settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ-ቅዱስ ጌጋታት፡ ተጋራጫውነት፡ወይ ዘይተሳናዪነት ኣለዎ ድዩ?

መልሲ


ንመጽሓፍ ቅዱስ ጌጋታት ክንረኽበሉ ከይበልና ከምዘለዎ ብዘይ ኣቐዲሙ ዝጸነሐ ሻራነት እንተንቢብናዮ ፡ ተቓዳውን ተሰማማዕን ኰይኑ ኢና ንረኽቦ ፡ ብተዛማዲ ፡ ንክንርድኦ እውን ቀሊል ዝዀነ መጽሓፍ እዩ። እወ ፡ ንምስትውዓሉ ዝሽግር ክፍሊ ጽሑፋት ኣለዎ። እወ ፡ ንሓድሕዶም ዝጋራጨዉ ዝመስሉ ጥቕስታት ኣለዎ። እወ ፡

እቲ ክንዝክሮ ዝግብኣና ፡ መጽሓፍ-ቅዱስ ብኣስታት 40 ጸሓፍቲ ክዳሎ 1500 ዓመታት ወሲድሉ እዩ ፡፡ ነፍስወከፍ ጸሓፊ ናቱ ቅዲ ኣጸሓሕፋ እዩ ዘለዎ ፡ ብፍሉይ ኣረኣእያ ፡ ንፍሉይ ህዝቢ ፡ ንፍሉይ ዕላማ ፡፡ ንእስ ዝበሉ ፍልልያት ክጸንሖ ንጸበዮ ፡፡ ኰይኑ ግና እቲ ፍልልይ ፡ ተገራጫውነት ኣይኰነን ፡፡ እቶም ጥቕስታት ወይ ክፍሊ ጽሑፋት ክዕረቑሉ ዝኽእልሉ መገዲ እንተዘየሎ ፡ ጌጋ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል ፡፡

ሕጂ ሕጂ መልሲ እንተ ዘይተረኽቦ ፡ መልሲ የብሉን ማለት ኣይኰነን ፡፡ ብዙሓት ምስ ታሪኽን ጆግራፍን ኣዛሚዶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጌጋ ዝረኸቡ ዝመሰሎም ኔሮም እዮም ፡ ጽንሕ ኢሉ ኣርኪኦሊጂካዊ መርትዖ ምስተረኽበ ግና ፡

መጽሓፍ ቅዱስ ቅኑዕ ኰይኑ ረኺቦሞ እዮም ፡፡

ብዙሕ ግዜ ሕቶታት ንቕበል ኢና ፡ ምስቲ ከምዚ ዝብል መስመር ፡ እዘን ጥቕስታት ከመይ ከምዘይገራጨዋ ግለጽ ! ወይ ፡ ተመልከት ፡ ኣብዚ እንሆ ናይ መጽሓፍ-ቅዱስ ጌጋ ! ግደ ሓቂ ፡ ገሌታቶም ዘቕርብዎ ሕቶታት ንምምላሱ የሸግር እዩ፡፡ እንተዀነ ግና ፡ ንነፍስ ወከፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተገራጫውነትን ጌጋን ንእኡ ዝምእምእን ዝእመን ፍልጠት ዘለዎን ምላሽ ከምዝርከቦ እምነትና እዩ ፡፡ ንኲሉ እቲ ጌጋታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሃል ዘርዚሮም ዘቕርቡ ፡ መጻሕፍትን ዌብሳይታትን ይርከቡ እዮም ፡፡ መብዛሕትኦም ሰባት ካብዚ እዮም መመጎቲ ዝረኽቡ ፡ ብርእሶም ኣይኰኑን ነዞም ከም ጌጋታት ዝሕሰቡ ረኺቦሞም ፡፡ ንነፍስወከፍ እዞም ከም ጌጋታት ዝሕሰቡ ዘለዉ ፍሹል ዝገብሩ መጻሕፍትን ዌብሳይታትን ይርከቡ እዮም ፡፡ እቲ ብጣዕሚ ዘሕዝን ከኣ ፡ መብዛሕትኦም እቶም ንመጽሓፍ-ቅዱስ ዝዝልፉ ናይ ብሓቂ መልሲ ክረኽቡ ኣይግደሱን እዮም፡፡ ብዙሓት ዘለፍቲ መጽሓፍ-ቅዱስ ነቲ መልስታት እውን ይፈልጥዎ እዮም ፡ ደጊሞም ደጋጊሞም ግና ፡ ሕደ ዓይነት ዝኣረገ ዘለፋታት ምጥቃም ይቕጽሉ ኣለዉ ፡፡

እሞ ሓደ ሰብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጌጋ ዝብሃል ሒዙ እንተመጸና ፡ እንታይ ኢና ክንገብር ? 1) ነቶም ጽሑፋት እናጸለና ነንብቦም ፡ ቀሊል ምላሽ እንተሎ ከኣ ንርአ። 2) በቶም ዝበለጹ ባይብል ኮሜንታሪን (መጽሓፍ-ቅዱሳዊ ወሃቢ ርኢቶ)፡ መጻሕፍቲ ጥብቅነት መጽሓፍ-ቅዱስ ፡ናይ መጽሓፍ-ቅዱስ ምርምራዊ ዌብሳይታት ፡ተጠቂምና ገለ ምርምር ንግበር። 3) ንፓስተራትና/ናይ ቤ/ክ መራሕትና ንሕተቶም ፡ ገለ ምላሽ እንተረኸቡልና። 4) ስጒምታት 1,2,3 ተኸቲልና ንጹር ዝዀነ መልስታት እንተዘየሎ ፡ ንኣምላኽ ንውከሎ ፡ እቲ ቃሉ ሓቂ ከምዝዀነ፡ምላሽ እውን ኣሎ፡ሓደ'ኳ ገና ዘየስተብሃሎ (2ጢሞቴዎስ2፡15፥3፡16-17)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ-ቅዱስ ጌጋታት፡ ተጋራጫውነት፡ወይ ዘይተሳናዪነት ኣለዎ ድዩ?
© Copyright Got Questions Ministries