settings icon
share icon
ሕቶ

ተማሒርካዶ? ከመይ ገይረ እየ ካብ ኣምላኽ ሕድገት-ሓጢኣት ዝቕበል?

መልሲ


ግ.ሓ. 13፡18 ከምዚ ይብል፡” እምበኣርሲ ኣቱም ኣኅዋትና፥ እዚ ዚንገረኩም ዘሎ መልእኽቲ ‘ኅድገት ሓጢኣት ብኢየሱስ እዩ’ ዚብል ከም ዝኾነ ፍለጡ”።

ሕድገት-ሓጢኣት እንታይ እዩ ንምታይከ የድልየኒ?

ትርጉም “ሕድገት” ዝብል ቃል ንዕዳኻ ምምሓር፡ ሸለል ምባል ማለት እዩ። ንሰባት እንተበደልና፡ ርክብና ወይ ዝምድናና ከም ቀደሙ ምእንቲ ክቕጽል፡ ምሕረት ወይከኣ ይቕሬታ ንሓትት። ግናኸ ሕድገት ወይ ምሕረት ውሁብ ኣይኮነን፡ እቲ ሰብ ንሕድገት ዝበቕዕ ክከውን ኣለዎ። ሓደ እኳ ንሕድገት-ሓጢኣት ዝበቕዕ የልቦን። ሕድገት ምልክት ፍቕሪ፡ ርህራሀን ጸጋን እዩ። ሕግደት ማለት ሓደ ሰብ ኣብ ልዕለኻ ዝኾነ በደልኳ እንተፈጸመ፡ ኣንጻር እቲ ሰብ ዝኮነ ቂምታ ንዘይምሓዝ ዝግበር ውሳኔ እዩ።

ኩላትና ካብ ኣምላኽ ሕድገት-ሓጢኣት ከምዘድልየና ቅዱስ መጽሓፍ ይምህረና። ኩላትና ሓጢእና ኢና። መክ. 7፡20 ከምዚ ይብል፡ “ብርግጽ፥ ሠናይ ዚገብር እሞ ዘይሓጥእ ጻድቕ ኣብ ምድሪ የልቦን”። 1ዮሓ. 1፡8 ከምዚ ይምህረና፡ “‘ሓጢኣት የብልናን’ እንተ በልና፥ ንገዛእ ርእስና ንጥብር ኣሎና፥ እታ ሓቂውን ኣባና የላን”። ዝኾነ ሓጢኣት ድማ ሓደ መልክዕ ዕልወት ኣንጻር ኣምላኽ እዮ (መዝ. 51፡4)። ስለዝኾነ ድማ፡ ካብ ኣምላኽ ሕድገት-ሓጢኣት ብድጊ እዩ ዘድልየና። ሓጢኣትና እንተ ዘይተሓዲጉልና ድማ፡ ሳዕቤን ሓጢኣትና ንዘላዓለም ብስቅያት ከነሕልፎ ኢና (ማቴ. 25፡46, ዮሓ. 3፡36)።

ሕድገት-ሓጢኣት -- ከመይ ኢለ እርክብ?

ግናኸ ብዕድል ፈቃርን ርህሩህን ንሓጢኣትና ይቕረ ክብል ዝህንጠን ኣምላኽ ኣሎና! 2ጴጥ. 3፡9 ከምዚ ይብለና፡ “ጐይታስ ኩላቶም ናብ ንስሓ ኪበጽሑ እምበር፥ ሓደ እኳ ኪጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝኾነ፥….”። እግዚኣብሄር ክምሕር ይደሊ እዩ፡ ስለዝኾነ ድማ ኣምላኽ ንዓና ሕድገት-ሓጢኣት ኣጣጠሓልና።

ንሓጥኣትና እቲ እንኮን ግቡእን መቕጻዕቲ ሞት እዩ። ቀዳማይ ክፋል ናይ ሮማ. 6፡23 ከምዚ ይብለና፡ “ከመይ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ፥…”። ካብ ሓጢኣትና ዝረኸብናዮ መኽሰብ ዘለዓለማዊ ሞት እዩ። ኣምላኽ ግና ኣብቲ ፍጹም መደቡ ሰብ [ማለት ኢየሱስ ክርስቶስ] ኮነ (ዮሓ. 1፡ 1, 14)። ኢየሱስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሞተ፡ ንመቕጻዕቲ ሓጢኣትና [ሞት] ድማ ንሱ ተበጀወልና። 2 ቆሮ 5፡21 ከምዚ የስተምህረና፡ “ንሕና ብክርስቶስ ተኻፈልቲ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ክንከውን፥ ኣምላኽ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣተኛ ገበሮ”። ንዓና ዝግባእ መቕጻዕቲ ብምስካም ኢየሱስ ኣብ መስቀል በጃና ሞተ! ኣምላኽ ስለዝኾነ፡ ሞት ኢየሱስ ንመላእ ዓለም ሕድገት-ሓጢኣት ኣምጽእላ። 1 ዮሓ. 2፡2 ከምዚ ይብል፡ “ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና በጃ ኾነ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ኩሉ ዓለም ከኣ እምበር ምእንቲ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኮነን”። ኢየሱስ ካብ ምዉታት ብምትንሳእ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን ሞትን ዓወት ኣወጀ (1 ቆሮ. 15፡1-28)። ስለቲ ሞትን ትንሳኤን ኢየሱስ ንኣምላኽ ኣመስግን፡ ካልኣይ ክፋል ሮማ. 6፡23 ሓቂ ብሓቂ እዩ፡ “ …ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ናይ ዘለዓለም ሕይወት እዩ”።

ሓጢኣትካ ክሕደገልልካዶ ትደሊ? ካብ ልብኻ ከተርሕቖ ዘትኽእል ኣብ ውሽጥኻ ሕርኽርኽ ዝብለካዶ ኣሎ? ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒኻ እምነት እንተደኣ ኣሕዲርካ፡ ሕድገት-ሓቲያትካ ኣብ ቀረባ እዮ ዘሎ። ኤፈ. 1፡7 ከምዚ ይብለና፡ “ብእኡ፥ ማለት ብደሙ ድኅነት፥ ከም ሃብቲ ጸጋኡ ከኣ ኅድገት ሓጢኣት ኣሎና”። ኢየሱስ ንዕዳና ከፊሊልና እዮ። ስለዝኾነ ድማ ሕድገት-ሓጢኣት ክግበረልና ይኽእል እዩ። ኢየሱስ ንሕድገት-ሓጥያትካ ንምኽፋል ከምዝሞተ ብምእማን፡ ንኣምላኽ ብጐይታ ኢየሱስ ሕድገት-ሓጢኣት ክገብረልካ ምልማን ጥራይ እዮ ዘድልየካ፡ ኣምላኽ ድማ ክምሕረካ እዩ። ዮሓ. 3፡16-17 እዚ መሳጢ መልእኽቲ ሒዙ ይርከብ፡ “በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዘበለ ኩሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኪረክብ እምበር ከይጠፍእሲ፥ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዚህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ምኽኒያቱ ኣምላኽ ንወዱ ናብ ዓለም ዝለኣኾ፥ ዓለም ብኣኡ ምእንቲ ክትድኅን እምበር ንዓለም ኪፈርድ ኢሉ ኣይኮነን”።

ግናኸ ሕድገት-ሓጢኣት -- ብሓቂ ቀሊልዶ እዩ?

እወ፡ ብርግጽ ቀሊል እዩ! ንሕድገት-ሓጢኣት ካብ ኣምላኽ ክትዕድጐ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንሕግደት-ሓጢኣት ካብ ኣምላኽ ዋጋኡ ክትከፍሎ ኣይከኣለካን እዩ። ብጸጋን ሰናይ-ፍቓድን ኣምላኽ፡ ብእምነት ጥራይ ኢኻ ካብ ኣምላኽ ሕድገት-ሓጢኣት ክትቅል እትኽእል። ንኢየሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒኻ ክትቅበልን ብእኡ ድማ ካብ ኣምላኽ ሕድገት-ሓጢኣት ክትረኽብ እንተደኣ ደሊኻ፡ ከምዚ ኢልካ ክትጽልይ ትኽእል። እዚ ጸሎት ስለዝደገምካ ወይ ካልእ ጸሎት ስለዝገበርካ ጥራይ ኣየድሕነካን እዩ። ኣብ ክርስቶስ እምነትካ እንተደኣ ኣንቢርካ ጥራይ እዩ ካብ ሓጢኣት ከድሕነካ ዝኽእል። እዚ ጸሎት ንኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎካ እምነት እትገልጸሉን ንድሕነትካ ምብጃዉን ንምምስጋን ጥራይ እዩ። “እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቅድመኻ ከም ዝሓጣእኩን መቕጻዕቲ ከምዝግበኣንን እፈልጥ። ግናኸ ኣብኡ ብምእማን ሕድገት-ሓጢኣት ክረክብ ኢሉ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ በጃይ ተቐጽዓለይ። ከም ዝድሕን ኣብ ልዕለኻ ምሉእ እምነት ኣሎኒ። ስለቲ ዘደንቕ ጸጋኻን ምሕረትካን አመስግነካ! እሜን!”

ኣብዚ ብዘምበብኩሞዶ ኢኹም ብዛዕባ ክርስቶስ ውሳኔ ዝወሰድኩም? ከምኡ እንተኾይኑ፡ ብኽብረትኩም ስዒቡ ኣብ ዘሎ “ሎሚ መዓልቲ ንክርስቶስ ተቐቢለ።” ዝብለ ክሊክ ግበሩ/ጠውቑ
English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ተማሒርካዶ? ከመይ ገይረ እየ ካብ ኣምላኽ ሕድገት-ሓጢኣት ዝቕበል?
© Copyright Got Questions Ministries