settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ድዩ?

መልሲ


መልሲ ናይዚ ሕቶ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ንርእዮን ኣብ ህይወትና ከመይ ኣገዳሲ ምዃኑን ዝውስን ጥራይ ዘይኮነ ኣባና ዘልኣለማዊ ጽልዋ ክህልዎ እዩ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ናይ ኣምላኽ ቃል ምስ ዝኸውን ከነኽብሮ፡ ከነጽንዖ፡ ክንእዘዞን ብምልኣት ክንውከሎን ይግብኣና ማለት እዩ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ምስ ዝኸውን ንመጽሓፍ ቅዱስ ምውጋድ ንኣምላኽ ምውጋድ ማለት እዩ፡፡

ኣምላኽ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝሃበና መርኣያን መግለጽን እታ ኣባና ዘለቶ ፍቕሪ እዩ፡፡ እቲ ምግላጽ ዝብል ቃል፡ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝመስልን ንሕና ብኸመይ ከም እንራኸቦን ነጊሩና ማለት እዩ፡፡ እዞም ነገራት እዚኣቶም ኣምላኽ ብመለኮት ኣቢሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘይህበና ክንፈልጦም ዘይንኽእል እዮም፡፡ እቲ ምግላጽ ኣምላኽ በብቐስ ንልዕሊ 1500 ዓመታት ዝተዋህበ ይኹን እምበር ሰብ ምስ ኣምላኸ ንኽራኸብ ዘድልዮ ዘበለ ኩሉ ዝሓዘ እዩ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ምስ ዝኸውን እምበኣር ላዕለዋይ በዓል ስልጣን(ደምዳሚ) ኩሉ ነገራት እምነት፡ ሃይማኖትን ስነ-ግብርን እዩ፡፡

እቲ ናብ ርእስና ከነቕንዖ ዝግብኣና ሕቶ እምበኣር መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቃል ኣምላኽ እምበር ሓደ ተራ ጽቡቕ መጽሓፍ ዘይምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ ዝብል እዩ፤ ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ካልእ ኩሉ ዝተጻሕፈ ሃይማኖታዊ መጻሓፍቲ ዝፈልዮ እንታይ እዩ፤ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ መረጋገጺ ኣሎዶ፤ መጽሓፍ ቅዱስ ንባዕሉ ቃል ኣምላኽ፡ ብመለኮት ዝተመንጨወን ንኹሉ ነገራት እምነትን ስነ-ግብርን ከኣ ምሉእ ትሕዝቶ ዘለዎ ምዃኑ ንምርግጋጽ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሕቶታት ብግቡእ ክምርመሩ ኣለዎም፡፡

መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ንባዕሉ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ከም ዝዛረብ ጥርጥር የልቦን፡፡ እዚ ኣብቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ክንእዶ እንከሎ ብንጹር ተቐሚጡ ንርእዮ፡ ….ነተን ካብ ቁልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ከለብማኻ ዝኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተምሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ፡፡ እቲ ናይ ኣምላኽ፡ ንሰናይ ግብሪ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ክኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዝኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ፡፡ (2ጢሞቴዎስ 3፡15-17)፡፡

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ካብ ውሽጥን ካብ ግዳምን መረጋገጺታት ኣለዉ፡፡ ውሽጣውያን መረጋገጺታት እቶም ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ኮይኖም ንመለኮታዊ ምንጪ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምስክሩ እዮም፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ዝምስክር ቀዳማይ ውሽጣዊ መረጋጺ ኸኣ እቲ ሓደነቱ እዩ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብ40 ዝተፈላለዩ ጸሓፍቲ ኣቢሉ ብሰለስተ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት፡ ኣብ ኣስታት 1500 ዓመታት፡ ኣብ ሰለስተ ክፍለ ዓለማት ዝተጻሕፉ ስሳን ሽዱሽተን መጽሓፍቲ ዝሓቖፈ ይኹን እምበር ካብ መጀመርያ ክሳዕ መወዳእታ ኣብ ሕድሕዱ ዘይጋጮ ውሁድ መጽሓፍ እዩ፡፡ እዚ ውህደት(ሓደነት) ድማ ካብ ካልእ መጽሓፍቲ ዝፈልዮ ኮይኑ መረጋገጺ መለኮታዊ ምንጪ ናይቲ ኣምላኽ ገለ ሰባት ንኽጽሕፍዎ ዝደረኾም ቃል እዩ፡፡

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ዘርኢ ካልእ ውሽጣዊ መረጋገጺ ድማ እቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ትንቢታት ይርአ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጻኢ ብዙሓት ሃገራት፡ ንመጻኢ እስራኤል፡ ንመጻኢ ገለ ኸተማታትን ንመጻኢ ሰብን ስለ ምምጻእ ናይቲ መድሓኒ፡ ናይቲ ንእስራኤል ጥራይ ዘይኮነ ንኹሎም ብእኡ ዝኣመኑ ዘበሉ ኹሎም ዘድሕን፡ ዝነግር ኣማኢት ዝርዝራዊ ትንቢታት ኣሎ፡፡ ዘይከምቶም ኣብ ካልኦት ሃይማኖታውያን መጽሓፍቲ ዘለዉ ትንቢታት ወይ ከምቲ ኖስትራዳሞስ ዝገበሮ፡ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዮም ዝርዝራውያን እዮም፡፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ጥራይ ንምምጻእ የሱስ ክርስቶስ ዘመልክቱ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ትንቢታት ኣለዉ፡፡ ካብ መን ከም ዝውለድን ኣበይ ቦታ ከም ዝውለድን ጥራይ ዘይኮነ ከም ዝመውትን ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ከም ዝትንስእን ኣቐዲሙ ተነጊርሉ እዩ፡፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትንቢታት መሎኮታዊ ምዃኑ እምበር ብኻልእ ርትዓዊ መንገዲ ክትንተን ኣይክእልን እዩ፡፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነግሮ ትንቢታት ዝነግር ካልእ ሃይማኖታዊ መጽሓፍ ከቶ የልቦን፡፡

ንመለኮታዊ ምንጪ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርኢ ሳልሳይ ውሽጣዊ መረጋገጺ ድማ እቲ ፍሉይ ስልጣኑን ሓይሉን እዩ፡፡ እዚ መረጋገጺ ካብቲ ክልተ ውሽጣዊ መረጋገጺታት ዝተፈልየ ይኹን እምበር መለኮታዊ ምንጪ መጽሓፍ ቅዱስ ዘረጋግጽ ሓያል ጭብጢ እዩ፡፡ ስልጣን መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ካልእ ኩሉ መጽሓፍቲ ዝፍለ እዩ፡፡ እዚ ስልጣንን ሓይልን ድማ ኣብቲ እልቢ ዘይብሉ ቁጽሪ ናይቶም ብብርቱዕ ሓይሊ ቃል ኣምላኽ ህይወቶም ዝተቐየረ ሰባት ይርአ፡፡ ሓጥኣን ብመጽሓፍ ቅዱስ ተገኒሖም፡ ጽልኢ ብመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ፍቕሪ ተለዊጡ፡ ውሉፋት ድማ ብመጽሓፍ ቅዱስ ሓውዮም እዮም፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ብምዃኑ ጥራይ ድማ ብርቱዕን ለዋጥን ሓይሊ ሒዙ ኣሎ፡፡

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ዝምስክሩ ግዳማውያን መረጋገጺታት ድማ ኣለዉ፡፡ ሓደ ካብዚኣቶም ከኣ ታሪኻውነት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ታሪኻዊ ፍጻመታት ስለ ዝምዝግብ ወይ ስለ ዝዝርዝር ከም ካልኦት ታሪኽ ዝሰነዱ መጽሓፍቲ ንምርመራ ክፉት እዩ፡፡ ብኣርኪዮሎጂካውን ጽሑፋውን ጭብጥታት ኣቢሉ ድማ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሰነዶ ታሪኻዊ ፍጻመታት ቅኑዕ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተረጋጊጹ ኣሎ፡፡ ኩሉ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝምስክር ኣርኪዮሎጂካውን ጽሑፋዊ ጭብጥታት ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ እቲ ዝበለጸ መዛግብቲ ዘለዎ መጽሓፍ ክኸውን ይምስክሩ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቅን ቅንዕናን ክረጋገጽ ዝኽእል ታሪኽ ዝሰነደ ብምዃኑ ድማ ኣብ ሃይማኖታዊ ትምህርታትን ጉዳያትን ሓቂ ጥራይ ዝህብ ምዃኑ ዝምስክርን ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ዘረጋግጽን እዩ፡፡

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ዝምስክር ካልኣይ ግዳማዊ መረጋገጺ ድማ ቅንዕና እቶም ዝጸሓፍዎ ሰባት እዩ፡፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተባህለ ኸኣ ኣምላኽ ንቓሉ ንምስናድ ዝተፈላለዩ ሰባት ተጠቒሙ እዩ፡፡ ንህይወት ናይዞም ሰባት ምስ እንዕዘቦ ድማ ቅኑዓትን ንጹሃትን ኮይኖም ንረኽቦም፡፡ ምእንቲ እቲ ዝኣመንዎ መሪር ሞት ክሞቱ ምፍታዎም ድማ እዚ ቃላት ብሓቂ ቃላት ኣምላኽ ምዃኑ ከም ዝፈለጡ ዘረጋግጽ እዩ፡፡ እቶም ንሓድሽ ኪዳን ዝጸሓፉን ካልኦት ኣማኢት ኣመንትን ከኣ ንሓቅነት እቲ መልእኽቶም ይፈልጡ ነበሩ ከመይሲ ንየሱስ ክርስቶስ ካብ ምውታን ምስ ተንሰአ ርእዮሞን ምስኡ ተራኺቦምን እዮም (1ቆሮንጦስ 15፡6)፡፡ ነቲ ካብ ምውታን ዝተንስአ ክርስቶስ ብምርኣዮም ድማ ዓብዪ ነገር ነበረ፡፡ ካብቲ ብፍርሒ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ ተንሲኦም ምእንቲ እቲ ኣምላኽ ዝገለጸሎም መልእኽቲ ክስውኡ ወጹ፡፡ እቲ ህይወቶምን ሞቶምን መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ምኻዃኑ ዝምስክር እዩ፡፡

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ምኻዃኑ ዘረጋግጽ ናይ መጨረሽታ ግዳማዊ ምስክር ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ፈጺሙ ክድምሰስ ወይ ክዓኑ ዘይምኽኣሉ እዩ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ምዃኑን ምእዋጁን ብሰንኪ ኣገዳስነቱን ካብ ካልእ መጽሓፍቲ ንላዕሊ ብዙሕ መጥቃዕታትን ፈተነታት ምጥፋእን ወሪድዎ እዩ፡፡ ካብ ከም በዓል ዲዮክለሺያን ዝኣመሰሉ ሃጸያት ጀሚሩ ብኮሚኒስታውያንን ዘመናውያን ዘይኣመንትን ዝወረዶ መጥቃዕቲ ኣሕሊፉ ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ዝሕተምን ዝዝርጋሕን መጽሓፍ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ኣብዚ ኹሉ ግዜ ብዙሓት ተጠራጠርቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ጽውጽዋይ ኣቋጺሮሞ እዮም ግናኸ ኣርኪዮሎጂ ደጋጊሙ ንክውንነትን ታሪኻዊ ፍጻመን መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ኣረጋጊጽዎ እዩ፡፡ እቶም ተቓወምቲ ንምህሮ መጽሓፍ ቅዱስ ድሑርን ግዚኡ ዝሓለፎን እናበሉ ኣጥቂዖሞ ክነሶም እቲ ሞራላውን ሕጋውን ምህሮን ሓሳብን መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መላእ ዓለም ኣወንታዊ ጽልዋ ኣለዎ፡፡ ብግጉይ ስነ-ፍልጠት፡ ሳይኮሎጅን ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳትን መጥቃዕትታት እናቐጸለ ክነሱ ከምቲ መጀመርያ ክጸሓፍ እንከሎ ሓቅን ጠቓምን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ 2000 ዓመታት እልቢ ዘይበሉ ህይወትን ሕብረተሰባትን ለዊጡ እዩ፡፡ እቶም ተቓወምቲ እናተበራረዩ መንገዶም እናቐያየሩ ከጥቅዑ፡ ከዕንዉን ከባጭዉን እዮም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ክጸንዕ እዩ፡፡ ሓቅነትን ጽልዋን መጽሓፍ ቅዱስ ዘየጠራጥር እዩ፡፡ እዚ ኹሉ መጥቃዕቲ፡ ፈተነ ምዕናውን ኣሕሊፉ ሓቅነቱ ምሓዙ ድማ ምስክር ናይቲ ቃል ኣምላኽ ምዃኑን ብኣምላኽ ከም ዝሕሎን ዘርኢ እዩ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝኾነ መንገዲ ይጠቓዕ፡ ከይተተንከፈን ከይተለወጠን ዝጸንዕ ምዃኑ ኣይግረምና፡፡ ከመይሲ የሱስ ባዕሉ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይክሓልፍን እዩ ኢሉ እንድዩ (ማርቆስ 13፡31)፡፡ ነዚ ኹሉ መረጋገጺ ርእዩ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ኣይኮነን ክብል ዝኽእል የልቦን፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ድዩ?
© Copyright Got Questions Ministries