settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ንሎሚ ይምልከት?

መልሲ


እብራውያን 4፡12 ከም’ዚ ይብል፡ “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።” መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ዳርጋ 1900 ዓመት ተወዲኡ እኳ እንተዀነ ፡ ንሎሚ እውን ዘለዎ ልክዕነትን ኣድላዪነትን ከይተለወጠ ጸኒሑ እዩ ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ፡ እቲ እንኮ ምንጪ ዕላማ ናይ ኲሉ እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ርእሱን ንሰብ ዘለዎ መደቡን ዝሃቦ ምግላጽ እዩ ፡፡

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባቲ ብሳይንሳዊ ትዕዝብትን ምርምርን ተረጋጊጹ ዘሎ ፍጥረታዊ ዓለም ማእለያ ዘይብሉ ሓበሬታ ይህብ እዩ ፡፡ ገለ ካብዚኦም ጽሑፋት ን ፡ ዘሌዋውያን 17፡11 ፥ መክብብ 1፡6-7 ፥ እዮብ 36፡27-29 ፥ መዝሙር 102፡25-27 ፥ ቆሎሴ 1፡6-7 የካትቱ። ኣምላኽ ንሰብ ዘለዎ መደብ ምድሓን መጽሓፍ ቅዱስ ቀሊዑ ከዘንትዎ ከሎ ፡ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ገጸ ባህርያት ብድምቀት ተገሊጾም እዮም ፡፡ ኣብዞም መግለጺታት ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጠባይ ሰብን ዝንባሌታቱን ፡ ማእለያ ዘይብሉ ሓበሬታ ይህብ እዩ ፡፡ በቲ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ እንሓልፎ ንሪኦ ዘሎና ድማ ፡ እዚ ሓበሬታ ካብ ዝዀነ ናይ ስነልቦና መጽሓፍ ንላዕሊ ንኲነት ሰብ ብልክዕነት ገሊጽዎ ይርከብ ፡፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተሰነዱ ብዙሓት ታሪኻዊ ጭብጥታት ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ብዘለዉ ምንጭታት ተረጋጊጾም እዮም ፡፡ ታሪኻዊ ስነምርምር ዝበዝሐ ግዜ ፡ ኣብ ሞንጎ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱሳውን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻእን ዘሎ ጸብጻባት ናይ ሓደ ዓይነት ፍጻመታት ፡ ብዙሕ ስምምዓት ከምዘሎ የርእየና እዩ ፡፡

እንተዀነ ግና ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ፡ ወይ ናይ ስነልቦና ጥራዝ ፡ ወይ ናይ ሳይንስ መጽሄት ኣይኰነን ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስሲ ኣምላኽ መን ምዃኑን እቲ ንሰብ ዘለዎ ሃረርታን መደብን ዝነግረና መግለጺ እዩ። እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትሕዝቶ ናይ’ዚ ምግላጽ ፡ ካብ ኣምላኽ ብሓጢኣት ምፍላይናን ፡ ኣምላኽ ብመስዋእቲ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ዝሃበና ናይ ሕብረት ምሕዳስን እዩ። ምድሓን ከምዘድልየና ኣይልወጥን እዩ። ከምኡውን እቲ ኣምላኽ ምስ ርእሱ ክዓርቀና ዘለዎ ድሌት ውን ከምኡ።

መጽሓፍ ቅዱስ ማእለያ ዘይብሉ ልክዕን ኣድላዪን ዝዀነ ሓበሬታ ሒዙ ይርከብ ፡፡ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ፡ ምድሓን ንኲሉ ሰብ እዩ ፡ ኣድማሳውን ንሓዋሩ ንኩሉ ሰብ ዝምልከትን ድማ እዩ። ቃል ኣምላኽ ግዚኡ ኣይሓልፎን ፡ ኣይቅደምን ፡ ወይ ኣይመሓየሽን እዩ። ባህሊ ይልወጥ ፡ ሕጊ ይልወጥ ፡ ወለዶ ይኸይድ ይመጽእ ፡ ቃል ኣምላኽ ግና ከምቲ ፈለማ ተጻሒፍዎ ዝነበረ፡ ሎሚውን ይምልከተና እዩ ፡፡ ኲሉ እቲ ጽሑፋት ከምዘለዎ ኰይኑ ሎሚ ግድን ይሰርሓሉ እዩ ማለት ኣይኰነን ፡ ግናኸ ኲሎም ጽሑፋት እቲ ሎሚ ኣብ ህይወትና ክንጥቀመሉ ንኽእልን ክንሰርሓሉ ዝግብኣናን ሓቂ ሒዞሞ ይርከቡ ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ንሎሚ ይምልከት?
© Copyright Got Questions Ministries