settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ን ጊላነት ናጻ ይገብሮ ዶ?

መልሲ


ንጊላነት ከም ሓደ ናይ ዝሓለፈ ነገር ናይ ምርኣይ ዝንባለ ኣሎ። ኮይኑ ግን ሎሚ ኣብ ዓለም ልዕሊ 27 ሚሊዮን ሰባት ኣብ ትሕቲ ጊላነት፡ ግዱድ ዕዮ፡ ንግዲ ጾታዊ ርክብ፡ ከም ዝውረስ ንብረት ወዘተ ከምዘለው ይግመት። ከም ካብ ባርነት ሓጥያት ዝደሓንና ሰባት፡ ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምውዳእ ናይ ወዲ ሰብ ጊላነት ኣብ ዓለም እቶም ቀንዲ ሻምፕዮን ክንከውን ይግብኣና። እቲ ዝመጽእ ሕቶ ከኣ፡ ንምንታይ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንጻር ጊላነት ኣትሪሩ ዘይዛረብ? ስለምንታይ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንተግባር ጊላነት ወዲ-ሰብ ዝድግፎ ዝመስል?

መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ን ተግባር ጊላነት ኣይኩንኖን እዩ። ባሮት ብኸመይ ክትሓዙ ከምዘለዎም ግን መምርሒ ይህብ እዩ (ዘዳግም 15፡12-15፡ ኤፌሶን 6፡9፡ ቆሎሴ 4፡1)፡ እንተኾነ ግን ንጊላነት/ባርነት ንኩሉ ብሓባር ኣይክልክሎን እዩ። ብዙሓት ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ ን ጊላነት ናጻ ከምዝገብሮ ጌሮም ይርእይዎ። ብዙሓት ዘይርድእዎ ዘለው ግን ቀደም ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ጊላነት ካብ ኣብ ዝሓለፈ ቅሩብ ክፍለ ዘመናት ኣብ ብዙሕ ክፋላት ናይ ዓለም ዝነበረ ጊላነት ዝተፈልየ እዩ ኔሩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ባርነት ብፍሉይ ኣብ ዓሌት ዝተመስረተ ኣይነበረን። ሰባት ብሰንኪ ዜግነቶም ወይ ሕብሪ ቆርቦቶም ኣይኮኑን ባሮት ኔሮም። ቀደም ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ባርነት ዝያዳ ኣብ ቁጠባ ዝተመስረተ ናይ ማሕበራዊ ደረጃ ጉዳይ እዩ ኔሩ። ሰባት ዕደኦም ክኸፍሉ እንተዘይኪኢሎም ወይ ንስድረኦም ክቕልቡ እንተዘይኪኢሎም ንገዛእ ርእሶም ከም ባሮት ይሸጥዋ ኔሮም። ኣብ ግዜ ሓድሽ ኪዳን፡ ሓደ ሓደ ግዜ ሓካይም፡ ጠበቓታትን ፖሎቲከኛታትን ባሮት ናይ ካልኦት ኔሮም እዮም። ገለ ሰባት ኩሉ ጠለባቶም ምእንቲ ብጎይታኦም ክዳለዎሎም ባሮት ክኾኑ መሪጾም ኔሮም።

ጊላነት ናይ ዝሓለፈ ቅሩብ ዘመን ግን ብፍሉይ ኣብ ሕብሪ ዝተመስረተ እዩ ኔሩ። ኣብ ኣሜሪካ፡ ብዙሓት ጸለምቲ ሰባት ብሰንኪ ዜግነቶም ከም ጊላታት ይርኣዩ ኔሮም፡ ብዙሓት ወነንቲ ባሮት ብሓቂ ንጸለምቲ ሰባት ከም ትሑታት ፍጥረት ይርእይዎም ኔሮም። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዓሌት ዝተመስረተ ጊላነት ይኹንን ከምኡ ድማ ኩሎም ሰባት ብኣምላኽ ብተምሳሉ ከምዝተፈጥሩ ይምህር (ዘፍጥረት 1፡27)። ብተመሳሳሊ ድማ፡ ብሉይ ኪዳን ቁጠባዊ ባርነት ኣፍቂዱ ኔሩ፡ ይቆጻጸሮ ድማ ኔሩ እዩ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ ከኣ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘፍቀዶ ባርነት ብዝኾነ መገዲ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅሩብ ዘመን ኣብ ዓለምና ዘስፋሕፈሐ ዓሌታዊ ጊላነት ኣይመሳሰሎን እዩ።

ብተወሳኺ፡ ክልቲኦም ብሉይን ሓድሽ ኪዳንን ንተግባር “ምስራቕ ሰብ” ይኹንኑ፡ እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘመን ዘጋጠመ እዩ። ኣፍሪቃውያን ብ ሃደንቲ ጊላታት ተኸቢቦም ናብ ነጋዶ ጊላታት ተሸይጦም፡ ንሳቶም ድማ ናብ ኣትክልትታትን ናብ ሕርሻን ናብ ሓድሽ ዓለም ወሲዶሞም። እዚ ተግባር ኣብ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ። ከም ሓቂ፡ መቕጻዕቲ ናይ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ገበን ኣብ ናይ ሕጊ ሙሴ ከኣ ሞት እዩ ኔሩ። “ንሰብ ሰሪቑ ዝሸጦ፡ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ተረኸበ፡ ሞት ይሙት።” (ዘጽኣት 21፡16)። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ ንነጋዶ-ጊላታት ኣብ ሞንጎ እቶም “ሓጥኣንን ርኹሳትን” ይምድቦም ከምኡ ድማ ኣብ ተመሳሳሊ ምድብ ናይ’ቶም ነቦኦምን ኣዲኦምን ዝቐትሉ፡ ቀተልቲ ነፍሲ፡ ዘመውቲ፡ ግብረ-ሰዶምን ሓሰውትን፡ ብሓሶት ዝምሕሉን ተመዲቦ ኣለው (1 ጢሜጢዎስ 1፡8-10)።

ካልእ ወሳኒ ነጥቢ ድማ ዕላማ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ መገዲ ምድሓን ንምምልካት እምበር ሕብረተሰብ ንምጽጋን ኣይኮነን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ግዜ ንጉዳያት ካብ ውሽጢ ንደገ እዩ ዝርእዮም። ሓደ ሰብ ምድሓን ናይ ኣምላኽ ብምቕባል ፍቕሪ፡ ምሕረትን ጸጋን ናይ ኣምላኽ እንተድኣ ጢዒሙ፡ ኣምላኽ ኣተሓሳስቡኡን ተግባሩን ብምልዋጥ ነታ ነብሱ ከጽግና እዩ። ሓደ ናይ ኣምላኽ ህያብ ምድሓን ከምኡ ድማ ሓርነት ካብ ባርነት ሓጥያት ዝጠዓመ ሰብ፡ ኣምላኽ ነብሱ እናለወጣ፡ ንሱ ንካልእ ሰብ ከም ባርያ ምሓዝ ጌጋ ሙዃኑ ክርደኦ እዩ። ምስ ጳውሎስ ኮይኑ ድማ ሓደ ባርያ ሰብ “ብጎይታ ሓው” ክኸውን ከምዝኽእል ክርዳእ እዩ። (ፊሊሞን 1፡16)። ሓደ ብሓቂ ናይ ኣምላኽ ጸጋ ዝጥዓመ ሰብ ድማ ብጊዲኡ ንካልኦት ለጋስ እዩ ዝኸውን። እዚ እዩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣመለኻኽታ ደው ምባል ናይ ባርነት።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ን ጊላነት ናጻ ይገብሮ ዶ?
© Copyright Got Questions Ministries