settings icon
share icon
ሕቶ

ንኢየሱስ ከም ውልቃዊ መድሓኒኻ ምቕባል እንታይ ማለት እዩ?

መልሲ


ንኢየሱስ ከም ውልቃዊ መድሓኒኻ ተቐቢልካዮዶ ኢኻ? ነዚ ሕቶ ብግቡእ ክንርድኦ ቅድም “ኢየሱስ ክርስቶስ”፡ “ውልቃዊ” ን “መድሓኒ” ዝብሉ ሓረጋት ክንርድኦም ይድባእ።

ኢየሱስ ክርስቶስ መን እዩ? ብዙሓት ሰባት ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ቅኑዕ ሰብ፡ ዓቢይ መምህር፡ ወይ ከኣ ከም ናይ ኣምላኽ ነቢይ ይፈልጥዎ። እዞም ነገራት ብዛዕባ ኢየሱስ ብርግጽ ቅኑዓት እዃ እንተኾኑ፡ ኢየሱስ መን ምዃኑ ግና ብግቡእ ኣይገልጽዎን እዮም። ኢየሱስ ስጋ ዝለበሰ ኣምላኽ፡ መልክዕ ሰብ ዝተላበሰ ኣምላኽ ምዃኑ ቅዱስ መጽሓፍ ይምህረና (ዮሓ. 1፡ 1, 14 ርአ)። ኣምላኽ ንክምህረና፡ ከሕውየና፡ ክምሕረናን በጃና ክመውትን እዩ ናብዛ ዓለም ዝመጸ። ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ፡ ፈጣሪ፡ ልዑል ጐይታ እዩ። ነዚ ኢየሱስዚ ተቐቢልካዮዶ ኢኻ?

መድሓኒ ማለት እንታይ ማለት እዩ፡ ንምታይከ መድሓኒ የድልየና? ኩላትና ከም ዝሓጣእና ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና፡ ኩላትና እኩይ ስራሕ ሰሪሕና ኢና (ሮማ. 3፡10-18)። ብሰሪ ሓቲኣትና ድማ ቁጥዐን ፍርድን ኣምላኽ ይግብኣና። ኣንጻር መወዳእታ-ኣልቦ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ ንርዝገብርናዮም ሓጢኣት ዝዳረግ እቲ እንኮ ቅኑዕ መቕጻዕቲ ድማ ናይ ዘለዓለም መቕጻዕቲ እዩ (ሮማ. 6፡23, ራእይ 20፡11-15)። ስለዚ ከኣ እዩ መድሓኒ ዘድልየና!

ኢየሱስ ኣብ ዓለም መጺኡ በጃና ሞተ። ሞት ኢየሱስ ድማ ስለ ሓጢኣትና እተኸፍለ መወዳእታ ኣልቦ መቕጻዕቲ እዩ (2ቆሮ. 5፡21)። ኢየሱስ ዋጋ ሓጢኣትና ንምኽፋል እዩ ዝሞተ (ሮማ. 5፡8)። ኢየሱስ እዚ ዋጋ ዝኸፈለ ንሕና ከይንሕተት እዩ። ኢየሱስ ካብ ምዉታት ምትንስኡ ድማ ሞቱ ንዋጋ ሓቲኣትና ንምኽፋል ብቑዕ ምዃኑ የርእየና። ስለዚ ከኣ እዩ፡ ኢየሱስ እቲ ሓደን እንኮን መድሓኒ ዝኾነ (ዮሓ. 14፡6, ግ.ሓ. 4፡12)። ኢየሱስ መድሓኒኻ ምዃኑ ትኣምንዶ ኣሎኻ?

ኢየሱስ “ውልቃዊ” መድሓኒኻዶ ኢዩ? ብዙሓት ሰባት ክርስትና ማለት ናብ ቤተ ክርስትያን ምምልላስ፡ ምግልጋል ወይከኣ ተወሰኑ ሓጢኣት ዘይምግባር ዝመስሎም ኣለዉ። ግናኸ እዚ ክርስትና ኣይኮነን። እቲ ሓቀኛ ክርስትና ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ውልቃዊ ዝምድና ምፍጣር እዩ። ንኢየሱስ ከም ውልቃዊ መድሓኒኻ ምቕባል ማለት ውልቃዊ እምነትካ ኣብኡ ምንባርን ብኣኡ ምእማንን እዩ። ብእምነት ካልኦት ዝደሓነ ሓደ እኳ የልቦን። ገለ መብጽዓ ስለዝተመባጽዐ ሓደ እኳ ዝደሓነ የልቦን። እቲ እንኮ መገዲ ድሕነት ሞት ኢየሱስ ባጃ ሓጢኣትካ ዝተኸፍለ ዋጋን ምዃኑን ትንሳኤ ኢየሱስ ድማ ዋሕስ ናይ ዘልዓለም ህይወት ምዃኑ ብምእማን (ዮሓ. 3፡16) ንኢየሱስ ከም ውልቃዊ መድሓኒኻ ምቕባል እዩ። ኢየሱስ ውልቃዊ መድሓኒኻዶ ኢዩ?

ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ውልቃዊ መድሓኒኻ ክትቅበሎ እንተድኣ ደሊኻ፡ ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ቃላት ድገም። ነዚ ጸሎት ወይ ካልእ ጸሎት ስለዝገበርካ ከምዘየድሕነካ ዘክር። ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማንን ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ምእንታኻ ዝወደኦ ስራሕን ብምእማን ጥራይ ኢኻ ክትድሕን እትኻል። እዚ ጸሎት ንኣምላኽ እምነትካ እትገልጸሉን ድሕነት ስለዝሃበካ እተመስግነሉን መገዲ ጥራይ እዩ። “እግዚኣብሔር፡ ኣብ ቅድመኻ ሓጢኣት ከም ዝገበርኩን መቕጻዕቲ ከም ዝግበኣንን እፈልጥ። ግናኸ ኢየሱስ ብእኡ ኣሚነ ሕድገት-ሓጢኣት ክረክብ በጃይ ከምእተቐጽዐ እኣምን። ንዘቕረብካለይ ምሕረት እቕበልን ንድሕነተይ ከኣ እምነተይ ኣብ ልዕለኻ አንብር። ንኢየሱስ ከም ውልቃዊ መድሓኒየይ እቕበል። ስለቲ ብሉጽ ጸጋኻን ምሕረትና [ውህበት ናይ ዘለዓለም ህይወት] ተመስገን! ኣሜን!”

ኣብዚ ብዘምበብኩሞዶ ኢኹም ብዛዕባ ክርስቶስ ውሳኔ ዝወሰድኩም? ከምኡ እንተኾይኑ፡ ብኽብረትኩም ስዒቡ ኣብ ዘሎ “ሎሚ መዓልቲ ንክርስቶስ ተቐቢለ።” ዝብለ ክሊክ ግበሩ/ጠውቑ
English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ንኢየሱስ ከም ውልቃዊ መድሓኒኻ ምቕባል እንታይ ማለት እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries