settings icon
share icon
ሕቶ

ትርጉም ሕልሚ ክርስትያን? ሕልምታትና ካብ ኣምላኽ ድዮም?

መልሲ


GotQuestions.org ኣገልግሎት ትርጉም ሕልሚ ናይ ክርስትያን ኣይኮነን። ሕልሚ ኣይንትርጉምን ኢና።ንሕና ናይ ሰብ ሕልሚን ትርጉም እቲ ሕልምን ኣብ ሞንጎ ኣቲ ሰብን ኣምላኽን ሙዃኑ ጽኑዕ እምነት ኣሎና። ቀደም፡ ኣምላኽ ሓደ ሓደ ግዜ ንሰባት ብሕልሚ ይዛረቦም ኔሩ። ንኣብነት ድማ ዮሴፍ ወዲ ያቆብ (ዘፍጥረት 37፡5-10)፡ ዮሴፍ ሕጹይ ማርያም (ማቴዎስ 2፡12-22)፡ ሰለሙን (1 ነገስት 3፡ 5-15) ከምኡ’ውን ብዙሓት ካልኦት (ዳኒኤል 2፡1 7፡1፡ ማቴዎስ 27፡19)። ኣብ ግብሪሃዋርያት 2፡17 ብሃዋርያ ጴጥሮስ ዝተጠቕሰ ብዛዕባ ነቢ ዮኤል ትንቢት ኔሩ (ዮኤል 2፡28)፡ እዚኣ ኣምላኽ ሕልምታት ምጥቃሙ ትጠቅስ። ስለዚ እንተድኣ መሪጹ ኣምላኽ ብሕልሚ ክዛረብ ይኽእል እዩ።

እንተኾነ ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሎሚ ክሳብ ዘልኣለም ኩሉ ክንፈልጦ ዘድልየና ስለዝገለጾ፡ ሙሉእ ሙዃኑ ክንግንዘብ ኣሎና። እዚ ማለት ግን ሎሚ ኣምላኽ ትኣምራት ኣይገብርን ወይ ብሕልሚ ኣይዛረብን ማለት ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግን ኣምላኽ ዝብሎ ኩሉ፡ ብሕልሚ ይኹን፡ ራኢ፡ ተምሳጥ ወይ “ህዱእ ንእሽቶ ድምጺ” ጠቕላላ ምስ’ቲ ኣቐዲሙ ኣብ ቃሉ ዝገለጾ ክሰማማዕ እዩ። ሕልምታት ንስልጣን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይምንዝዖን እዩ።

እንተድኣ ሕልሚ ሓሊምኩም እሞ ምናልባት ኣምላኽ ከምዝሃበኩም እንተተሰሚዕኩም፡ ጸሊኹም ንቃል ኣምላኽ መርምሩን እቲ ሕልሚ ድማ ምስ ቃል ኣምላኽ ይሰማማዕ እንተኾይኑ ኣረጋግጹ። ከምኡ እንተኾይኑ፡ ጸሊኹም ከም ግብረ መልሲ ናይ’ቲ ሕልሚ ኣምላኽ ንዓኹም እንታይ ክትገብሩ ደሊኩም ኣሎ ሕሰቡ (ያቆብ 1፡5)። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝኾነ ሰብ ካብ ኣምላኽ ሕልሚ ምስ ረኸበ፡ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ነቲ ትርጉም ናይ ሕልሚ ወይ ቀጥታ፡ ወይ ብመገዲ መልኣኽ፡ ወይ ብካልእ ልኡኽ ጌሩ ነቲ ሰብ ንጹር ይገብሮ ኔሩ፡ (ዘፍጥረት 40፡5-11፡ ዳኒኤል 2፡45፡ 4፡19)። ኣምላኽ ንዓና ክዛረበና ከሎ፡ እቲ መልእኽቱ ብንጹር ከምዝተረዳእናዮ የረጋግጾ እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ትርጉም ሕልሚ ክርስትያን? ሕልምታትና ካብ ኣምላኽ ድዮም?
© Copyright Got Questions Ministries