settings icon
share icon
ሕቶ

ክርስትያን ክወሳወስ ኣለዎ ዶ? መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥዕና እንታይ ይብል?

መልሲ


ከም ናይ ብዙሓት ነገራት ኣብ ሂወት፡ ኣብ ቦታ ናይ ምውስዋስ ድማ ብዙሓት ጫፋት ናይ ኣተሓሳስባ ኣለው። ገለ ሰባት ስጋዊ ኣካሎም ሸለል ብምባል ጠቕላላ ኣብ መንፈሳውነት ይጸቕጡ። ካልኦት ድማ ኣዝዮም ኣብ ዓይነትን ቅርጽን ናይ ስጋዊ ኣካሎም ይጸቕጡን ንመንፈሳዊ ዕቤትን ብጽሕናን ድማ ሸለል ይብሉን። ክልቲኦም እዚኦም ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ሚዛን ኣየመልክቱን። ቀዳማይ ጠሜጤዎስ 4፡8 “እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም፡ ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ አለዎ።” ኢሉ ይምህረና። ኣብ’ዚ እዚ ጥቕሲ ንኣድላይነት ልምምድ ሸለል ኣይብሎን። እንታይ ድኣ ልምምድ ጠቓሚ ሙዃኑ እዩ ዝዛረብ፡ ኮይኑ ግን ንልምምድ ድማ ኣምልኾ ጥቕሙ ይዓቢ እናበለ ብትኽክል ቀዳምነት ይህቦ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ንመንፈሳዊ ሓቂ ንምብራህ ንኣካላዊ ልምምድ ኣብ 1 ቆሮንጦስ 9፡ 24-27 ይጠቕሶ እዩ። ንሱ ንክርስትያናዊ ሂወት ምስቲ ኣብ ውድድር “ብልጫ ንምርካብ” ኢልና ንጎዮ ጉያ የወዳድሮ፡ ኮይኑ ግን እቲ ኣብ ዘልኣለማዊ ኣኽሊል ንደልዮ ሽልማት ኣይጽምልውን ወይ ኣይሃስስን እዩ። ኣብ 2 ጢሜጢዎስ 2፡5 ጳውሎስ “ ከምእውን ሓደ ኣብ ስፍራ መቃለሲ ዀይኑ ዚቃለስ፡ ከምቲ ሕጉ ገይሩ እንተ ዘይተቓለሰ፡ ኣኽሊል ዓወት ኣይረክብን እዩ።” ይብል። እንደገና ጳውሎስ ኣብ 2 ጤመጤዎስ 4፡7 ናይ ኣትለት ኣብነት ይጥቀም፡ “ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ፡” ኣተኩሮ ናይ’ዞም ጽሑፋት ኣብ ኣካላዊ ምውስዋስ ኣይኮነን፡ እቲ ኩነት ጳውሎስ መንፈሳዊ ሓቅታት ክምህረና ናይ ኣትለቲክስ ቃላት ምጥቃሙ ዘመልክቶ ድማ ጳውሎስ ንኣካላዊ ምውስዋስ ዋላ’ውን ውድድር ብኣወንታዊ መብርሂ ይርእዮም። ንሕና ክልቲኡ ስጋውያንን መንፈሳውያንን ሰባት ኢና። ብመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ንምዝራብ እቲ መንፈሳዊ መዳይ ናይ ሰብነትና ዝያዳ ኣገዳሲ ኮይኑ ንሕና ግን ንክልቲኡ መንፈሳውን ስጋውን ሸነኻት ናይ ጥዕናና ሸለል ክንብል የብልናን።

ስለዚ፡ ብንጹር ምስ ክርስትያናዊ ልምምድ ወለሓደ ጸገም የብሉን። ከም ሓቂ ከማን መጽሓፍ ቅዱስ ንስጋዊ ኣካልና ክንከናኸኖ ከምዘሎና የነጽሮ እዩ (1 ቆሮንጦስ 6፡19-20)። ብተመሳሳሊ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ከንቱነት የጠንቅቐና እዩ (1 ሳሙኤል 16፡7፡ ምሳሌ 31፡30፡ 1 ጴጥሮስ 3፡ 3-4)። ናይ ምውስዋስ ዕላማና ኣካላትና ካልኦት ክሪኡልናን ከድኑቑናን ንምጽብባቕ ምምሕያሽ ክኸውን የብሉን። እንታይ ደኣ፡ ዕላማ ምልምማድና ጥዕናና ከነማሓይሽ እሞ ኣካላዊ ጽዓት ረኺብና ናብ መንፈሳዊ ዕላማታት ንምውዓል እዩ ክኸውን ዘለዎ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ክርስትያን ክወሳወስ ኣለዎ ዶ? መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥዕና እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries