settings icon
share icon
ሕቶ

ጥምቀት ክርስትና እንታይ ይጠቅም?

መልሲ


ጥምቀት ክርስትና ሓደ ካብቶም የሱስ ንማሕበር ክኾኑ ዝሰርዖም ክልተ ስርዓታት እዩ፡፡ ልክዕ ንሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ኸኣ የሱስ ከምዚ በለ፡ ስለዚ ኺዱ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኩሉ ክሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም፡፡ እንሆ ድማ ኣነ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኩሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ፡፡ (ማቴዎስ 28፡19-20)፡፡ ካብዚ ትእዛዝ ብምብጋስ ድማ ማሕበር ንቓላት የሱስ ክትመህር፡ ደቀ መዛሙርቲ ክትገብርን ነዞም ደቀ መዛሙርቲ ከተጥምቕን ከም ዝተመዘዘት ንርዳእ፡፡ እዚ ነገራት ኣብ ኩሉ ቦታታት ክሳዕ መወዳእታ ግዜ ይግበር፡፡ ስለዚ ኣገዳስነት ጥምቀት ኣብ ዝልዓለሉ የሱስ ስለ ዝኣዘዞ ጥራይ ኣገዳሲ ይገብሮ፡፡

ጥምቀት ቅድሚ ምምስራት ማሕበር ይፍጸም ነይሩ እዩ፡፡ ኣይሁድ ነቶም ናብ እምነቶም ዝመጹ ንምንጻህ ንምምልካት የጥምቑ ነበሩ፡፡ ዮሃንስ መጥምቕ ንመንገዲ ኣምላኽ ንምድላው ኣጥመቐ፡፡ ንሱ ንኹሉ ሰብ ኣጥመቐ ከመይሲ ኩሉ ክንሳሕ ይግብኦ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ከምቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 18፡24-26ን 19፡1-7ን እንረኽቦ፡ ጥምቀት ዮሃንስ ከምታ ጥምቀት ክርስትና ኣይኮነትን፡፡ ጥምቀት ክርስትና ዓሚቚ ትርጉም ኣለዋ፡፡

ጥምቀት ብስም ኣቦ፡ ወድን መንፈስ ቅዱስን ትፍጸም፡፡ እዚ ከኣ እዩ ናይ ክርስያን ጥምቀት ዝገብሮ፡፡ ሰብ ብጥምቀት ኣቢሉ እዩ ናብ ሕብረት ቅዱሳን ወይ ማሕበር ዝኣቱ፡፡ ምስ ደሓንና ብመንፈስ ቅዱስ ናብ ስጋ ክርስቶስ ማለት እታ ማሕበር ንጥመቕ፡፡ 1ቆሮንጦስ 12፡13 ከምዚ ይብል፡ ኣይሁድ ወይ ጽርኣውያን፡ ባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ኾንና፡ ንሕና ኹላትና ሓደ ስጋ ንእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ ሓደ መንፈስ ሰቴና፡፡ እታ ብማይ እትግበር ጥምቀት ነቲ ብመንፈስ ዝግበር ጥምቀት ትምስሎ ወይ ተርእዮ፡፡

ሰብ ብጥምቀት ክርስትና ኣቢሉ እምነቱን ሕብረቱን ብወግዒ ይእውጅ፡፡ ብማይ ክጥመቕ እንከሎ ኣብ ክርስቶስ ከም ዝኣምን ይእመን ኣለኹ፡ የሱስ ንነፍሰይ ካብ ሓጢኣት ኣንጺሁዋ እዩ እሞ ሕጂ ሓድሽ ናብራ ቅድስና ኣሎኒ ይብል ኣሎ፡፡

ጥምቀት ክርስትና ብግብራዊ መልክዕ ንሞት፡ ምቕባርን ትንሳኤን ክርስቶስ የቕርብ ወይ የርኢ፡፡ ብተመሳሳሊ ድማ ነቲ ንሕና ምስ ክርስቶስ ከም ዝሞትናን ከም ዝተንሳእናን የርኢ፡፡ እቲ ሓጥእ ንጎይታ የሱስ ክእመን እንከሎ ንሓጢኣት ይመውት (ሮሜ 6፡11) እሞ ናብ ሓድሽ ህይወት ይትንስእ (ቆሎሴ 2፡12)፡፡ ኣብ ማይ ምጥላቕ ንሞት ዝውክል ኮይኑ፡ እቲ ጠሊቕካ ምውጻእ ድማ ንድሕነት ተኸቲሉ ዝመጽእ ንጹህ ቅዱስ ህይወት የመልክት፡፡ ሮሜ 6፡4 ብኸምዚ ኣቐሚጥዎ ኣሎ፡ እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምውታን ዝተንስአ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና፡፡

ብሕጽር ዝበለ ድማ ጥምቀት ነቲ ኣብ ውሽጢ ህይወት እቲ ዝኣምነ ንዝመጸ ለውጢ ንደገ ዘርኢ እዩ፡፡ ጥምቀት ክርስትና ድሕሪ ምድሓን ንጎይታ ንምእዛዝ ዝግበር እዩ፡፡ ጥምቀት ምስ ድሕነት ዝተኣሳሰር ይኹን እምበር ጥምቀት ንባዕሉ ቅጥዒ ምድሓን ኣይኮነን፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ብዙሕ ጥቕስታት ንኣገባብ ወይ ቅደም-ተኸተል የቕርበልና፡ ብቐዳምነት 1) ሰብ ኣብ ጎይታ የሱስ ይኣምን እሞ፡ ብድሕሪኡ 2) ይጥመቕ፡፡ እዚ ኣገባብ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 2፡41 ብኸምዚ ተቐሚጡ ኣሎ፡ እቶም ሽዑ ዘረብኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 16፡14-15 ረአ፡፡

እቲ ናብ የሱስ ክርስቶስ ዝመጸ ሓድሽ ኣማኒ ቀልጢፉ ክጥመቕ ክደሊ ኣለዎ፡፡ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 8 ፊልጶስ ንወንጌል የሱስ ነቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኣበሰሮ እሞ መንገዲ ክኸዱ ኸለዉ ድማ፡ ናብ ማይ በጽሑ፡፡ እቲ ስሉብ ከኣ፡ እነሆ ማይ፡ ከይጥመቕስ እንታይ ይኽልከለኒ በለ፡፡ (ጥቕስታት 35-36)፡፡ ንእለቱ ድማ ነታ ሰረገላ ደው ኣቢሎም፡ ፊልጶስ ነቲ ሰብኣይ ኣጥመቖ፡፡

እቲ ዝኣመነ ምስ ክርስቶስ ይመውት፡ ይቕበርን ይትንስእን፡ እዚ ኸኣ ብጥመቀት እዚ ይርአ፡፡ እቲ ወንጌል ኣብ ዝተሰብከሉ ኹሉ እሞ ድማ ሰባት ናብ እምነት ክርስቶስ ምስ ዝመጹ ክጥመቑ ይግባእ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ጥምቀት ክርስትና እንታይ ይጠቅም?
© Copyright Got Questions Ministries