settings icon
share icon
ሕቶ

ሰይቲ ቃኤል መን እያ፤ ሰይቲ ቃኤል ሓንቲ ካብ ኣሓቱ ድያ?

መልሲ


መጽሓፍ ቅዱስ ሰይቲ ቃኤል መን ምዃና ኣይነግረናን እዩ፡፡ እቲ ክኸውን ዝኽእል ወይ ዝግመት ግና ሓፍቱ ወይ ጓል ሓዉ/ሓፍቱ ወይ ካብ ወዲ ወይ ጓል ሓው ወይ ሓፍቱ ዝተወልደት ምዃና እዩ፡፡ ቃኤል ንኣቤል ክቐትሎ እንከሎ ዕድሚኡ ክንደይ ከም ዝነበረ ኣይተነግረናን (ዘፍጥረት 4፡8)፡፡ ክልቲኦም ኣብ ሕርሻን ጉስነትን ስለ ዝነበሩ ግና እኹላትን ሰብ ሓዳርን ነይሮም ክንብል ንኽእል፡፡ ኣቤል ክቕተል እንከሎ ኣዳምን ሄዋንን ብዘይካ ኣቤልን ቃኤልን ካልኦት ውሉድ ነይሮሞም እዮም፡፡ ብርግጽ ድሒሮም ወሊዶም እዮም (ዘፍጥረት 5፡4)፡፡ ቃኤል ንኣቤል ድሕሪ ምቕታሉ ነዛ ንህይወቱ ምስግኡ ወይ ምፍርሑ (ዘፍጥረት 4፡14) ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን መምስ ሓዳሮምን ውላዶምን ከም ዝነበሩ ዘመልክት እዩ፡፡ ሰይቲ ቃኤል (ዘፍጥረት 4፡17) እምበኣር ጓሎም ወይ ጓል ወዶም ወይ ጓል ጓሎም ንኣዳምን ሄዋንን እያ ነይራ፡፡

ኣዳምን ሄዋንን ቀዳሞት ሰባት እዮም፡ ብዘይካኦም ድማ ካልእ ሰብ ኣይነበረን፡፡ ስለዚ እቶም ደቂ ኣዳምን ሄዋንን ብዘይካ ኣብ ንሓድሕዶም ምምርዓው ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮምን፡፡ እኹል ብዝሒ ሰብ ሃልዩ ካብ ውሽጢ ስድራኻ ምምርዓው ክሳዕ ዝተርፍ ከኣ ኣምላኽ ካብ ውሽጢ ስድራኻ ንምምርዓው ኣይከልከለን (ዘሌዋውያን 18፡6-18)፡፡ ኣብ ዘምንና ግና ሓውን ሓፍትን ተራኺቦም ምስ ዝወልዱ እቲ ዝውለድ ህጻን ብዙሕ ሕማማትን ጸገማትን ሒዙ ዝውለደሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ናይ ክልቲኦም ወለዱ (ሓውን ሓፍትን) ድኹም ጎድኖም ኣብቲ ህጻን ስለ ዝሓልፍ እዩ፡ እቲ ጸገማቶም ኣብቲ ህጻን ዓብሊሉ ክወጽእ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ፡፡ ካብ ክልተ ዝተፈላለዩ ስድራ ዝመጹ ሰባት ምስ ዝወልዱ ግና ክልቲኦም ተመሳሳሊ ዓይነት ድኹም ጎድኒ ወይ ዘርኢ ክህልዎም ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ንእሽቶ እዩ፡፡ ዘርኢ ሰብ ድሕሪ ብዙሕ ዘመናት ምብዛሕን ምፍራይን ኣዝዩ ተበላሽዩ ንረኽቦ፡፡ ኣዳምን ሄዋንን ግና ብውርሻ ዝሓለፎም ድኹም ጎድኒ ስለ ዘይነበሮም ካብዞም ሕጂ ዘሎና ሰባት ዝሓሸ ውርሲ ዘለዎም ህጻናት ከፍርዩ ኣኽኢልዎም እዩ፡፡ ደቂ ኣዳምን ሄዋንን ውሑድ ጸገም ውርሲ ጥራይ እዩ ነይርዎም፡፡ ስለዚ ኸኣ ኣብ ንሓድሕዶም ክማራዓው ጸገም ኣይነበሮን፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ሰይቲ ቃኤል መን እያ፤ ሰይቲ ቃኤል ሓንቲ ካብ ኣሓቱ ድያ?
© Copyright Got Questions Ministries