settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ቅዱስ ዝነፈሶ እዩ እንታይ ማለት እዩ?

መልሲ


ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም መንፈስ ዝነፈሶ ጌሮም ክዛረብሉ ከለዉ ፡ ኣምላኽ ነቶም ጸሓፍቱ ዝኾኑ ሰባት ብመንፈሱ ጸልዩ ፡ ቃል ኣምላኽ ከምዝጽሕፉ ከም ዝገበሮም እዮም ዝዛረቡ ዘለዉ በዚ መገዲ ድማ እቲ ዝጽሓፍዎ ብቐንዱ ንሱ ቃል ኣምላኽ እዩ። ብናይ ጽሑፋት ኣዘራርባ፡ ኣስተንፍሶ ክብሃል ከሎ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ማለት እዩ ፡፡ ኣስተንፍሶ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ብርግጽ ናይ ኣምላኽ ቃል እዩ ማለት እዩ ፡ እዚ ድማ ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኩሎም መጻሕፍቲ ፍሉይ ይገብሮ ፡፡

መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣስተንፍሶ ዘለዎ ፡ ዝተፈላለየ ርእይቶታት እኳ እንተሎ፡ ነፍስወከፍ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ቃል ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ምዃኑ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ከምዝእመነሉ ጥርጥር የልቦን (1ቆሮንቶ ስ 2፡12-13 ፥ 2 ጢሞቴዎስ 3፡16-17) ፡፡ እዚ ኣብ ጽሑፋት ዘሎ ኣረኣእያ ፡ ንኲሉ ዝሓቊፍ ቃላዊ ኣስተንፍሶ የመልክት ፡፡ እዚ ማለት እቲ ኣስተንፍሶ ኣብቲ ቃላት ጥራይ (ቃላዊ ) እዩ ተሓጺሩ ዘሎ እምበር ኣብቲ ሓሳባት ወይ ጽንሰ-ሓሳባት ኣይኮነን። ኣስተንፍሶ ኣብ ኲሉ ክፋል ጽሑፋት ፡ ኣብ ኲሉ ኣርእስቲ ጽሑፋትን ተዘርጊሑ ይርከብ እዩ (ኲሉ ዝሓቊፍ)። ገሊኦም ሰባት ገለ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ መንፈስ ከምዝነፈሶ ይኣምኑ ፡ እቶም ንሃይማኖት ዝትንክፉ ሓሳባት ጥራይ ከምዝነፈሶም ይዛረቡ፡ እዚ ኣረኣእያ ኣስተንፍሶ ግና ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ርእሱ ዝተኣመኖ ኣየማልእን። ንምሉእ ቃል ዝሓቊፍ ኣስተንፍሶ ፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ መለለዪ ቃል ኣምላኽ እዩ ፡፡

መጠን ኣስተንፍሶ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3፡16 ብንጹር ክረአ ይክኣል ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ ። እቲ ምስ ሃይማኖት ዝራኸብ ዶክትሪናት ጥራይ ኣይኰነን መንፈስ ኣምላኽ ነፊስዎ ፡ ካብ ዘፍጥረት ክሳብ ራእይ ዮሃንስ ዘሎ ነፍስወከፍ ቃል ሓንቲ ብሓንቲ ድማእምበር። መንፈስ ኣምላኽ ስለዝነፈሶም ፡ ዶክትሪን ኣብ ሙቛምን ብመገዲ ጽድቂ ምስ ኣምላኽ ክመላለስን ንሰብ ኣብ ምምሃርን እቶም ጽሑፋት ስልጣን ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ክልውጠናን ምሉኣት ክገብረናን መለኮታዊ ክእለት ከምዘለዎ ባዕሉ እዩ ዝነግረና ፡፡ እንታይ ኣሎ ካልእ ዘድልየና ?

ካልእ ብዛዕባ ኣስተንፍሶ ጽሑፋት ትዛረብ ጥቕሲ 2 ጴጥሮስ 1፡21 እያ።

እዛ ጥቕሲ ከምተረድኣና ፡ ኣምላኽ ንፍሉይ ሰብኣዊ ባህርን ንቅዲ ኣጸሓሕፋ ናይ ሰባትን ይጥቀመሉ እኳ እንተዀነ ፡ ኣምላኽ ነቲ ዝጸሓፍዎ ቃላት መንፈሱ ኣንፊስሉ እዩ ፡፡ የሱስ ባዕሉ ነቲ ቃላዊ ኲሉ ዝሓቊፍ ኣስተንፍሶ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም’ዚ ክብል መስኪርሉ እዩ፡ ንሕጊ ዀነ ወይስ ንነብያት ክፍጽሞም እምበር፡ ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም ። ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሐልፍ ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሓልፍ፡ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ ። ኣብዘን ጥቕስታት ፡ የሱስ ናብቲ ዝደቐቐ ዝርዝርን ናብታ ዝነኣሰት ነጥብን ኣትዩ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ልክዕነት የሐይልዎ እዩ ፡ ከመይሲ ከምዘለዎ ናይ ኣምላኽ ቃል እዩ።

ጽሑፋት መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶም ቃል ኣምላኽ ስለዝዀኑ ፡ ከምኡውን ዘይጋገዩን ስልጣን ዘለዎምን እዮም ኢልና ክንድምድም ንኽእል። ቅኑዕ ኣረኣእያ ኣምላኽ ናብቲ ቅኑዕ ኣረኣእያ ቃሉ ይመርሓና፡፡ ኣምላኽ ሓያልን ኲሉ ዝፈልጥን ብምልኣት ፍጹምን ስለዝዀነ ፡ እቲ ቃሉ እውን ከምቲ ናቱ ባህሪ እዩ ዝወስድ። እተን ኣስተንፍሶ ጽሑፋት ዘጽንዓልና ጥቕስታት ፡ ብተወሳኺ ፡ ዘይጋገን ስልጣን ዘለዎን ምዃኑ የጽንዓልና እየን ፡፡ ብዘይጥርጥር ከኣ ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ዝብሎ ፡ ክከሓድ ዘይክኣል ፡ ስልጣን ዘለዎ ቃል ኣምላኽ ን ሰባት እዩ ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ቅዱስ ዝነፈሶ እዩ እንታይ ማለት እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries