዝእ፡፡ ክርስቶስ ንሕጊ ወይ ስርዓት መስዋእቲ መፈጸምታ ምስ ዝገብረሉ ንኹሉ ሕጊ መፈጸምታ ገይርሉ ማለት እዩ፡፡

ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ክንሕሉ እዩ እሞ ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ (1ዮሃንስ 5፡3)፡፡ እቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ንኹሉ ሕጊ ብሉይ ኪዳን ዝጠምር እዩ፡፡ ትሽዓተ ካብቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብንጹር ተደጊሙ ኣሎ፡ እታ ዝተረፈት ሓንቲ ድማ እታ ራብኣይቲ ትእዛዝ ማለት መዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር እያ፡፡ ንኣምላኽ ብሓቂ ምስ እነፍቅሮ ደድሕሪ ካልኦት ኣማላኽቲ ወይ ጣኦታት ኣይንኸይድን፡፡ ብጻይና ምስ እነፍቅር ድማ ኣይንቐትሎን፡ ኣይንሕስዎን፡ ኣብ ልዕሊኡ ኣይንዝሙን፡ ኣይንሰርቆን ከምኡ ድማ ንብረቱ ኣይንምነየሉን፡፡ ዕላማ ሕጊ ብሉይ ኪዳን ብቐንዱ ንሕና ንሕጊ ኣምላኽ ብምልኣት ክንሕልዎ ከም ዘይከኣለና ኣርእዩ ናብ ክርስቶስ ንምምልካት እዩ (ሮሜ 7፡7-9፤ ገላትያ 3፡24)፡፡ ኣምላኽ ንሕጊ ብሉይ ኪዳን ንኹሉ ሰብን ንኹሉ ግዜን ኣይሰርዖን፡፡ ንሕና ንኣምላኽ ከነፍቅሮን ንብጻይና ከነፍቅርን ተኣዚዝና፡፡ ነዘን ክልተ ትእዛዛት ብሓቂ ምስ እንመልአን ኩሉ እቲ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ንመልእ ኢና፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ክርስትያን ንሕጊ ብሉይ ኪዳን ክእዘዝዎ ይግባእዶ?
© Copyright Got Questions Ministries